ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ካብ ኣቦ ዝተወለደ፥ ንምስዓር ዝተወለደ

ኢየሱስ ወዲ ኣቦና ምዃኑ ምእማን እዩ ንዓለም ዝስዕር፥ ትእዛዛቱ ድማ ከቢድ ኣይኮነን። መንፈስን ማይን ደምን ኣብ ምስክርነቶም ይሰማምዑ። ምስክርነት ኣቦና፥ ኣብ ወዱ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝሃበና እዩ፥ ስለዙይ ነቲ ወልድ ዘለዎ ህይወት ኣለዎ።

ምዕራፍ 5።

ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ዝኣምን ኵሉ ካብ ኣቦና ተወሊዱ እዩ፤ ነቲ ዝወልድ ኣቦ ዘፍቅር ኵሉ ድማ፥ ነቲ ኻብኡ ዝተወለደ ውሉድ የፍቅሮ። ንኣቦና እንተ ኣፍቀርናን ትእዛዛቱ እንተ ገበርናን፥ ንውሉድ ኣቦና ኸም እነፍቅሮም በዙይ ንፈልጥ። ፍቕሪ ኣቦና ኸዓ፥ ትእዛዛቱ ምሕላው እዩ፤ ትእዛዛቱ ድማ ከቢድ ኣይኮነን። ካብ ኣቦና ዝተወለዱ ኵሎም ንዓለም ይስዕሩ። ንዓለም ዝሰዓረት ዓወት ከዓ፥ ናትና እምነት እያ። ኢየሱስ ወዲ ኣቦና ምዃኑ ብዝኣምን ብዘይ፥ ንዓለም ዝስዕር መን እዩ? ኢየሱስ ክርስቶስ ብማይ ከምኡውን ብደም መፀ፤ ብማይ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ብማይ ከምኡውን ብደም እዩ ዝመፀ። መንፈስ ቅዱስ ድማ ይምስክረሉ፤ መንፈስ ቅዱስ ሓቂ እዩ እሞ። ሰለስተ መሰኻኽር ኣለዉ እሞ፦ a a v7 ገለ ዳሕረዎት ቅዳሓት ነዛ ፍቕዲ እዚኣ ኣስፊሖም፥ ኣብ ሰማይ ኣቦን ቃልን መንፈስ ቅዱስን ይብሉ። እዚ ቃላት እዚ ኣብ ሓደ ቀዳማይ ናይ ግሪኽ ቅዳሕ እኳ ኣይርከብን፤ ካብቲ ዮሃንስ ዝፀሓፎ ኸዓ ኣይኮነን። መንፈስን ማይን ደምን እዮም፤ እዚኣቶም ሰለስቲኦም ድማ ይሰማምዑ።

ምስክርነት ሰብ እንተ ተቐቢልና፥ ምስክርነት ኣቦና ይዓቢ፤ ምስክርነት ኣቦና ከዓ፥ እቲ ብዛዕባ ወዱ ዝመስከሮ እዩ እሞ። እቲ ብወዲ ኣቦና ዝኣምን፥ ነዚ ምስክርነት ኣብ ውሽጡ ኣለዎ፤ እቲ ዘይኣምን ግና፥ ነቲ ኣቦና ብዛዕባ ወዱ ዝመስከሮ ምስክርነት ስለ ዘይኣመነ፥ ንእኡ ሓሳዊ ገይርዎ ኣሎ። እቲ ምስክርነት ከዓ፥ ኣቦና ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝሃበና እዩ፤ እዛ ህይወት እዚኣ ድማ ኣብ ወዱ እያ። እቲ ንወልድ ዘለዎ፥ ህይወት ኣለዎ፤ እቲ ንወዲ ኣቦና ዘይብሉ ግና፥ ህይወት የብሉን።

ትብዓት ኣብ ቅድሚ ኣቦ

ንስኻትኩም ብስም ወዲ ኣቦና እትኣምኑ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘለኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ እዚ ነገራት እዚ እፅሕፈልኩም ኣለኹ። እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎና ትብዓት ከዓ እዚ እዩ፦ ከም ፍቓዱ ዝኾነ ነገር እንተ ለመንና፥ ይሰምዓና እዩ። ዝለመናዮ ዅሉ ኸም ዝሰምዓና እንተ ፈሊጥና ኸዓ፥ ነቲ ኻብኡ ዝለመናዮ ኸም ዝረኸብና ንፈልጥ ኢና።

ሓደ ሰብ ንሓዉ፥ ናብ ሞት ዘየብፅሕ ሓጢኣት ክገብር እንተ ረአዮ፥ ይለምን፤ ኣቦና ድማ ህይወት ክህቦ እዩ፤ ነቶም ናብ ሞት ዘየብፅሕ ሓጢኣት ዝገብሩ። ናብ ሞት ዘብፅሕ ሓጢኣት ኣሎ፤ ብዛዕባ እዙይ ክልምን ኣይብልን እየ። ኵሉ ዓመፅ ሓጢኣት እዩ፤ ናብ ሞት ዘየብፅሕ ሓጢኣት ድማ ኣሎ።

ካብ ኣቦና ዝተወለደ ኵሉ ሓጢኣት ከም ዘይገብር፥ እቲ ካብ ኣቦና ዝተወለደ ግና ከም ዝሕልዎ፥ እቲ ክፉእ ድማ ክትንክኦ ከም ዘይኽእል ንፈልጥ ኢና። b b v18 ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ካብ ኣቦና ተወሊዱ እዩ፤ ኢየሱስ ድማ፥ በይኑ ካብ ኣቦና ዝተወለደ ኾይኑ፥ ካብቲ ክፉእ ይሕልዎም። ካብ ኣቦና ኸም ዝኾንና፥ ኵላ ዓለም ከዓ ኣብ ትሕቲ ስልጣን እቲ ክፉእ ከም ዘላ ንፈልጥ ኢና። ወዲ ኣቦና ኸም ዝመፀ፥ ነቲ ሓቀኛ ምእንቲ ኽንፈልጦ ድማ ምስትውዓል ከም ዝሃበና ንፈልጥ ኢና። ንሕና ኣብቲ ሓቀኛ፥ ኣብ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢና ዘለና። ንሱ ሓቀኛ እግዚኣብሄርን ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ። c c v20 መዕፀዊ ቃላት ዮሃንስ ንኢየሱስ ክርስቶስ “ሓቀኛ እግዚኣብሄርን ናይ ዘለኣለም ህይወትን” ኢሉ ይሰምዮ፤ እዚ ኸዓ፥ ወልድ ነቲ ናይ ኣቦ ባዕሉ ኣምላኻዊ ባህሪ ኸም ዝካፈሎ፥ ካብቲ ኣብ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ዘሎ ኣዚዩ ግሉፅ ኣዋጃት ሓደ እዩ።

ኣቱም ደቀይ፥ ካብ ጣዖታት ንባዕልኻትኩም ሓልዉ።