ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ምስትስራይ ንፁህ ደም

መን ከም ዝቐተሎ ዘይተፈለጠ ቅትለት፥ ዓበይቲ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ዓርሒ ሓፂቦም፥ ንኣቦና ነቲ ንፁህ ደም ከስተስርየሎም ብምሕታት ይምለስ። ምርኽቲ ሰበይቲ ክትብከን ክትምርዓውን ኣለዋ እምበር ኣይትሽጥ። ወዲ እታ ፅልእቲ ሰበይቲ በዅርነቱ ይሕዝ። ሬሳ ናይ እተቐትለ ሰብ ድማ ኣብ ዕንፀይቲ ለይቲ ኣይሕደር።

ምዕራፍ 21።

ኣብታ ኣቦኻትኩም ክትወርስዋ ዝህበኩም ምድሪ፥ ኣብ ግራት ወዲቑ ዝተረኽበ ቅቱል ሰብ እንተሎ፥ መን ከም ዝቐተሎ ኸዓ ዝፈልጥ የለን፥ ሽዑ ሹመኛታትኩምን ፈራዶኹምን ወፂኦም፥ ናብተን ኣብ ዙርያ እቲ ሬሳ ዘለዋ ኸተማታት ይዕቅኑ። ሹመኛታት እታ ንሬሳ ዝቐረበት ከተማ ድማ፥ ንዕዮ ዘይበቕዐት፥ በርዑት ተቘሪና ዘይትፈልጥ ዓርሒ ይውሰዱ፥ እቶም ሹመኛታት እታ ኸተማ ድማ፥ ነታ ዓርሒ ናብ ዘይሕረስን ዘይዝራእን፥ ዝውሕዝ ማይ ዘለዎ ለሰ የውርድዋ፤ ኣብኡ ኣብቲ ለሰ ኸዓ ክሳዳ ይሰብሩ። እቶም ካህናት ደቂ ሌዊ ድማ ይቕረቡ፤ ኣቦኻትኩም ንእኡ ኼገልግልዎን ብስም ኣቦና ኺባርኹን ሐሪይዎም እዩ እሞ፤ ብቓሎም ድማ ኵሉ ክርክርን ኵሉ ምቝሳልን ይውሰን። ኵሎም ሹመኛታት እታ ንሬሳ ዝቐረበት ከተማ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ለሰ ክሳዳ ዝተሰብረት ዓርሒ ኣእዳዎም ይሕፀቡ፥ ከምዙይ ኢሎም ድማ ይበሉ፦ “ኣእዳውና ነዝ ደም እዙይ ኣይኸዓዋን፥ ኣዒንትናውን ኣይረኣያን። ኦ ኣቦና! ነቲ ዝተቤዘኻዮ ህዝብኻ እስራኤል ኣስተስርየሉ፤ ንፁህ ደም ድማ ኣብ ማእኸል ህዝብኻ እስራኤል ኣይተንብር። ሽዑ ድማ እቲ ደም ክስረየሎም እዩ።” a a v8 እዝ ናይ ዓርሒ ስርዓት እዙይ፥ ነታ ዝቐረበት ከተማ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ዝተፈፀመ ቀታሊኡ ዘይተፈልጠ ቅትለት፥ ንፁህ ምዃና ብግልፂ ክትእውጅን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስትስራይ ክትደልን የፍቅደላ ነበረ። ኣብ ቕድሚ ኣቦና ቕኑዕ ዝኾነ ምስ እትገብሩ ድማ፥ ነቲ ንፁህ ደም ካብ ማእኸልኩም ከተወግዱ ኢኹም።

