ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦይ፥ ሓይለይ

ንመራሒ መዘምራን። ናይ ዳዊት ባርያ ኣቦና፥ ካብ ኵሎም ፀላእቱን ካብ ኢድ ሳኦልን ኣብ ዝደሓነሉ መዓልቲ፥ ነዝ ቃላት እዚ ንኣቦና ዝዘመረ።

ካብ ሳኦል ምስ ተናገፈ፥ ዳዊት ኵሉ ፃንታ ይነግር። ብገመድ ሞት ይጥሕል ነበረ፥ ኣውያቱ ኸዓ ንኣቦኡ ኣብ ክናፍ ንፋስ፥ ብትክን ብደንጐላ በረድን ካብ ሰማይ ኣውረዶ፥ ካብ ዓሚቝ ማይ ኣውፂኡ ኣብ በሪኽ ቦታ ኣቘሞ።

ምዕራፍ 18።

ኦ ኣቦይ፥ ሓይለይ፥ ኣፍቅረካ እየ። ኣቦይ ከውሐይን እምባይን መድሓኒየይን እዩ፤ ኣቦይ፥ ኣብኡ ዝዕቈቦ ከውሐይ፥ ዋልታይ፥ ሓይሊ ምድሓነይ፥ መዕቘቢየይ እዩ። ነቲ ምስጋና ዝግብኦ ኣቦይ እፅውዖ፥ ካብ ፀላእተይ ድማ እድሕን።

ገመድ ሞት ከበበኒ፤ ወሓይዝ ጥፍኣት ድማ ኣሸበረኒ። ገመድ ሲኦል ጠምጠመኒ፤ መፈንጠሪታት ሞት መፀኒ። ብመከራይ ንኣቦይ ፀዋዕክዎ፤ ናብ ኣቦይ ከዓ ረዲኤት ለመንኩ። ንሱ ኻብ መቕደሱ ድምፀይ ሰምዐ፥ ኣውያተይ ድማ ናብ ኣእዛኑ በፅሐ።

ሽዑ ምድሪ ተናወፀትን ተንቀጥቀጠትን፤ መሰረታት እምባታት ድማ ተናወፁን ተንቀጥቀጡን፤ ንሱ ስለ ዝተቘጥዐ እዩ። ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ወፀ፤ ካብ ኣፉ ድማ ዝባላዕ ሓዊ ወፀ፤ ፍሕሚውን ካብኡ ነደደ። ንሰማያት ኣድኒኑ ወረደ፤ ከቢድ ፀልማት ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ነበረ። ኣብ ኪሩቤል ተቐሚጡ በረረ፤ ብኽናፍ ንፋስ ከዓ ነፈረ። ንፀልማት መሸፈኒኡ፥ ኣብ ዙርያኡ ድማ መጋረጃኡ ገበሮ፤ ፀልማት ማያትን ከቢድ ደመና ሰማያትን ነበረ። ካብ ነፀብራቕ ገፁ ደመናኡ ሰንጠቐ፥ ምስ ደንጐላ በረድ ከምኡውን ጓህሪ ሓዊ። ኣቦይ ድማ ኣብ ሰማያት ኣንጐድጐደ፤ እቲ ልዑልውን ድምፁ ሃበ፥ ምስ ደንጐላ በረድ ከምኡውን ጓህሪ ሓዊ። ፍላፃታቱ ሰዲዱ በተኖም፤ መባርቕ ወርዊሩ ድማ ኣሸበሮም። ሽዑ መትረብ ባሕሪ ተራእየ፥ ካብ ተግሳፅካ መሰረታት ዓለምውን ተቐልዐ፥ ኦ ኣቦይ፥ ካብ ትንፋስ እስትንፋስ ኣፍንጫኻ።

ካብ ላዕሊ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዘኒ፤ ካብ ብዙሕ ማያት ድማ ሰሓበኒ። ካብ ብርቱዕ ፀላኢየይ ኣናገፈኒ፥ ካባይ ስለ ዝበርትዑ፥ ካብቶም ዝፀልኡኒ ኣናገፈኒ። ብመዓልቲ መከራይ መፁኒ፤ ኣቦይ ግና ደገፈይ ኮነ። ናብ ገፊሕ ቦታ ኣውፅአኒ፤ ፈትዩኒ እዩ እሞ ኣናገፈኒ።

ኣቦይ ከም ፅድቀይ ገበረለይ፤ ከም ንፅህና ኣእዳወይ ከዓ ፈደየኒ። ኣነ መንገዲ ኣቦይ ሓልየ እየ እሞ፥ ብኽፍኣት ከዓ ካብ ኣቦይ ኣይረሓቕኩን። ኵሉ ፍርዱ ኣብ ቅድመይ ነበረ፥ ስርዓታቱ ኸዓ ኣየግለስኩን። ኣብ ቅድሚኡ ፍፁም ነበርኩ፥ ርእሰይ ከዓ ካብ ኣበሳ ሓለኹ። ስለዙይ ኣቦይ ከም ፅድቀይ ፈደየኒ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኸም ንፅህና ኣእዳወይ።

