ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

እቲ ዝተገለፀ ቃል ህይወት

መልእኽቲ ብዛዕባ ርግፀኝነት፦ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘሎካ ከመይ ከም እትፈልጥ፥ ብብርሃን ከመይ ከም እትመላለስ፥ ኣብ ፍቕሪ ኸዓ ከመይ ከም እትነብር።

ምዕራፍ 1።

እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፥ እቲ ዝሰማዕናዮ፥ እቲ ብኣዒንትና ዝረአናዮ፥ እቲ ዝተመልከትናዮን ብኣእዳውና ዝተንከፍናዮን፥ ብዛዕባ እቲ ቓል ህይወት ዝኾነ ኢየሱስ ኢና እነውጅ። a a v1 ዮሃንስ በቲ ባዕሉ ዝተንከፎን ዝሰምዖን ናብቲ ሰብ ብምምልካት እዩ ዝጅምር፤ እቲ ቓል ህይወት ሓሳብ ዘይኮነ፥ ሰብ፥ ኢየሱስ እዩ። እታ ህይወት ተገለፀት፤ ንሕና ድማ ረአና፤ ንምስክረላ ድማ ኣለና፤ ነታ ምስ ኣቦ ዝነበረትን ናባና ዝተገለፀትን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከዓ ነውጀልኩም ኣለና። እቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን፥ ንስኻትኩምውን ምሳና ዓሚቝ ሕብረት ምእንቲ ኽህልወኩም፥ ነውጀልኩም ኣለና፤ እቲ ዓሚቝ ሕብረትና ድማ ምስ ኣቦን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን እዩ። ሓጐስና ምሉእ ምእንቲ ኽኸውን ድማ፥ እዝ ነገራት እዙይ ንፅሕፍ ኣለና።

ብብርሃን ኣቦና ምኻድ

እዙይ እቲ ኻብኡ ዝሰማዕናዮን ንኣኻትኩም እንነግረኩምን እዩ፦ ኣቦና ብርሃን እዩ፤ ፈፂሙ ፀልማት ኣብኡ የለን። b b v5 እቲ ንፁህ ብርሃን ዝኾነ፥ ጥላም ፀልማት እውን ዘይብሉ እግዚኣብሄር፥ ኣቦና እዩ፤ እዙይ ከዓ እቲ ኢየሱስ ዝፀወሮ፥ መሰኻኽሩ ድማ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እዩ። ምስኡ ሕብረት ከም ዘለና እናበልና፥ ብፀልማት እንተ ኸድና፥ ንሕሱ ኣለና፤ ነቲ ሓቂ ድማ ኣይንገብርን ኢና። ንሱ ኣብ ብርሃን ከም ዘሎ፥ ንሕናውን ብብርሃን እንተ ኸድና ግና፥ ንሓድሕድና ሕብረት ኣለና፤ ደም ወዱ ኢየሱስ ከዓ ኻብ ኵሉ ሓጢኣት የንፅሀና። ሓጢኣት ከም ዘይብልና እንተ በልና፥ ንርእስና ነታልል ኣለና፤ ሓቂ ድማ ኣባና የለን። ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፥ ኣቦና ሓጢኣትና ይቕረ ኽብለልናን ካብ ኵሉ ዓመፅ ከዓ ኸንፅሀናን እሙንን ፃድቕን እዩ። ሓጢኣት ዘይገበርና እንተ በልና፥ ንእኡ ሓሳዊ ንገብሮ ኣለና፤ ቃሉ ድማ ኣባና የለን።