ኣቦና ንኻህናቱ ይኣልዮም
እቶም ካህናት ርስቲ ስለ ዘይብሎም፥ ካብቲ መስዋእቲ ይነብሩ። ምጥንቋልን ስራይን ናብ ምዉታት ምሕታትን ናይቶም ኣህዛብ ፍፁም ክልኩል እዩ። ኣብ ክንድኡ ድማ ኣቦና ካብ ማእኸል ኣሕዋቶም ከም ሙሴ ዝበለ ነቢይ ከተስእ እዩ፤ ቃላት ሓደ ነቢይ ምፍፃሙ ኸዓ ንሱ ከም ዝተለኣኸ መፈተኒ እዩ።
18 1ካህናት ሌዋውያን፥ ብዘሎ ነገድ ሌዊ፥ ምስ እስራኤል ግደን ርስትን የብሎምን፤ ነቲ ንኣቦና ዝቐርብ መስዋእቲ ምግቢ፥ ርስቱ፥ ይበልዕዎ። 2ኣብ ማእኸል ኣሕዋቶም ርስቲ ኣይሃልዎም፤ ከምቲ ዝተስፈዎም፥ ኣቦና ርስቶም እዩ። 3እዝ ካብ ህዝቢ ናይ ካህናት መሰል እዩ፦ እቶም ብዕራይ ወይ በጊዕ ዝስውኡ፥ ነቲ ካህን ማእገር፥ ክልቲኡ ምዕጉርትን ከብድን ይሃብዎ። 4ካብ እኽልኻ፥ ካብ ሓድሽ ወይንኻን ካብ ዘይትን በዅሪ፥ ካብ ኣባጊዕኻን በዅሪ ፀምሪ ሃቦ። 5ኣቦኻ ነዙይ ካብ ኵሎም ነገዳት፥ ንሱን ደቁን ብስም ኣቦና ደው ኢሎም ንዘለኣለም ከገልግሉ፥ ሓረዮ እዩ እሞ።
6ሓደ ሌዋዊ ኻብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ እስራኤል ዝነብሩለን ከተማታት ወፂኡ፥ ናብታ ኣቦና ዝሓረያ ቦታ ብዝደለዮ ጊዜ እንተ መፀ፥ 7ሽዑ ኸም ኵሎም እቶም ኣብኡ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ደው ዝብሉ ኣሕዋቱ ሌዋውያን፥ ብስም ኣቦና ከገልግል ይኽእል እዩ። 8ብዘይ እቲ ኻብ ምሻጥ ጥሪት ማይ ቤቱ ዝረኽቦ፥ ማዕረ ግደ ይብላዕ።
እቲ ኣቦ ንተግባር ጥንቍልና ይኽልክል
9ናብታ ኣቦኻ ዝህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻ፥ ከምቲ እቶም ኣህዛብ ዝገብርዎ ፍንፉን ተግባር ክትገብር ኣይትመሃር። 10ኣባኻትኩም ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዘሕልፍ፥ ዝጠንቍል፥ ፋል ዝብል፥ ዝማርት፥ ወይ ስራይ ዝገብር ሓደ እኳ ኣይርከብን፤ 11ዝደግም፥ መንፈስ ምዉታን ዝፅውዕ፥ ጠንቋሊ፥ ወይ ናብ ምዉታት ዝሓትት። 12እዝ ዝገብር ኵሉ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ፍንፉን እዩ እሞ፤ ብሰሪ እዝ ፍንፉን ተግባር እዙይ፥ ኣቦኻ ኻብ ቅድሜኻ ይሰጎም ኣሎ። 13ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ ፍፁም ኩን። 14እዞም ክትወርሶም ዘለኻ ኣህዛብ ግና፥ ንፋል ዝብሉን ንጠንቈልትን ይሰምዑ፤ ንኣኻ ግና ኣቦኻ ነዙይ ኣይፈቐደልካን።
እቲ ኣቦ ነቢይ ክሰድድ እዩ
15ኣቦኻ ኻባኻ፥ ካብ ኣሕዋትካ፥ ከማይ ዝበለ ነቢይ ከተስኣልካ እዩ፤ ንእኡ ስምዓዮ። a a v15 ጴጥሮስን እስጢፋኖስን ንኢየሱስ፥ ከምቲ ኣቦና ኸተስኦ ዘተስፈዎ ነቢይ ኢሎም ሰመይዎ፤ ንሱ እቲ ኵሉ እስራኤላዊ ክሰምዖ ዝነበሮ እዩ (ግብሪ ሃዋርያት 3፥22-23፤ ግብሪ ሃዋርያት 7፥37)። 16ኣብ ኮሬብ ብመዓልቲ እቲ ጉባኤ ኻብ ኣቦኻ ዝለመንካዮ እዙይ እዩ፦ “ድሕሪ ደጊም ድምፂ ኣቦና ኣይስማዕ፤ ነዝ ዓብዪ ሓዊ እዙይውን ደጊም ኣይርአ፤ እንተ ዘይኮነስ ክመውት እየ።”
17ኣቦናውን ከምዙይ በለኒ፦ “እቲ ዝበልዎ ቕኑዕ እዩ። 18ካብ ማእኸል ኣሕዋቶም ከማኻ ዝበለ ነቢይ ከተስኣሎም እየ፤ ቃላተይ ድማ ኣብ ኣፉ ኸንብር እየ፤ ኵሉ ዝእዝዞ ኸዓ ክነግሮም እዩ። 19ነቲ ብስመይ ዝዛረቦ ቃላተይ ዘይሰምዕ ኵሉ፥ ኣነ ባዕለይ ክሓቶ እየ። 20እቲ ኣነ ዘይኣዘዝክዎ ቃል ብስመይ ክዛረብ ዝደፍር ነቢይ ግና፥ ወይ እቲ ብስም ካልኦት ኣማልኽቲ ዝዛረብ፥ እቲ ነቢይ እቱይ ይሞት።”
21ኣብ ልብኻ ድማ “ነቲ ኣቦና ዘይተዛረቦ ቃል ብኸመይ ክንፈልጦ ንኽእል?” እንተ በልካ፥ 22ሓደ ነቢይ ብስም ኣቦና እንተ ተዛረበ፥ እቲ ቓል ድማ እንተ ዘይኮነ ወይ እንተ ዘይተፈፀመ፥ ነቲ ቓል እቲ ኣቦና ኣይተዛረቦን፤ እቲ ነቢይ ብትዕቢት እዩ ተዛሪብዎ፤ ኣይትፍርሆ።