ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ንመናፍስቲ ምፍታን

መናፍስቲ ፈትኑ፤ ኢየሱስ ብስጋ ኸም ዝመፀ ዝእመኑ፥ ካብ ኣቦና እዮም። ኣቦና ፍቕሪ እዩ እሞ፥ ፍቕሪ ኻብኡ ትመፅእ፤ እዙይ ከዓ ወዱ ብምልኣኹ ተረጋጊፁ ኣሎ። ፍፅምቲ ፍቕሪ ንፍርሓት ተውፅኦ፥ ነቲ ዝረአዮ ሓዉ ዝፀልእ ኵሉ ኸዓ ንኣቦ የፍቅሮ እየ ክብል ኣይኽእልን።

ምዕራፍ 4።

ኦ ፍቁራት፥ ብዙሓት ነቢያት ሓሰት ናብ ዓለም ወፂኦም እዮም እሞ፥ ኵሉ መንፈስ ኣይትእመኑ፤ ነቶም መናፍስቲ ኻብ ኣቦና እንተ ኾይኖም ደኣ ፈትንዎም። መንፈስ ኣቦና በዙይ ትፈልጥዎ፦ ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመፀ ዝእመን ኵሉ መንፈስ ካብ ኣቦና እዩ፤ ንኢየሱስ ዘይእመን ኵሉ መንፈስ ከዓ ካብ ኣቦና ኣይኮነን። እዙይ እቲ ኽመፅእ ከም ዝሰማዕኹሞ መንፈስ ፅረ ክርስቶስ እዩ፤ ሕዚ ድማ ኣብ ዓለም ኣቐዲሙ ኣሎ። ኣቱም ንኣሽቱ ውሉድ፥ ንስኻትኩም ካብ ኣቦና ኢኹም፤ ንኣኣቶም ድማ ሰዓርኩምዎም፤ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ኻብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ይዓቢ እዩ እሞ። ንሳቶም ካብ ዓለም እዮም፤ ስለዙይ ካብ ዓለም ይዛረቡ፥ ዓለም ከዓ ትሰምዖም። ንሕና ካብ ኣቦና ኢና። እቲ ንእኡ ዝፈልጥ ይሰምዓና፤ እቲ ካብኡ ዘይኮነ ግና ኣይሰምዓናን። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ስሕተትን በዙይ ንፈልጦም።

ኣቦና ፍቕሪ እዩ

ኦ ፍቁራት፥ ፍቕሪ ካብ ኣቦና እያ እሞ፥ ንሓድሕድና ንፋቐር፤ ዘፍቅር ኵሉ ኸዓ ካብኡ ተወሊዱ ንእኡ ይፈልጦ። ዘየፍቅር ንኣቦና ኣይፈልጦን፤ ኣቦና ፍቕሪ እዩ እሞ። a a v8 “እግዚኣብሄር ፍቕሪ እዩ” ዝብል “ኣቦና ፍቕሪ እዩ” ይኸውን፤ ፍቕሪ ንሱ ዝኽደኖ ባህርይ ዘይኮነ፥ ከም ኣቦ ዘለዎ ባዕሉ መንነቱ እዩ። ፍቕሪ ኣቦና ኣባና ኸምዙይ ተገልፀ፦ ኣቦና ብእኡ ምእንቲ ኽንነብር ንሓደ ወዱ ናብ ዓለም ለኣኾ። ፍቕሪ እዚኣ እያ፦ ንሕና ንኣቦና ዘፍቀርናዮ ዘይኮነ፥ ንሱ ደኣ ኣፍቀረና እሞ ወዱ ምእንቲ ሓጢኣትና መተስተስሪ መስዋእቲ ጌሩ ለኣኾ እምበር። b b v10 መተስተስሪ መስዋእቲ ማለት ነቲ ሓጢኣት ምሉእ ዋጋኡ ዝኸፍል፥ ነቲ ብሓጢኣትና ዝተበተኸ ርክብ ዝመልስ መስዋእቲ እዩ። ኦ ፍቁራት፥ ኣቦና ኸምዙይ ገይሩ እንተ ኣፍቀረና፥ ንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብአና። ንኣቦና ዝረአዮ ሓደ እኳ የለን፤ ንሓድሕድና እንተ ኣፍቀርና ግና፥ ኣቦና ኣባና ይነብር፥ ፍቕሩ ኸዓ ኣባና ፍፅምቲ ትኸውን። በዙይ ኣብኡ ኸም እንነብር፥ ንሱውን ኣባና ኸም ዘሎን ንፈልጥ፤ ካብ መንፈሱ ሃበና እሞ። ኣቦና ንወልድ መድሕን ዓለም ክኸውን ከም ዝለኣኾ፥ ንሕና ረአና መስከርናውን። ኢየሱስ ወዲ ኣቦና ምዃኑ ዝእመን ኵሉ፥ ኣቦና ኣብኡ ይነብር፥ ንሱ ኸዓ ኣብ ኣቦና። ነታ ኣቦና ንኣና ዘለዎ ፍቕሪ ፈለጥናን ኣመናን። ኣቦና ፍቕሪ እዩ፤ ኣብ ፍቕሪ ዝነብር ዘበለ ድማ ኣብኡ ይነብር፥ ንሱውን ኣብኣቶም ይነብር። ብመዓልቲ ፍርዲ ትብዓት ምእንቲ ኽህልወና፥ ፍቕሪ ኣባና ኸምዙይ ፍፅምቲ ትኸውን፤ ከምቲ ንሱ ዘሎ፥ ንሕናውን ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኸምኡ ኢና እሞ። ኣብ ፍቕሪ ፍርሓት የለን፤ ፍፅምቲ ፍቕሪ ንፍርሓት ተውፅእ፤ ፍርሓት መቕፃዕቲ ኣለዎ እሞ፤ እቲ ዝፈርሕ ከዓ ኣብ ፍቕሪ ፍፁም ኣይኮነን። ኣቦና ኣቐዲሙ ስለ ዘፍቀረና፥ ንሕና ነፍቅር ኢና። ሓደ ሰብ “ንኣቦና የፍቅሮ እየ” እናበለ ንሓዉ እንተ ፀልኦ፥ ሓሳዊ እዩ። ነቲ ዝረአዮ ሓዉ ዘየፍቅር፥ ነቲ ዘይረአዮ ኣቦና ኸፍቅሮ ኣይኽእልን እዩ እሞ። ካብኡ ዝረኸብናዮ ትእዛዝ ድማ እዙይ እዩ፦ ንኣቦና ዘፍቅር ንሓዉውን ከፍቅሮ ኣለዎ።