ውሉድ ኣቦና ተባሂልና ተፀዊዕና
ኣቦና ሕዚ ውሉዱ ኢሉ ይፅውዖም፥ እንታይ ክንከውን ምዃንና ግና ገና ኣይተገለፀን። ቃየል መጠንቀቕታ እዩ፦ ፅልኢ ድሮ ቕትለት እዩ። ፍቕሪ፥ ክርስቶስ ህይወቱ ምሃብ እዩ፥ ንዘድልዮ ሓውውን ኢድካ ምዝርጋሕ እዩ። ልቢ ምስ ዝኹንን፥ ኣቦና ይዓቢ።
3 1ውሉድ ኣቦና ክንብሃል፥ ኣቦና ከመይ ዝበለ ፍቕሪ ከም ዝሃበና ርኣዩ! ንሕናውን ውሉዱ ኢና። ንእኡ ስለ ዘይፈለጠቶ፥ ዓለም ንዓና ኣይትፈልጠናን እያ። a a v1 ፍቕሪ ኣቦና ረቂቕ ነገር ኣይኮነን፤ ውሉዱ ይገብረና፥ እዙይ ከዓ እቲ ናይ ብሓቂ መንነትና እዩ። 2ኣቱም ፍቑራተይ፥ ሕዚ ውሉድ ኣቦና ኢና፤ እንታይ ክንኸውን ምዃንና ግና ገና ኣይተገለፀን። ግና ንሱ ምስ ተገለፀ፥ ከምቲ ዘለዎ ኽንርእዮ ኢና እሞ፥ ከምኡ ኸም እንኸውን ንፈልጥ ኢና። 3እዝ ተስፋ እዙይ ብእኡ ዘለዎ ኵሉ ድማ፥ ከምቲ ንሱ ንፁህ ዝኾነ፥ ንርእሱ የንፅህ።
4ሓጢኣት ዝገብር ኵሉ፥ ኣበሳ ድማ ይገብር፤ ሓጢኣት ኣበሳ እዩ። 5ንሱ ሓጢኣትና ከርሕቕ ከም ዝተገለፀ ትፈልጡ ኢኹም፤ ኣብኡ ኸዓ ሓጢኣት የለን። 6ኣብኡ ዝነብር ኵሉ፥ ሓጢኣት ኣይገብርን፤ ሓጢኣት ዝገብር ኵሉ ግና፥ ኣይረአዮን፥ ኣይፈለጦንውን።
7ኣቱም ደቀይ፥ ሓደ እኳ ኣይተታልልኩም። ፅድቂ ዝገብር ኵሉ፥ ከምቲ ንሱ ፃድቕ ዝኾነ፥ ፃድቕ እዩ። 8ሓጢኣት ዝገብር ኵሉ ካብ ድያብሎስ እዩ፤ ድያብሎስ ካብ መጀመርታ ጀሚሩ ሓጢኣት ይገብር ኣሎ እሞ። ወዲ ኣቦና ዝተገለፀሉ ምኽንያት ከዓ፥ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኸፍርስ እዩ። 9ካብ ኣቦና ዝተወለደ ኵሉ ሓጢኣት ኣይገብርን፤ ዘርኡ ኣብኡ ይነብር እዩ እሞ። ካብ ኣቦና ስለ ዝተወለደ ድማ፥ ሓጢኣት ክገብር ኣይኽእልን። 10ውሉድ ኣቦናን ውሉድ ድያብሎስን መን ምዃኖም በዙይ ይግለፅ፦ ፅድቂ ዘይገብር ኵሉ ካብ ኣቦና ኣይኮነን፤ ንሓዉ ዘየፍቅርውን ከምኡ እዩ።
ከም ስድራ ቤት ንስንሳትኩም ተፋቐሩ
11እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኹምዎ መልእኽቲ እዙይ እዩ እሞ፦ ንስንሳትና ኽንፋቐር። 12ከምቲ ናይ እቲ እኩይ ዝነበረ፥ ንሓዉ ድማ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን። ስለ ምንታይከ ቐተሎ? ግብሩ ክፉእ፥ ናይ ሓዉ ግና ፃድቕ ስለ ዝነበረ እዩ። 13ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ዓለም እንተ ፀልኣትኩም ኣይትገረሙ። 14ንስንሳትና ነፍቅር ስለ ዘለና፥ ካብ ሞት ናብ ህይወት ከም ዝሓለፍና ንፈልጥ ኢና። ዘየፍቅር ኵሉ ኣብ ሞት ይነብር። 15ንሓዉ ዝፀልኦ ኵሉ ቀታሊ ሰብ እዩ፤ ዝኾነ ቐታሊ ሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይነብር ድማ ትፈልጡ ኢኹም።
16ፍቕሪ ብኸምዙይ ንፈልጥ፦ ክርስቶስ ህይወቱ ምእንታና ኣሕለፈ፤ ንሕናውን ህይወትና ምእንቲ ንስንሳትና ከነሕልፍ ይግብአና። 17ሃብቲ ዓለም ዘለዎ ሰብ ግና፥ ሓዉ ዘድልዮ ከሎ እናረአየ፥ ልቡ ኻብኡ እንተ ዓፀወ፥ ፍቕሪ ኣቦና ኣብኡ ከመይ ጌሩ ይነብር?
18ኣቱም ደቀይ፥ ብቓል ወይ ብዘረባ ዘይኮነስ፥ ብግብርን ብሓቅን ደኣ ንፋቐር። 19ካብ ሓቂ ምዃንና ብኸምዙይ ክንፈልጥ፥ ልብናውን ኣብ ቅድሚኡ ከነህድእ ኢና፥ 20ልብና ኣብ ዝዅንነና ዘበለ፤ ኣቦና ኻብ ልብና ዝዓቢ እዩ እሞ፥ ንዅሉ ነገርውን ይፈልጥ እዩ። 21ኣቱም ፍቑራተይ፥ ልብና እንተ ዘይኰነነና፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ትብዓት ኣለና፤ 22ትእዛዛቱ ስለ እንሕሉ፥ ነቲ ባህ ዘብሎ ድማ ስለ እንገብሮ፥ ዝለመናዮ ዅሉ ኻብኡ ንቕበል ኢና። 23ትእዛዙ ድማ እዙይ እዩ፦ ብስም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንኣምን፥ ከምቲ ዝኣዘዘና ኸዓ ንስንሳትና ኽንፋቐር። 24ትእዛዛቱ ዝሕሉ ኵሉ ኣብ ኣቦና ይነብር፥ ኣቦናውን ኣብኡ ይነብር። ኣባና ኸም ዝነብር ድማ፥ በቲ ዝሃበና መንፈስ ቅዱስ ንፈልጥ ኢና።