ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ክሳዕ መኣዝ ኢኻ እትሕባእ?

ነቲ መራሕ ሙዚቃ። መዝሙር ዳዊት።

ዳዊት ኣርባዕተ ግዜ ክሳዕ መኣዝ ኢሉ ይሓትት፦ ክሳዕ መኣዝ ዝርሳዕ፥ ክሳዕ መኣዝ ዝሕባእ ካባይ፥ ክሳዕ መኣዝ ሓዘን ዝፆር፥ ክሳዕ መኣዝ ፀላኢ ኣብ ልዕለይ ዝዕወት። ኣብ ኵነታቱ ዝልወጥ የለን። እቲ መዝሙር ብዝኾነ ናብ ፍቕሪ ኣቦኡ ይጥምዘዝ፥ ብዛዕባ እቲ ዝተቐበሎ ሰናይ ድማ እናዘመረ ይዛዝም።

ምዕራፍ 13።

ኦ ኣቦ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ እትርስዓኒ? ንዘለኣለም ድዩ? ገፅካ ካባይ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ እትሰውር?

ክሳዕ መኣዝ ኢየ ምስ ሓሳበይ ዝቃለስ፥ ኣብ ልበይ ከዓ ምሉእ መዓልቲ ሓዘን ዝፆር? ፀላእየይ ክሳዕ መኣዝ እዩ ኣብ ልዕለይ ዝዕወት? ኦ ኣቦ፥ ጠምተኒ መልሰለይ ድማ፤ ንኣዒንተይ ኣብርሃለን፥ እንተ ዘይኮይኑ ናይ ሞት ድቃስ ክድቅስ እየ።

ፀላእየይ ከዓ “ስዒረዮ” ክብል እዩ፤ ተፃረርተይ ድማ ምስ ወደቕኩ ክሕጐሱ እዮም። ኣነ ግና ብምሕረትካ ተኣሚነ እየ፤ ልበይ ድማ ብምድሓንካ ክሕጐስ እዩ። ንኣቦ ክዝምረሉ እየ፥ ብዙሕ ሰናይ ገይሩለይ እዩ እሞ።