ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ሓልወኒ

ወርቃዊ መዝሙር ዳዊት።

ዳዊት ብዘይ ኣቦኡ ፅቡቕ የብሉን፥ መስዋእቲ መስተ ናይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኸዓ ከፍስስ ኣይደልን። ንወሰናቱ ፅቡቕ ቦታ፥ ንርስቱ ድማ ፅብቕቲ ኢሉ ይፅውዕ፥ ናብ መቓብር ከም ዘይሕደግ ድማ ይኣምን። መንገዲ ህይወት ብዝነብር ሓጐስ ይውዳእ።

ምዕራፍ 16።

ኦ ኣቦይ፥ ኣባኻ እዕቘብ እየ እሞ፥ ሓልወኒ።

ንኣቦይ ከምዙይ እብሎ ኣለኹ፦ ንስኻ ጐይታይ ኢኻ፤ ብዘይ ንስኻስ ፅቡቕ የብለይን። እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅዱሳንሲ፥ ኵሉ ባህታይ ዝረኽበሎም፥ እቶም ክቡራት እዮም። ስቓይ እቶም ደድሕሪ ኻልእ ኣምላኽ ዝጐዩ ክበዝሕ እዩ፤ መስዋእቲ መስተ ደሞም ኣይከፍስስን እየ፤ ስማቶም ከዓ ብኸናፍረይ ኣይፅውዕን እየ።

ኣቦይ እቲ ዝተመረፀ ግደይን ፅዋዐይን እዩ፤ ንስኻ ንዕፃይ ኣፅኒዕካ ትሕዞ ኢኻ። እቲ ወሰናት ኣብ ፅቡቕ ቦታ ወደቐለይ፤ እወ፥ ፅብቕቲ ርስቲ ኣላትኒ።

ነቲ ዝመኽረኒ ኣቦይ ክባርኾ እየ፤ ለይቲ እኳ ልበይ ይምህረኒ። ንኣቦይ ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ ኣንቢረዮ ኣለኹ፤ ንሱ ብየማነይ ስለ ዘሎ፥ ኣይናወፅን እየ።

ስለዙይ ልበይ ተሓጐሰ፥ ኵለንተናይ ከዓ ዕልል በለት፤ ስጋይውን ብደሓን ከዕርፍ እዩ። ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሓድጋን ኢኻ፤ ንቕዱስካ ድማ ኣብ መቓብር ክብስብስ ኣይትገድፎን ኢኻ። a a v10 ጴጥሮስ ኣብ በዓለ ሓምሳ (ግብሪ ሃዋርያት 2፡25-28)ን ጳውሎስን (ግብሪ ሃዋርያት 13፡35) ነዝ ቃላት እዚ ኣብ ኢየሱስ ኣውዓልዎ፤ እቲ ዳዊት ብኣቦና ዝነበሮ ትውክልቲ፥ ትንሳኤ ወልድ ካብ ሞት ኮነ፥ ስጋኡ ኸዓ ፈፂሙ ምብስባስ ኣይረኣየን። መንገዲ ህይወት ተርእየኒ ኣለኻ፤ ኣብ ቅድሜኻ ምልኣት ሓጐስ ኣሎ፤ ኣብ የማናይ ኢድካ ኸዓ ንዘለኣለም ደስታ ኣሎ።