ብፀጋ ተጠናኺርካ ምፅማም
ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፥ ካብ ፀጋ ሓይሊ ክስሕብ፥ ነቲ ትምህርቲ ኸዓ ንኻልኦት ከምህሩ ንዝኽእሉ እሙናት ሰባት ከማሓላልፎ ነገሮ። ወታደር፥ ተቓዳዳማይ፥ ሓረስታይ — ነፍሲ ወከፍ ስእሊ ብዛዕባ ምፅማም መከራ እዩ። ብዛዕባ ቃላት ምብኣስ ጥቕሚ የብሉን፤ ኣቦና ንስሃ ክህቦም ይኽእል እዩ እሞ ብህድኣት ኣረም።
2 1እምበኣር፥ ወደይ፥ በቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎ ፀጋ ተጠናኸር። 2እቲ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት መሰኻኽር ካባይ ዝሰማዕኻዮ ድማ፥ ንኻልኦት ከምህሩ ንዝኽእሉ እሙናት ሰባት ኣማሕፅኖ። 3ከም ፅቡቕ ወታደር ክርስቶስ ኢየሱስ ኮይንካ መከራ ተኻፈል። 4ዝኾነ ወታደር ብግልጋል እንተሎ፥ ነቲ ዝመልመሎ ኸሐጕስ ይደሊ እዩ እሞ፥ ኣብ ናይ መነባብሮ ነገር ኣይጠላለፍን። 5ተቓዳዳማይ ድማ ከምቲ ሕጊ እንተ ዘይተቓዲሙ፥ ኣኽሊል ኣይቕበልን እዩ። 6እቲ ዝፅዕር ሓረስታይ፥ ካብ ፍረ ቐዲሙ ኽቕበል ይግብኦ እዩ። 7ጐይታ ኣብ ኵሉ ነገር ምስትውዓል ክህበካ እዩ እሞ፥ ነቲ ዝብሎ ዘለኹ ኣስተንትኖ።
8ከምቲ ኣብ ወንጌለይ ዘሎ፥ ካብ ምዉታን ዝተንሰአ፥ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘክር፤ 9ምእንታኡ ኸም ገበነኛ ተኣሲረ መከራ እቕበል ኣለኹ። ቃል ኣቦና ግና ኣይእሰርን እዩ! 10ስለዙይ እቶም ሕሩያት ነቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎ ምድሓን ምስ ናይ ዘለኣለም ክብሪ ምእንቲ ኽረኽቡ፥ ስለኦም ኵሉ እፅመም ኣለኹ። 11እዝ ቃል እዙይ እሙን እዩ፦ ምስኡ እንተ ሞትና፥ ምስኡ ድማ ክንነብር ኢና፤ 12እንተ ፀመምና፥ ምስኡ ድማ ክንነግስ ኢና፤ እንተ ኸሓድናዮ፥ ንሱ ኸዓ ክኽሕደና እዩ፤ 13ንሕና እሙናት እንተ ዘይኮና፥ ንሱ እሙን ኮይኑ ይነብር፤ ንባዕሉ ኽኽሕድ ኣይኽእልን እዩ እሞ።
ብኣቦ ዝተፈተነ ሰራሒ
14ነዝ ነገራት እዙይ ኣዘክሮም፥ ብዛዕባ ቃላት ከይባእሱ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኣጠንቅቆም፤ ጥቕሚ የብሉን፥ ነቶም ዝሰምዑ ኸዓ የጥፍኦም።
15ነቲ ቃል ሓቂ ብቕንዕና እናኸፋፈልካ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ዝተፈተንካ፥ ዘይሓፍር ሰራሒ ኾይንካ ርእስኻ ንምቕራብ ፅዓር። 16ካብ ከንቱን ዘይቕዱስን ዘረባ ግና ርሓቕ፤ ናብ ዝበለፀ ረሲእነት የብፅሖም እዩ እሞ፤ 17ዘረባኦም ከዓ ኸም ዝበስብስ ቍስሊ ክላባዕ እዩ። ካብኣቶም ሄሜኔዎስን ፊሌጦስን እዮም፥ 18ንሳቶም ትንሳኤ ድሮ ኸም ዝኾነ እናበሉ ኻብ ሓቂ ዝተፈለዩ፥ እምነት ገሊኦም ሰባትውን ዘፍርሱ እዮም። 19እቲ ፅኑዕ መሰረት ኣቦና ግና ደው ኢሉ ኣሎ፤ ከምዙይ ኢሉ ተሓቲሙ፦ “ነቶም ናቱ ዝኾኑ ይፈልጦም፥” ከምኡውን “ስሙ ዝፅውዕ ኵሉ ካብ እከይ ይረሓቕ።”
20ኣብ ዓብዪ ገዛ፥ ናይ ወርቅን ብሩርን ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ናይ ዕንፀይቲ ከምኡውን ናይ መሬት ኣቕሑ እውን ኣለዉ፤ ገሊኡ ንኽብሪ፥ ገሊኡ ድማ ንሕስረት እዩ። 21እምበኣር ሓደ ሰብ ካብዝ ነገራት እዙይ ንርእሱ እንተ ኣንፅሀ፥ ንኽብሪ ዝኸውን ኣቕሓ፥ ቅዱስ፥ ንጐይታ ዝጠቅም፥ ንዅሉ ፅቡቕ ግብሪ ድማ ዝተዳለወ ይኸውን።
22ካብ ትምኒት ንእስነትካ ህደም፤ ምስቶም ካብ ንፁህ ልቢ ንጐይታ ዝፅውዑ ኾይንካ፥ ፅድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ስዓብ። 23ባእሲ ኸም ዝወልዱ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፥ ካብ ዓሻን ዘይምሁርን ክትዕ ርሓቕ። 24ባርያ ጐይታ ተባኣሳይ ክኸውን ኣይግብኦን፤ ንዅሉ ሕያዋይ፥ ክምህር ዝኽእል፥ ክፉእ ምስ ተገብሮ ዝዕገስ ደኣ ይኹን እምበር። 25ነቶም ዝቃወምዎ ብህድኣት እናገሰፀ፤ ምናልባሽ ኣቦና ንስሃ ሂቡ ሓቂ ኸም ዝፈልጡ ይገብሮም ይኸውን እዩ፥ 26ነቒሖም ድማ፥ ፍቓዱ ኽገብሩ ኻብቲ ተማሪኾም ዝሓዞም መፈንጠር ድያብሎስ የምልጡ ይኾኑ።