ምርኽቲ ሰበይቲ ከም ሰበይቲ ምውሳድ

ምስ ፀላእትኹም ክትዋግኡ ወፂእኹም፥ ኣቦና ኣብ ኢድኩም ምስ ኣሕለፎም፥ ምሩኻት ድማ ምስ ማረኽኩም፥ ኣብ ማእኸል እቶም ምሩኻት ከዓ መልክዐኛ ሰበይቲ ርኢኻ፥ ተመንያ፥ ከም ሰበይትኻ ኽትወስዳ እንተ ደሊኻ፥ ናብ ቤትካ ኣእትዋ፤ ንሳ ኸዓ ርእሳ ትላፀ፥ ፅፍራውን ትቝረፅ፤ ክዳን ምርኮኣ ኸዓ ተውፅእ፤ ኣብ ቤትካ ተቐሚጣ ድማ ነቦኣን ነዲኣን ምሉእ ወርሒ ትበኽየሎም። ድሕሪኡ ናብኣ ኣትዩ ሰብኣያ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ፤ ንሳ ኸዓ ሰበይትኻ ትኸውን። ደጊም እንተ ዘይደሌኻያ ኸዓ፥ ናብ እትደልዮ ትኺድ ሕራ ኣውፅኣ። ኣዋሪድካያ ኢኻ እሞ፥ ብብሩር ኣይትሽጣ፥ ከም ባርያ ድማ ኣይትግበራ።

ርስቲ በዅሪ ወዲ

ሓደ ሰብኣይ ክልተ ኣንስቲ፥ ሓንቲ ፍትውቲ ሓንቲ ፅልእቲ እንተ ኣልየኦ፥ ክልቲአን ድማ ኣወዳት ምስ ወለዳሉ፥ እቲ በዅሪ ግና ናይ እታ ፅልእቲ ሰበይቲ እንተ ኾይኑ፥ b b v15 ኣብዙይ “ፅልእቲ” ዝበሃል፥ ብፍቕሪ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዘላ ሰበይቲ፥ ማለት ብውሑድ ዝተፈተወት ማለት እዩ እምበር፥ እታ ዝተፀየነት ማለት ኣይኮነን። ነቲ ገንዘቡ ንደቁ ኼውርስ እንተሎ ድማ፥ ነቲ ወዲ እታ ፍትውቲ ሰበይቲ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ሓቂ በዅሪ ዝኾነ ወዲ እታ ፅልእቲ ሰበይቲ፥ በዅሪ ገይሩ ኣይግበሮ። ነቲ ወዲ እታ ፅልእቲ ሰበይቱ ግና በዅሪ ገይሩ የለልዮ፤ ካብ ዘለዎ ዅሉ ድማ ዕፅፊ ግደ ይሃቦ፤ ንሱ መጀመርታ ሓይሉ እዩ እሞ፥ ብዅርና ናቱ እዩ።

ተሪርን ዓመፀኛን ወዲ

ሓደ ሰብኣይ ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ዘይእዘዝ፥ ምስ ቀፅዕዎውን ዘይሰምዕ ተሪርን ዓመፀኛን ወዲ እንተ ኣልይዎ፥ ሽዑ ኣቦኡን ኣዲኡን ሒዞም፥ ናብቶም ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማኡ ዘለዉ ሹመኛታት የምፅእዎ፤ ንሹመኛታት ከተማኡ ድማ፥ “እዝ ወድና እዙይ ተሪርን ዓመፀኛን እዩ፤ ኣይሰምዓናን እዩ፤ ሆዳምን ሰካርን እዩ” ይበልዎም። ኵሎም ሰብ ከተማኡ ብእምኒ ወጊሮም ይቕተልዎ። ነቲ ክፉእ ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ፤ ኵሎም እስራኤል ድማ ሰሚዖም ክፈርሑ እዮም።

ኣብ ኦም ዝተሰቕለ ዅሉ ርጉም እዩ

ሓደ ሰብ ሞት ዝግብኦ ሓጢኣት እንተ ጌሩ ቐቲልካዮ፥ ኣብ ኦም እንተ ሰቐልካዮ፥ ሬሳኡ ኣብ ኦም ኣይተሕድሮ፤ ኣብ ኦም ዝተሰቕለ ዅሉ ርጉም ኣቦና እዩ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ቕበሮ። ነታ ኣቦኻ ርስቲ ገይሩ ዝህበካ ምድርኻ ድማ ኣይተርክሳ። c c v23 ጳውሎስ፥ በረኸት ኣቦ ናብ ኵሉ ሰብ ምእንቲ ኽበፅሕ፥ ኢየሱስ ኣብ ኦም ተሰቒሉ ምእንታና ርጉም ከም ዝኾነ ይነግረና — ገላትያ 3፥13።