ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ከተማታት መዕቘቢ ንንፁሃን

መንገድታተን እተዳለወለን ከተማታት መዕቘቢ፥ ናይ ሰብ ማሕፀ ሓፂን ካብ መትሓዚኡ መሊጡ ሰብ ዝቐተለ፥ ካብ ቍጥዓ እቲ ፈዳዪ ሕነ ሃዲሙ ምስማዕ ምእንቲ ኽረክብ። ናይ ወሰን ኣእማን ከምቲ ቀዳሞት ወለዶታት ዘቘምዎ ይፀንሕ። ብሓደ ምስክር ዝኵነን የለን፤ ሓሰተኛ ምስክር ድማ ነቲ ንሓዉ ዝሓሰበሉ ይቕበል።

ምዕራፍ 19።

ኣቦኻ ነቶም ምድሮም ዝህበካ ኣህዛብ ምስ ኣጥፍአ፥ ንስኻ ድማ ኣባሪርካ ኣብ ከተማታቶምን ኣባይቶምን ምስ ተቐመጥካ፥ ኣብታ ኣቦኻ ኽትወርሳ ዝህበካ ዘሎ ምድሪ፥ ሰለስተ ከተማታት ፍለ። መንገድታት ኣዳሉ፤ ነታ ኣቦኻ ኽትወርሳ ዝህበካ ምድሪ ድማ ኣብ ሰለስተ መቒልካ፥ ሰብ ዝቐተለ ዅሉ ናብኣ ኽሃድም ይኽእል። እዝ ናብኣ ሃዲሙ ብህይወት ዝነብር ቐታሊ ሰብ ነገር እዙይ እዩ፦ ነቲ ቅድም ፅልኢ እንተይነበሮ ብዘይ ምፍላጥ ንብፃዩ ዝወቕዐ፥ ከምቲ ሓደ ሰብ ምስ ብፃዩ ኦም ክቘርፅ ናብ ዱር ዝኸይድ፥ ኢዱ ድማ ነቲ ኦም ክቘርፅ ማሕፀ እንተ ኣልዓለ፥ እቲ ሓፂን ካብ መትሓዚኡ መሊጡ ንብፃዩ ወቒዑ እንተ ቐተሎ፥ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን ሃዲሙ ብህይወት ይነብር። እንተ ዘይኮነ፥ እቲ ፈዳዪ ሕነ ብቝጥዓ ተቓፂሉ ነቲ ቐታሊ ሰብ በቲ ነዊሕ መንገዲ ሰዓቡ፥ ኣርኪቡ ኸዓ ይቐትሎ፤ ንሱ ግና ቅድም ንብፃዩ ስለ ዘይፀልኦ፥ ሞት ዘይግብኦ እዩ ነይሩ። a a v6 እቲ ፈዳዪ ሕነ፥ እቲ ዝቐረበ ዘመድ እቲ ዝተቐተለ ሰብ እዩ ነይሩ፤ ብናይ ቀደም ልማድ ድማ ነቲ ቐታሊ ኽስዕቦ ይግባእ ነበረ፤ እተን ከተማታት መዕቘቢ ኸዓ ነቲ ብዘይ ምፍላጥ ዝቐተለ ሰብ፥ ፍትሓዊ ፍርዲ ኽሳዕ ዝረክብ፥ ካብዝ ሕነ እዙይ ይሕልዋኦ ነበራ። ስለዙይ ኣነ ሰለስተ ከተማታት ንባዕልኻ ኽትፈሊ እእዝዘካ ኣለኹ። ኣቦኻ ኸምቲ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ወሰናትካ እንተ ኣስፍሐ፥ እታ ዝመብፀዐሎም ዅላ ምድሪ ኸዓ እንተ ሃበካ፥ ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ዅሉ ትእዛዝ እዙይ ተጠንቂቕካ እንተ ሓሊኻ፥ ንኣቦኻ እንተ ኣፍቀርካ፥ ኵልሻዕ ድማ ብመንገዱ እንተ ተመላለስካ፥ ኣብ ልዕሊ እዘን ሰለስተ ኸተማታት ሰለስተ ኻልኦት ከተማታት ወስኽ፥ ኣብታ ኣቦኻ ርስቲ ጌሩ ዝህበካ ምድሪ ንፁህ ደም ምእንቲ ኸይፈስስ፥ ዕዳ ደም ከዓ ኣባኻ ምእንቲ ኸይወድቕ እዩ። ሓደ ሰብ ግና ንብፃዩ ፀሊኡ፥ ተፀናትዩ ተሲኡ ወቒዑ እንተ ቐተሎ፥ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን እንተ ሃደመ፥ ዓበይቲ እታ ኸተማኡ ልኢኾም ካብኡ ኣምፂኦም፥ ክመውት ድማ ኣብ ኢድ እቲ ፈዳዪ ሕነ ኣሕሊፎም ይህብዎ። ኣይትራህርሀሉ፤ በደል ናይቲ ንፁህ ደም ካብ እስራኤል ኣርሕቕ፥ ምእንቲ ኽጥዕመካ።

ወሰን ብፃይካ ኣኽብር

ኣብታ ኣቦኻ ኽትወርሳ ዝህበካ ምድሪ ኣብ እትወርሳ ርስትኻ፥ ነቲ ቀዳሞት ወለዶታት ዘቘምዎ ናይ ብፃይካ ናይ ወሰን ምልክት ኣይትደፍኣዮ።

ሓደ ምስክር ብዝኾነ ሓጢኣት ወይ በደል፥ ብዝኾነ ገበን ንሓደ ሰብ ከረጋግፅ ኣይኽእልን። እቲ ነገር ብኣፍ ክልተ ወይ ሰለስተ ምስክር ጥራሕ እዩ ዝፀንዕ። ሓደ ዓማፂ ምስክር ንሓደ ሰብ ብበደል ክኸሶ ተንሲኡ እንተ ቐረበ፥ እቶም ክልቲኦም ተኸራኸርቲ ሰባት፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ፥ ኣብ ቅድሚ እቶም በተን መዓልቲ እቲኣን ዘገልግሉ ኻህናትን ፈራዶን ደው ይበሉ። እቶም ፈራዶ ኣፀቢቖም ይመርምሩ። እቲ ምስክር ሓሳዊ እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ልዕሊ ሓዉ ብሓሰት እንተ መስከረ፥ ከምቲ ንሓዉ ኺገብሮ ዝሓሰበ ንእኡ ግበርዎ፤ ነቲ ኽፉእ ድማ ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ። እቶም ዝተረፉ ሰሚዖም ክፈርሑ እዮም፤ ድሕሪ ሕዚ ድማ ከምዙይ ዝበለ ክፉእ ነገር ኣብ ማእኸልካ ኣይገብሩን እዮም። ኣይትራህርሀሉ፤ ህይወት ክንዲ ህይወት፥ ዓይኒ ኽንዲ ዓይኒ፥ ስኒ ኽንዲ ስኒ፥ ኢድ ኽንዲ ኢድ፥ እግሪ ኽንዲ እግሪ ይኹን።