እታ እትፅምእ ነፍሲ
ንመራሒ ዜማ። ናይ ደቂ ቆሬ መዝሙረ ጥበብ።
ካብ ቤተ መቕደስ ተነፂሉ፥ “ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ?” እናተባህለ እናተላገፀ፥ እቲ ዘማሪ ነቲ ክፅንበሮ ዘይከኣለ ናይ በዓል ህዝቢ እናመርሐ ዝነበረሉ ይዝክር። ንጐሃይ ነፍሱ ኽልተ ሳዕ ይሓትታ፥ በቲ ሓደ ኣገባብ ድማ ይምልሰላ፦ ብኣቦና ተስፋ ግበሪ፥ መሊሰ ከመስግኖ እየ።
42 1ከምቲ እራብ ናብ ወሓዝቲ ማያት ዝናፍቕ፥ ነፍሰይ ድማ ከምኡ ናባኻ ትናፍቕ ኣላ፥ ኦ ኣቦይ።
2ነፍሰይ ንኣቦይ፥ ንህያው ኣቦ ትፅምእ ኣላ። መዓስ ኮን መፂአ ኣብ ቅድሚኡ ክረአ? 3ንብዓተይ ለይትን መዓልትን ምግበይ ኮይኑ ኣሎ፥ ንዓይ ምሉእ መዓልቲ “ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ?” እናበሉ እንተለዉ።
4ነዝ ነገራት እዙይ እዝክሮ ኣለኹ፥ ነፍሰይ ድማ ኣፍስስ ኣለኹ፦ ከመይ ገይረ ምስ ብዙሕ ህዝቢ ናብ ቤት ኣቦና ሰልፊ ኣቢለ ይመርሖም ከም ዝነበርኩ፥ ብዕልልታ ሓጐስን ብመዝሙር ምስጋናን፥ ብዙሕ ህዝቢ እናኣበዐለ።
5ኦ ነፍሰይ፥ ስለ ምንታይ ጐሃኺ? ስለ ምንታይከ ኣባይ ትናወፂ? ብኣቦና ተስፋ ግበሪ፤ መሊሰ ከመስግኖ እየ እሞ፥ ንሱ ምድሓነይን ኣቦይን እዩ።
6ኦ ኣቦይ፥ ነፍሰይ ኣባይ ጐሂያ ኣላ፤ ስለዙይ ካብ ምድሪ ዮርዳኖስን ኣርሞንኤምን፥ ካብ እምባ ሚዛር እዝክረካ ኣለኹ።
7መዓሙቝ፥ በቲ ድምፂ ፈሳሲ ማይካ ናብ መዓሙቝ ይፅውዕ፤ ኵሉ ማዕበልካን ሞገድካን ብልዕለይ ሓለፈ። 8ብመዓልቲ ኣቦና ምሕረቱ ይእዝዝ፥ ብለይቲ ድማ መዝሙር ናቱ ምሳይ ኣሎ፥ ናብ ኣቦ ህይወተይ ፀሎት እዩ።
9ንኣቦይ ከውሐይ ከምዙይ እብሎ ኣለኹ፦ “ስለ ምንታይ ረሲዕካኒ? ስለ ምንታይከ ብሰሪ ጭቆና ፀላኢ እናሓዘንኩ እዞውር ኣለኹ?” 10ከም መዋቲ ቍስሊ ኣብ ኣዕፅምተይ፥ ፀላእተይ የፅርፉኒ ኣለዉ፥ ንዓይ ምሉእ መዓልቲ “ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ?” እናበሉ እንተለዉ።
11ኦ ነፍሰይ፥ ስለ ምንታይ ጐሃኺ? ስለ ምንታይከ ኣባይ ትናወፂ? ብኣቦና ተስፋ ግበሪ፤ መሊሰ ከመስግኖ እየ እሞ፥ ንሱ ምድሓነይን ኣቦይን እዩ።