ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦኻትኩም ይዋግአልኩም እዩ

ቅድሚ ውግእ እቲ ካህን ነቲ ሰራዊት፥ ኣቦኦም ምሳታቶም ይኸይድ ስለ ዘሎ ኣይትፍርሑ ይብሎም። ሽዑ ድማ ገሊኦም ናብ ቤቶም ይስደዱ — እቲ ሓድሽ ቤት ዝሰርሐ፥ እቲ ሓድሽ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝተኸለ፥ እቲ ሰበይቲ ተሓፅዩ ዘይኣተዋ፥ ወይ እቲ ዝፈርሐ። ንኸተማታት ቅድም ሰላም ይእወጀለን፤ ዝኸብባ ሰራዊት እኳ ዘፍርያ ኣእዋም ኣይቘርፁን።

ምዕራፍ 20።

ናብ ፀላእትኹም ክትዋግኡ ኢልኩም ምስ ወፃእኹም፥ ኣፍራስን ሰረገላታትን ካባኻትኩም ዝዓቢ ሰራዊትን ምስ ረኣኹም፥ እቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአኩም ኣቦኻትኩም ምሳኻትኩም ስለ ዘሎ፥ ኣይትፍርሕዎም። ናብ ውግእ ክትኣትዉ ምስ ቀረብኩም ድማ፥ እቲ ካህን ቀሪቡ ነቲ ህዝቢ ይዛረቦም። ከምዙይ ኢሉ ድማ ይንገሮም፦ “ኦ እስራኤል፥ ስማዕ፤ ሎሚ ናብ ፀላእትኹም ክትዋግኡ ትኸዱ ኣለኹም። ኣይትሸበሩ፥ ኣይትፍርሑ፥ ኣይትደንግፁን፥ ብኣኣቶም ኣይትሰምብዱ፤ ኣቦኻትኩም ምሳኻትኩም ይኸይድ ኣሎ እሞ፥ ንሱ ንፀላእትኹም ክዋግአልኩም፥ ዓወት ድማ ክህበኩም እዩ።”

እቶም ኣሕሉቕ ድማ ነቲ ህዝቢ ኸምዙይ ኢሎም ይንገርዎም፦ “ሓድሽ ቤት ሰሪሑ ዘይቀደሳ ሰብ ኣሎዶ? ኣብ ውግእ ሞይቱ ኻልእ ከይቅድሳ፥ ናብ ቤቱ ይመለስ። ኣታኽልቲ ወይኒ ተኺሉ ፍሪኣ ዘይበልዐ ሰብ ኣሎዶ? ኣብ ውግእ ሞይቱ ኻልእ ከይበልዓ፥ ናብ ቤቱ ይመለስ። ሰበይቲ ተሓፅዩ ዘይኣተዋ ሰብ ኣሎዶ? ኣብ ውግእ ሞይቱ ኻልእ ሰብ ከየእትዋ፥ ናብ ቤቱ ይመለስ።” እቶም ኣሕሉቕ ድማ ነቲ ህዝቢ መሊሶም ከምዙይ ይበልዎም፦ “ዝፈርሐ ልቡ ዝመከኸን ሰብ ኣሎዶ? ልቢ ኣሕዋቱ ኸም ናቱ ኸይመክኽ፥ ናብ ቤቱ ይመለስ።” እቶም ኣሕሉቕ ምስቲ ህዝቢ ዘረባኦም ምስ ወድኡ ድማ፥ ነቲ ህዝቢ ዝመርሕዎ ኣሕሉቕ ሰራዊት ይሽይሙ።

ናብ ሓንቲ ኸተማ ክትዋግእዋ ምስ ቀረብኩም፥ ሰላም ኣወጁላ። ብሰላም እንተ መለሰትልኩምን ደገ እንተ ኸፈተትልኩምን፥ ኵሉ ህዝባ ተገዲዶም ዝሰርሑልኩም ባሮትኩም ይኹኑ። ሰላም እንተ ኣበየትን ምሳኻትኩም እንተ ተዋግአትን ግና፥ ከብብዋ። ኣቦኻትኩም ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ምስ ሃበኩም ድማ፥ ንዅሎም ተባዕትዮ ብሰይፊ ቅተልዎም። እተን ኣንስትን እቶም ቆልዑን እንስሳን ኣብታ ኸተማ ዘሎ ዅሉን ግና፥ ኵሉ ዘመታኣ ንርእስኹም ዘምትዎ፤ በቲ ኣቦኻትኩም ዝሃበኩም ዘመተ ፀላእትኹም ድማ ደስ ይበልኩም። ነተን ኻብ ከተማታት እዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ዘይኮና፥ ርሑቓት ዝኾና ዅለን ከተማታት፥ ከምዙይ ግበሩለን። ኣብተን ኣቦኻትኩም ርስቲ ገይሩ ዝህበኩም ከተማታት እዞም ኣህዛብ ግና፥ ዝኾነ እስትንፋስ ዘለዎ ብህይወት ኣይተትርፉ። ከምቲ ኣቦኻትኩም ዝኣዘዘኩም፥ ንኬጢያውያንን ንኣሞራውያንን ንከነዓናውያንን ንፈሪዛውያንን ንኤዋውያንን ንኢያቡሳውያንን ፈፂምኩም ኣጥፍእዎም እምበር። ነቲ ንኣማልኽቶም ዝገብርዎ ዅሉ ርኹስ ነገራት ክትገብሩ ኸይምህርኹም፥ ኣብ ኣቦኻትኩም ድማ ሓጢኣት ከይትገብሩ።

ንሓንቲ ኸተማ ኽትሕዝዋ ተዋጊእኹም ንነዊሕ ጊዜ ምስ እትኸብዋ፥ ነቶም ኣእዋማ ማሕፀ ወስ እናበልኩም ኣይተጥፍእዎም። ካብቶም ኣእዋም ክትበልዑ ትኽእሉ ኢኹም እምበር፥ ኣይትቍረፅዎም። እቲ ኦም መሮር ከም ፀላኢኹም ጌርኩም ዝከበብ ሰብ ድዩ? ንምግቢ ዘይኮነ ምዃኑ እትፈልጥዎ ኦም ጥራሕ ክትቍርፁ ትኽእሉ ኢኹም። እታ ምሳኻትኩም እትዋጋእ ከተማ ክሳዕ እትወድቕ ድማ፥ ኣብ ልዕሊኣ መከበቢ ስራሕ ስርሑ።