ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

መማለዲ ኣሎና

ዮሃንስ ኣንበብቱ ኸይሓጥኡ ኢሉ ይፅሕፍ፥ ንኢየሱስ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦ ከም መማለዲኦም የመልክት። ዝፈልጦ እየ እናበለ ንሓዉ ዝፀልእ ኵሉ፥ ገና ኣብ ፀልማት ኣሎ። ዓለም ትሓልፍ ኣላ፥ እቶም ዝተፈለዩ ኸዓ ንወልድ ብምኽሓዶም ባዕልቶም የርእዩ።

ምዕራፍ 2።

ኣቱም ፍቑራት ደቀይ፥ ከይትሓጥኡ ኢለ እዙይ እፅሕፈልኩም ኣለኹ። ሓደ እኳ ሓጢኣት እንተ ገበረ ግና፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦ መማለዲ ኣለና፤ ንሱ ኸዓ እቲ ፃድቕ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ቤዛ እዩ፤ ንሓጢኣትና ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንናይ ኵላ ዓለም ከዓ እዩ። a a v2 ኢየሱስ እቲ ንሓጢኣትና ዝኽድንን ንፍርዲ ዘርሕቕን መስዋእቲ እዩ፤ ንኣመንቲ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ምእንቲ ኵላ ዓለም ዝቐረበ እዩ። ትእዛዛቱ እንተ ሓሊና፥ ከም ዝፈለጥናዮ በዙይ ንፈልጥ ኢና። ትእዛዛቱ ከይሓለወ “እፈልጦ እየ” ዝብል ሰብ፥ ሓሳዊ እዩ፤ ሓቂ ድማ ኣብኡ የለን። ቃሉ ዝሕሉ ግና፥ ፍቕሪ ኣቦና ብሓቂ ኣብኡ ተፈፀመት። ኣብኡ ከም ዘለና በዙይ ንፈልጥ ኢና፦ ኣብኡ ከም ዝነብር ዝብል ሰብ፥ ከምቲ ንሱ ዝተመላለሶ ባዕሉ ድማ ክመላለስ ይግብኦ።

ኣቱም ፍቑራት፥ ነባር ትእዛዝ እምበር፥ ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኮንኩን ዝፅሕፈልኩም። እዝ ነባር ትእዛዝ እዙይ፥ ካብ መጀመርታ ዝነበረ እቲ ዝሰማዕኹምዎ ቃል እዩ። ከም ብሓድሽ ግና፥ ኣብኡ ኣባኻትኩምን ሓቂ ዝኾነ፥ ሓድሽ ትእዛዝ እፅሕፈልኩም ኣለኹ፤ ፀልማት ይሓልፍ ኣሎ እሞ፥ እቲ ናይ ብሓቂ ብርሃንውን ድሮ የብርህ ኣሎ። ኣብ ብርሃን ከም ዘሎ እናበለ፥ ንሓዉ ዝፀልኦ ሰብ፥ ክሳዕ ሕዚ ኣብ ፀልማት ኣሎ። ንሓዉ ዘፍቅር ኣብ ብርሃን ይነብር፤ ኣብኡ ድማ መዐንቀፊ የለን። ንሓዉ ዝፀልኦ ግና፥ ኣብ ፀልማት ኣሎ፤ ብፀልማትውን ይመላለስ ኣሎ፤ ናበይ ይኸይድ ከም ዘሎ ድማ ኣይፈልጥን፤ ፀልማት ንኣዒንቱ ኣዖሮ እዩ እሞ።

ኣቱም ደቀይ፥ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ስሙ ይቕረ ስለ ዝተበሃለልኩም፥ እፅሕፈልኩም ኣለኹ።

ኣቱም ኣቦታት፥ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዘሎ ስለ እትፈልጥዎ፥ እፅሕፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም መናእሰይ፥ ነቲ ክፉእ ስለ ዝሰዓርኩምዎ፥ እፅሕፈልኩም ኣለኹ።

ኣቱም ደቀይ፥ ንኣቦ ስለ እትፈልጥዎ፥ እፅሕፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ኣቦታት፥ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዘሎ ስለ እትፈልጥዎ፥ እፅሕፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም መናእሰይ፥ ብርቱዓት ስለ ዝኾንኩም፥ ቃል ኣቦናውን ኣባኻትኩም ስለ ዝነብር፥ ነቲ ክፉእ ከዓ ስለ ዝሰዓርኩምዎ፥ እፅሕፈልኩም ኣለኹ።