ምስ እሙን እሙን ኴንካ ትርከብ፤ ምስ ፍፁም ከዓ ፍፁም ኴንካ ትርከብ፤ ምስ ንፁህ ንፁህ ኴንካ ትርከብ፤ ምስ ጠዋይ ግና ጠዋይ ኴንካ ትርከብ። ንስኻ ንትሑት ህዝቢ ተድሕን ኢኻ፤ ንዕቡያት ኣዒንቲ ግና ተዋርዶ። ንስኻ መብራህተይ እተብርህ ኢኻ፤ ኣቦይ ፀልማተይ የብርሃለይ። ብናትካ ኣብ ልዕሊ ጭፍራ እጐዪ እየ፤ ብኣቦይ ከዓ ንዕርዲ እዘሎ።

መንገዲ ኣቦይ ፍፁም እዩ፤ ቃል ኣቦይ ዝተፈተነ እዩ፤ ንሱ ንዅሎም እቶም ኣብኡ ዝዕቈቡ ዋልታ እዩ። ብዘይ ኣቦይ መን እዩ ኣቦና? ብዘይ ኣቦና መን እዩ ከውሒ? ኣቦይ እዩ ብሓይሊ ዝዕጥቐኒ፥ መንገደይ ከዓ ፍፁም ዝገብር። ንሱ ነኣእጋረይ ከም ኣእጋር እራብ ይገብረን፤ ኣብ በረኽቲ ቦታታት ከዓ ብድሕንነት የቑመኒ። ነእዳወይ ውግእ ይምህረን፤ ቐላፅመይ ከዓ ቐስቲ ነሃስ ክገትራ ይኽእላ። ዋልታ ምድሓንካ ሃብካኒ፤ የማናይ ኢድካ ይድግፈኒ፥ ተግሳፅካውን ኣዕበየኒ። ንስጕምተይ ገፊሕ ቦታ ኣብ ትሕተይ ትገብረሉ፤ ኣእጋረይ ከዓ ኣይሰናኸላን።

ንፀላእተይ ሰጒጐ ኣርከብኩዎም፤ ክሳዕ ዝውድኡ ድማ ንድሕሪት ኣይተመለስኩን። ክትስኡ ምእንቲ ከይኽእሉ ወቓዕኩዎም፤ ኣብ ትሕቲ ኣእጋረይ ከዓ ወደቑ። ንውግእ ብሓይሊ ዓጠቕካኒ፤ ነቶም ኣብ ልዕለይ ዝተልዓሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋረይ ኣውደቕካዮም። ዝባን ፀላእተይ ሃብካኒ፤ ነቶም ዝፀልኡኒ ከዓ ኣጥፋእኹዎም። ጨደሩ፥ ዘድሕን ግና ኣይነበረን፤ ናብ ኣቦይ ጨደሩ፥ ንሱ ግና ኣይመለሰሎምን። ከም ሓመድ ቅድሚ ንፋስ ደቒቐ ጠሓንኩዎም፤ ከም ጭቃ መንገዲ ኸዓ ኣፍሰስኩዎም። ካብ ክርክር ህዝቢ ኣናገፍካኒ፤ ርእሲ ኣህዛብ ጌርካ ሸምካኒ፤ ዘይፈለጥኩዎ ህዝቢ ድማ ይግዝአኒ። ብዛዕባይ ምስ ሰምዑ ቐልጢፎም ይእዘዙኒ፤ ደቂ ጓና ድማ እናጐበዱ ናባይ ይመፁ። ደቂ ጓና ልቦም ይመክኽ፤ ካብ ዕርድታቶም እናንቀጥቀጡ ይወፁ።

ኣቦይ ህያው እዩ! ከውሐይ ይባረኽ፤ እቲ ዘድሕነኒ ኣቦ ድማ ልዕል ልዕል ይበል፤ እቲ ፍትሒ ዝህበኒ፥ ንህዝብታት ድማ ኣብ ትሕተይ ዘግዝእ ኣቦ፥ ካብ ፀላእተይ ዘናገፈኒ ንሱ እዩ። እወ፥ ኣብ ልዕለይ ካብ ዝተልዓሉ ልዕል ኣበልካኒ፤ ካብ ገፋዒ ሰብውን ኣናገፍካኒ። ስለዙይ ኦ ኣቦይ! ኣብ ማእኸል ኣህዛብ አመስግነካ፤ ንስምካውን እዝምር ኣለኹ።

ንንጉሱ ዓበይቲ ምድሓን ዝህቦ ንሱ እዩ፤ ንዝቐብኦ ኸዓ ምሕረት ይገብረሉ፤ ንዳዊትን ንዘርኡን ንዘለኣለም።