ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

መዐቀኒ ገመድ ዝሓዘ ሰብኣይ

ሓደ መዓቀኒ ንኢየሩሳሌም ክዓቅን ይብገስ፥ ከይዓቅን ከዓ ይንገር — እታ ኸተማ ካብ መንደቕ ሓሊፋ ክትሰፍሕ እያ እሞ። ኣቦና ባዕሉ ኣብ ዙርያኣ ቅፅሪ ሓዊ ክኸውን እዩ፥ ኣብ ውሽጣ ድማ ክብሪ ክኸውን እዩ፤ ብዙሓት ኣህዛብ ከዓ ናብኡ ክፅምበሩ ውሉዱ ድማ ክኾኑ እዮም።

ምዕራፍ 2።

ኣዒንተይ ቋሕ ኣቢለ ድማ፥ መዐቀኒ ገመድ ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ሰብኣይ ረአኹ። ኣነ ኸዓ “ናበይ ትኸይድ ኣለኻ?” ኢለ ሓተትክዎ። ንሱ ድማ “ክንደይ ከም ዝሰፍሕን ክንደይ ከም ዝነውሕን ክርኢ፥ ንኢየሩሳሌም ክዓቅን እየ” በለኒ።

እቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ወፀ፤ ካልእ መልኣኽ ከዓ ክረኽቦ መፀ፥ በሎ ኸዓ፦ “ጕየ፥ ነዝ መንእሰይ እዙይ ከምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ ‘ኢየሩሳሌም፥ ብብዝሒ እቶም ኣብኣ ዘለዉ ሰባትን እንስሳን፥ ከም ክፉት ዓዲ ክትሰፍር እያ።’

ኣነ ባዕለይ ኣብ ዙርያኣ ቅፅሪ ሓዊ ክኸውን እየ፥ ይብል ኣቦና፤ ኣብ ውሽጣ ድማ ክብሪ ክኸውን እየ።’”

“ንዑ! ንዑ! ካብ ምድሪ ሰሜን ህደሙ፥ ይብል ኣቦና፤ ከም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ በቲነኩም እየ እሞ፥ ይብል ኣቦና። ኣቲ ፅዮን! ንዒ፤ ኣቲ ምስ ጓል ባቢሎን እትነብሪ፥ ኣምልጢ።

ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ከምዙይ ይብል፦ ክብሩ ናብቶም ዝዘመቱኹም ኣህዛብ ድሕሪ ምልኣኹ፥ ዝነክአኩም ዘበለ፥ ብሌን ዓይኑ እዩ ዝነክአ፤

እንሆ፥ ኣብ ልዕሊኦም ኢደይ ከወዛውዝ እየ፥ ነቶም ዘገልገልዎም ከዓ ምርኮ ክኾኑ እዮም። ሽዑ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ከም ዝለኣኸኒ ክትፈልጡ ኢኹም።

ኣቲ ጓል ፅዮን፥ ዘምሪ ተሓጐሲ! እንሆ፥ ኣብ ማእኸልኪ ክነብር እመፅእ ኣለኹ፥ ይብል ኣቦና።

“በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ኣህዛብ ናብ ኣቦና ክፅምበሩ እዮም፥ ውሉደይ ድማ ክኾኑ እዮም። ኣብ ማእኸልኪ ክነብር እየ፥ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ናባኺ ከም ዝለኣኸኒ ድማ ክትፈልጢ ኢኺ። ኣቦና ድማ ንይሁዳ ኣብታ ቅድስቲ ምድሪ ኸም ግዱ ገይሩ ክወርሶ እዩ፤ ንኢየሩሳሌምውን መሊሱ ክሓርያ እዩ።

ኵሉ ስጋ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ስቕ ይበል፤ ካብ ቅዱስ ማሕደሩ ተበራቢሩ ኣሎ እሞ።”