ንዓለም ኣይተፍቅሩ

ንዓለም ኮነ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይተፍቅሩ። ንዓለም ዘፍቅር እንተሃልዩ፥ ፍቕሪ ኣቦ ኣብኡ የለን። እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዅሉ፥ ትምኒት ስጋ፥ ትምኒት ኣዒንቲ፥ ትዕቢት ህይወት፥ ካብ ዓለም እምበር፥ ካብ ኣቦ ኣይኮነን። ዓለምን ትምኒታን ይሓልፍ ኣሎ፤ ፍቓድ ኣቦና ዝገብር ግና፥ ንዘለኣለም ይነብር።

ነቶም ንወልድ ዝኽሕዱ ተጠንቀቑ

ኣቱም ደቀይ፥ እዛ ናይ መወዳእታ ሰዓት እያ። ከምቲ ፀረ ክርስቶስ ከም ዝመፅእ ዝሰማዕኹምዎ፥ ሕዚ ድማ ብዙሓት ፀረ ክርስቶሳት መፂኦም ኣለዉ፤ እዛ ናይ መወዳእታ ሰዓት ከም ዝኾነት በዙይ ንፈልጥ ኢና። b b v18 ‘ፀረ ክርስቶስ’ ማለት፥ ‘ኣንፃር ክርስቶስ’ ወይ ‘ክንዲ ክርስቶስ’ ማለት እዩ። ዮሃንስ ከዓ ነዙይ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ዝኽሕድ ዅሉ ሰብ ኢሉ ይገልፆ (2፥22)፤ ድሮ ‘ብዙሓት’ መፂኦም እዮም፥ በቲ ‘መንፈስ ፀረ ክርስቶስ’ ተደሪኾም (4፥3)። ካባና ወፁ፥ ግና ካባና ኣይነበሩን፤ ካባና ዝነበሩ እንተ ዝኾኑ፥ ምሳና ምፀንሑ ነይሮም። ግና ዅላቶም ካባና ከም ዘይኮኑ ምእንቲ ክግለፅ፥ ወፁ። ንስኻትኩም ግና ካብቲ ቅዱስ መቕብኢ ኣለኩም፥ ኵላትኩምውን ሓቂ ትፈልጡ ኢኹም። ሓቂ ስለ ዝፈለጥኩም እምበር፥ ሓቂ ስለ ዘይፈለጥኩምዎ ኣይኮንኩን ዝፅሕፈልኩም፤ ካብ ሓቂ ዝወፅእ ሓሰት የለን እሞ። እቲ ሓሳዊ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ዝኽሕድ እንተ ዘይኮይኑ፥ መን እዩ? እዝ ኣቦን ወልድን ዝኽሕድ፥ ንሱ እቲ ፀረ ክርስቶስ እዩ። ንወልድ ዝኽሕድ ዅሉ፥ ኣቦ የብሉን። ንወልድ ዝእመን ግና፥ ኣቦ ድማ ኣለዎ።

ንስኻትኩም ግና፥ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኹምዎ ኣባኻትኩም ይንበር። እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኹምዎ ኣባኻትኩም እንተ ነበረ፥ ንስኻትኩምውን ኣብ ወልድን ኣብ ኣቦን ክትነብሩ ኢኹም። እታ ንሱ ባዕሉ ዝተስፈወና ተስፋ ኸዓ እዚኣ እያ፤ ንሳ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት እያ።

ብዛዕባ እቶም ከስሕቱኹም ዝፍትኑ፥ እዝ ነገር እዙይ እፅሕፈልኩም ኣለኹ። ንስኻትኩም ግና፥ እቲ ካብኡ ዝተቐበልኩምዎ መቕብኢ ኣባኻትኩም ይነብር ኣሎ፤ ዝምህረኩም ሰብ ከዓ ኣየድልየኩምን። እቲ መቕብኢኡ ብዛዕባ ዅሉ ነገር ይምህረኩም እዩ እሞ፥ ንሱ ሓቂ እዩ፥ ሓሰት ኣይኮነን፤ ከምቲ ዝመሃረኩም ድማ ኣብኡ ንበሩ።

ሕዚ ኸዓ፥ ኣቱም ደቀይ፥ ምስ ተገለፀ ትብዓት ምእንቲ ክህልወናን፥ ብምፅኣቱ ሓፊርና ካብኡ ምእንቲ ከይንርሕቕን፥ ኣብኡ ንበሩ። ፃድቕ ምዃኑ እንተ ፈሊጥኩም፥ ፅድቂ ዝገብር ዅሉ ኻብኡ ኸም ዝተወለደ ድማ ትፈልጡ ኢኹም።