ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ንፈርዖን ይፈርዶ

ፈርዖን እቲ ‘ሩባ ናተይ እዩ፥ ኣነ ገይረዮ’ ዝብል ዓብዪ ገበል ሩባ እዩ። ኣቦና ኣብ ምንጋጋኡ ዓንቃሪቦ ኣእትዩ ናብ በረኻ ይጎትቶ። ግብፂ ንእስራኤል ዝቡጠስ በትሪ ሻምብቆ ነበረት። ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት ባድማ፥ ካብ ኵለን መንግስታት ዝተዋረደት ኮይና ትምለስ።

ምዕራፍ 29።

ኣብ መበል ዓስራይ ዓመት፥ ኣብ ዓስራይ ወርሒ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ መዓልቲ፥ ቃል ኣቦና ናባይ መፀ፦

ኦ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ግበር፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ኵላ ግብፅ ተነበ።

ተዛሪብካ ድማ ከምዙይ በል፦ እቲ ልዑል ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ኦ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥ ኣብ መስኖታትካ ዝተገምሰሰ ዓብዪ ገበል፥ ‘ሩባ ናተይ እዩ፤ ኣነ ንርእሰይ ገይረ’ እትብል፥ ኣነ ፀላኢኻ እየ። ኣብ ምንጋጋኻ ግና ዓንቃሪቦ ከእትወልካ እየ፥ ነቲ ዓሳ መስኖታትካ ድማ ኣብ ቅረፍትኻ ከጥብቖ እየ፤ ካብ ማእኸል መስኖታትካ ኸዓ፥ ኵሉ ዓሳ መስኖታትካ ኣብ ቅረፍትኻ እናተጣበቐ፥ ከልዕለካ እየ። ንኣኻን ንዅሉ ዓሳ መስኖታትካን ናብ በረኻ ክድርብየካ እየ። ኣብ ልዕሊ ገፊሕ መሮር ክትወድቕ ኢኻ፤ ኣይክትእከብን ኣይክትጽፋፍን ኢኻ። ንኣራዊት ምድርን ነዕዋፍ ሰማይን ድማ ንመብልዒ ሂበካ ኣለኹ። ሽዑ ኵሎም እቶም ኣብ ግብፂ ዝነብሩ፥ ንቤት እስራኤል በትሪ ሻምብቆ ስለ ዝኾኑ፥ ኣነ ኣቦ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። በእዳዎም ምስ ሓዙኻ፥ ተሰባቢርካ ማእገሮም ቀደድካ፤ ኣብ ልዕሌኻ ምስ ተፀግዑ ድማ ተሰቢርካ ኣእጋሮም ኣንቀጥቀጥካ።”

ስለዙይ እቲ ልዑል ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ኣብ ልዕሌኻ ሰይፊ ከምፅእ እየ፤ ካባኻ ድማ ሰብን እንስሳን ክቘርፅ እየ።

ምድሪ ግብፂ ድማ ምድረ በዳን ዑናን ክትከውን እያ፤ ፈርዖን “እቲ ሩባ ናተይ እዩ፤ ኣነ ገይረ” ስለ ዝበለ፥ ኣነ ኣቦ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።

ስለዙይ እንሆ፥ ኣነ ፀላኢኻ እየ፥ ፀላኢ መስኖታትካ ድማ እየ፤ ንምድሪ ግብፂ ኸዓ ካብ ኣስዋን ክሳዕ ወሰን ኵሽ፥ ፈፂማ ዑናን ምድረ በዳን ክገብራ እየ። እግሪ ሰብ ኣይሓልፋን፥ እግሪ እንስሳ ድማ ኣይሓልፋን፤ ኣርብዓ ዓመት ከዓ ሓደ እኳ ኣብኣ ኣይነብርን። ንምድሪ ግብፂ ኣብ ማእኸል ዝባደማ ሃገራት ባድማ፥ ንከተማታታ ድማ ኣብ ማእኸል ዝዓነዋ ከተማታት ንኣርብዓ ዓመት ዑና ክገብረን እየ። ንግብፃውያን ከዓ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፥ ኣብ ኵሉ ሃገራት ድማ ክበትኖም እየ።

እቲ ልዑል ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ እዩ እሞ፦ “ኣብ መወዳእታ ኣርብዓ ዓመት፥ ንግብፃውያን ካብቶም ዝተበተኑሉ ህዝብታት ክእክቦም እየ። ንምርኮ ግብፂ ክመልሶ፥ ናብ ምድሪ ፍጥሮስ፥ ናብታ ዝተወለዱላ ምድሮም ክመልሶም እየ፤ ኣብኡ ድማ ትሑት መንግስቲ ክኾኑ እዮም። ካብ ኵለን መንግስታት ዝተሓተት ክትከውን እያ፤ መሊሳውን ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኣይክትለዓልን እያ። ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ከይገዝኡ ድማ፥ ኣዝዮም ንኣሽቱ ክገብሮም እየ። ግብፂ መሊሳ ንቤት እስራኤል ትውክልቲ ኣይክትከውኖምን እያ፤ ናብኣ ምስ ዘምበሉ ኸዓ ንበደሎም ዝዝክር መዘከርታ ደኣ ኽትከውን እያ እምበር። ሽዑ እቲ ልዑል ኣቦ ኣነ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”

ኣብ መበል ዕስራን ሸውዓተን ዓመት፥ ኣብ ቀዳማይ ወርሒ፥ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ፥ ቃል ኣቦና ናባይ መፀ፦

ኦ ወዲ ሰብ፥ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ንሰራዊቱ ኣብ ልዕሊ ጢሮስ ከቢድ ስራሕ ኣስርሖም። ነፍሲ ወከፍ ርእሲ ተመልጠ፥ ነፍሲ ወከፍ ማእገር ተገፈ፤ ኮይኑ ግና ንሱን ሰራዊቱን ኣብ ልዕሊኣ ነቲ ዝሰርሕዎ ስራሕ፥ ካብ ጢሮስ ዓስቢ ኣይረኸቡን። ስለዙይ እቲ ልዑል ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ንምድሪ ግብፂ ንናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ክህቦ እየ። ንሱ ድማ ሃብታ ክወስድ፥ ምርኮኣ ክማርኽ፥ ጥሪታ ክዘምት እዩ፤ እዝ ከዓ ንሰራዊቱ ዓስቢ ክኸውን እዩ። ነቲ ዝሰርሖ ስራሕ ዓስቡ ክኸውን፥ ንምድሪ ግብፂ ሂበዮ ኣለኹ፤ ንኣይ ኢሎም ገይሮም እዮም እሞ፥ ይብል እቲ ልዑል ኣቦ።

በታ መዓልቲ እቲኣ ንቤት እስራኤል ቀርኒ ከብቍለላ እየ፤ ንኣፍካ ድማ ኣብ ማእኸሎም ክኸፍቶ እየ። ሽዑ ኣነ ኣቦ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። a a v21 እቲ ዝበቍል ቀርኒ ናይ ዝዛይድ ሓይልን ምድሓንን ምልክት እዩ፤ ናብቲ ኣቦና ካብ ዘርኢ ዳዊት ተወሊዱ ብኢየሱስ ዘተስኦ ቀርኒ ምድሓን የመልክት።