ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ክሕደት እቲ ዓሻ

ንመራሒ ቅኔ። ናይ ዳዊት።

ናይ ዓሻ "ኣምላኽ የለን" ዝብል ኣበሃህላ ከም ግብራዊ እምበር ከም ንድፈ ሓሳባዊ ኣይተርኣየን። ኣቦና ነቲ የስተውዕል ዝብል ንምርካብ ንኵሉ ወዲ ሰብ ይምርምር፥ ሓደ እኳ ኸዓ ኣይረክብን። እቶም ንህዝቡ ዝበልዑ ብድንገት ፍርሓት ይረኽቡ፤ እቲ መዝሙር ምድሓን ካብ ፅዮን እናናፈቐ ይዕፀው።

ምዕራፍ 14።

እቲ ዓሻ ብልቡ፥ “ኣምላኽ የለን” ይብል። ተበላሽዮም፥ ግብሮም ድማ ዘፀይፍ እዩ፤ ሰናይ ዝገብር የለን።

ኣቦና መስተውዓሊ፥ ንእኡ ዝደሊ እንተሃለወ ኽርኢ፥ ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ጠመተ። ኵሎም ኣግሊሶም፤ ብሓደ ተበላሽዮም፤ ሰናይ ዝገብር የለን፥ ሓደ እኳ የለን።

እዞም ንህዝበይ ከም እንጀራ ዝበልዑ፥ ንኣቦናውን ከቶ ዘይፅውዑ ኵሎም ዓመፀኛታት፥ ገለ እኳዶ ኣይፈልጡን? እንሆ ኣብኡ ብብርቱዕ ፍርሓት ፈርሑ፥ ኣቦና ምስ ትውልዲ ፃድቃን ኣሎ እሞ። ኣቱም ዓመፀኛታት ንምኽሪ እቲ ድኻ ተሕፍሩ፥ ኣቦና ግና መዕቘቢኡ እዩ።

ወይ ምድሓን እስራኤል ካብ ፅዮን እንተ ዝወፅእ! ኣቦና ምርኮ ህዝቡ ምስ መለሰሎም፥ ያእቆብ ይተሓጐስ፥ እስራኤል ድማ ደስ ይበሎ።