ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣብ ቅድሚኡ ዝነብር መን እዩ?

መዝሙር ዳዊት።

ኣብ ኣፍ ደገ መቕደስ ዝተሓተ ሕቶ፦ ኣብ ቅዱስ እምባ ኣቦና መን ክነብር ይኽእል፥ ብልሙድ ባህርይ ተመሊሱ፦ ናይ ሓቂ ዘረባ፥ ሓሜት ዘይምንዛሕ፥ ንብፃይ ዘይምጉዳእ፥ ዝኸብድ እንተኾነ እኳ ዝተሓለወ ማሕላ፥ ጉቦ ዘይምቕባል። ከምዙይ ዝበለ ሰብ ከቶ ኣይናወፅን።

ምዕራፍ 15።

ኦ ኣቦ፥ ኣብ ድንኳንካ መን ክነብር ይኽእል? ኣብ ቅዱስ እምባኻ መን ክቕመጥ ይኽእል? እቲ ብፍፁምነት ዝመላለስ፥ ፅድቂ ዝገብር፥ ካብ ልቡ ድማ ሓቂ ዝዛረብ እዩ። ብልሳኑ ሓሜት ኣይነዝሕን፥ ንብፃዩ ክፉእ ኣይገብርን፥ ንፈታዊኡ ኸዓ ክፉእ ኣይዛረብን። ነቲ ፅዩፍ ሰብ ይንዕቕ፥ ነቶም ንኣቦና ዝፈርሑ ግና የኽብር፤ ዝመሓለ ማሕላ ዋላ እንተ ጎድኦ ይሕሉ እምበር ኣይልወጥን። ገንዘቡ ብሃረፃ ኣየለቅሕን፥ ኣብ ልዕሊ ንፁህ ከዓ ጉቦ ኣይቕበልን። እዝ ነገራት እዙይ ዝገብር ከቶ ኣይናወፅን እዩ።