ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ፀሎት ናይ ንፁህ ሰብ

ፀሎት ዳዊት።

ዳዊት ከም ንፁህ ሰብ ክስማዕ ይልምን፥ ልቡ ብለይቲ ተመርሚሩ፥ ኣእጋሩ ኸዓ ኣይተንሸራተታን። ብኣንበሳ ኣድብዩ ዝፅበ እናተሃደነ፥ ከም ብሌን ዓይኒ ክሕለው ይልምን፥ ንፀላእቱ ሓሊፉ ድማ ናብ ምርኣይ ገፅ ኣቦኡ ይጥምት።

ምዕራፍ 17።

ኦ ኣቦይ፥ ፅድቂ ስማዕ፤ ኣውያተይ ስማዕ፤ ካብ ተንኰል ነፃ ዝኾና ከናፍር ዝወፅእ ፀሎተይ ስማዕ። ፍርደይ ካብ ቅድሜኻ ይውፃእ፤ ኣዒንትኻ ነቲ ቅኑዕ ይረኣያ።

ንልበይ መርመርካ፤ ብለይቲ ፈተሽካኒ፤ ፈቲንካኒ ገለ እኳ ኣይተረኸበን፤ ኣፈይ ከይሓጥእ ብልበይ ሓሲበ ኣለኹ። ብዛዕባ ግብርታት ሰባት፥ ብቓል ከናፍርካ ካብ መንገዲ ገፋዕቲ ርእሰይ ሓለኹ። ስጕምተይ ኣብ መንገድኻ ፀንዐ፤ ኣእጋረይ ኣይተንሸራተታን።

ናባኻ እፅውዕ ኣለኹ፥ ኦ ኣቦይ፥ ንስኻ ኽትምልሰለይ ኢኻ እሞ፤ ፅን በለለይ፤ ቃላተይ ስማዕ። ተኣምራት ምሕረትካ ኣርኢ፥ ኣታ ነቶም ናባኻ ዝዕቘቡ ካብ ፀላእቶም ብየማነይቲ ኢድካ እተድሕን። ከም ብሌን ዓይንኻ ሓልወኒ፤ ኣብ ፅላሎት ኣኽናፍኻ ሕብኣኒ፥ ካብቶም ዝወግኡኒ ሓጥኣን፥ ካብቶም ዝኸቡኒ ናይ ሞት ፀላእተይ።

ድንዙዝ ልቦም ዓፀዉ፤ ኣፎም ብትዕቢት ይዛረቡ። ስዒቦም ሕዚ ኸበቡና፤ ናብ ምድሪ ክድርብዩና ኣዒንቶም ተኺሎም ኣለዉ። ንሱ ከም ኣንበሳ ግዳይ ክምንጥል ዝጠመየ፥ ከም ሽደን ኣንበሳ ኣድብዩ ዝፅበ እዩ።

ኦ ኣቦይ፥ ተስእ! ግጠሞ፥ ኣውድቖ! ንነፍሰይ ካብ ሓጥኣን ብሰይፍኻ ኣናግፍ፥ ኦ ኣቦይ፥ ብኢድካ ካብ ከምዙይ ዝበሉ ሰባት፥ ካብ ናይዛ ዓለም ሰባት፥ እቶም ዓስቦም ኣብዛ ህይወት እዚኣ ዘለዎም ኣናግፈኒ። ከብዶም በቲ ዝዓቖርካዮ ትመልኦ፤ ውሉዶም ይፀግቡ፥ ትርፊ ሃፍቶም ከዓ ንንኣሽቱ ደቆም ይሓድጉ።

ኣነ ግና ብፅድቂ ገፅካ ክርኢ እየ፤ ምስ ተበራበርኩ ድማ ብምስልኻ ክፀግብ እየ።