ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ይፅሕፍ
ኣብ ጥቓ ሞት ዝተፅሓፈ ናይ ጳውሎስ ናይ መወዳእታ መልእኽቲ፤ ነቲ ሽግ ንጢሞቴዎስ የረክብ፥ ቃል ክሰብኽ ድማ ይእዝዞ።
1 1ብፍቓድ ኣቦና ሃዋርያ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝኾነ ጳውሎስ፥ ከምቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎ ተስፋ ህይወት፥ 2ናብ ጢሞቴዎስ፥ ፍቑር ወደይ፤ ካብ ኣቦናን ካብ ጐይታና ክርስቶስ ኢየሱስን፥ ፀጋን ምሕረትን ሰላምን ይኹን።
ነቲ ኣቦና ዝሃበካ ሃልሃልታ ኣባርዖ
3ነቲ ከምቲ ኣቦታተይ ዘገልገልዎ ብንፁህ ሕሊና ዘገልግሎ ኣቦና፥ ለይትን መዓልትን ኣብ ፀሎተይ እንተየቋረፅኩ ዅልሻዕ እናዘከርኩኻ፥ አመስግኖ ኣለኹ። 4ንብዓትካ እናዘከርኩ፥ ብሓጐስ ምእንቲ ኽመልእ፥ ክሪአካ እናፍቕ ኣለኹ። 5ነታ ኣባኻ ዘላ ቅንዕቲ እምነት እዝክር ኣለኹ፤ እዚኣ ቅድም ኣብ ኖኻ ሎይስን ኣብ ኣዴኻ ኤውንቄን ዝነበረት፥ ሕዚ ድማ ኣባኻውን ከም ዘላ ርግፀኛ እየ።
6ስለዙይ ነቲ ብምንባር ኣእዳወይ ኣባኻ ዘሎ ውህብቶ ኣቦና፥ ከም ብሓድሽ ከተባርዖ የዘኻኽረካ ኣለኹ። 7ኣቦና መንፈስ ፍርሓት ኣይኮነን ዝሃበና፥ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ገዛእ ርእስኻ ምግዛእን ደኣ እምበር። 8ስለዙይ ብምስክርነት ጐይታና፥ ብኣይ ብእሱሩ ድማ ኣይትሕፈር፤ ብሓይሊ ኣቦና ደኣ ምእንቲ ወንጌል መከራ ተኻፈል እምበር። 9ኣድሒኑ ብቅዱስ ጽውዓ ፀውዐና፤ እዙይ ከዓ ከም ገዛእ ፍቓዱን ፀጋን ደኣ እምበር ከም ግብርና ኣይኮነን። እዛ ፀጋ እዚኣ ቅድሚ ዘመናት ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ተውሃበትና፥ 10ሕዚ ግና ብምግላፅ መድሕንና ክርስቶስ ኢየሱስ ተገሊፃ፤ ንሱ ንሞት ኣጥፍአ፥ ብወንጌል ድማ ህይወትን ዘይምማትን ኣብርሀ። 11ነዝ ወንጌል እዙይ ከዓ ሰባኺን ሃዋርያን መምህርን ክኸውን ተሾምኩ። 12ስለዙይ ከዓ እዙይ ዝኣመሰለ መከራ እቕበል ኣለኹ። ንመን ከም ዝኣመንኩ እፈልጥ እየ፤ ነቲ ዝተኣማመነኒ ከዓ ክሳዕ እታ ዝምለሰላ መዓልቲ ክሕልዎ ከም ዝኽእል ርግፀኛ እየ እሞ፥ ኣይሓፍርን እየ።
13ነቲ ካባይ ዝሰማዕኻዮ ኣብነት ጥዑይ ቃላት፥ ብእምነትን ብፍቕርን ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ሓዞ። 14ነቲ ኣማሚኑ ዝሃበካ ፅቡቕ ሕድሪ፥ በቲ ኣባና ዝነብር መንፈስ ቅዱስ ሓልዎ።
15እዙይ ትፈልጥ ኢኻ፤ እቶም ኣብ ሃገር እስያ ዘለዉ ዅሎም፥ ፊገሎስን ሄርሞጌኔስን ሓዊሶም፥ ካባይ ተመሊሶም እዮም። 16ጐይታና ኢየሱስ ንቤተሰብ ኦኔሲፎሮስ ምሕረት ይሃቦም፤ ንሱ ብዙሕ ጊዜ ኣዕሪፉኒ እዩ እሞ፥ ብመቝሐይ ድማ ኣይሓፈረን። 17ብኣንፃሩ ናብ ሮሜ ምስ መፀ፥ ክሳዕ ዝረኽበኒ ኣበርቲዑ ደለየኒ። 18ጐይታና ኢየሱስ በታ መዓልቲ እቲኣ ካብ ጐይታ ምሕረት ክረክብ ይሃቦ። ኣብ ኤፌሶን ክንደይ ኣቢሉ ኸም ዘገልገለ፥ ባዕልኻ ኣፀቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።