ሸውዓተ ሻዕ ዝተፀረየ ብሩር
ንመራሕ ዜማ፤ ብሰሚኒት፤ መዝሙር ዳዊት።
እሙናት ጠፊኦም፥ ኵሉ ሰብ ከዓ ብኽልተ ልቢ ይሽሕጥ። እቲ ዘማሪ ተጀሃርቲ ልሳናት ክቝረፃ ይልምን፥ መልሲ ኸዓ ይረክብ፦ ፅጉማት ስለ ዝግዕሩ፥ ኣቦና ክትስእ ከም ዝኾነ ይብል። ቃላቱ ሸውዓተ ሻዕ ዝተነፅሀ ብሩር እዩ።
ምዕራፍ 12።
12 1ኦ ኣቦና፥ ርድአኒ፤ እሙናት የለዉን እዮም እሞ፤ ፃድቃን ካብ ማእኸል ደቂ ሰብ ተሰወሩ። 2ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩ ሓሶት ይዛረቦ፤ ብከናፍር ሽሕጣን ብክልተ ልብን ይዛረቡ። 3ኣቦና ንዅለን ከናፍር ሽሕጣን ይቝረፅ፥ ንነፍሲ ወከፍ ብዓበይቲ ነገር እትምካሕ ልሳን ድማ ይቝረፅ፤ 4እቶም “ብልሳንና ክንስዕር ኢና፤ ከናፍርና ናትና እየን፤ ኣብ ልዕሌና ጐይታ መን እዩ?” ዝብሉ።
5“ድኻ ስለ ዝተዘምተ፥ ፅጉማት ስለ ዝግዕሩ፥ ሕዚ ክትስእ እየ” ይብል ኣቦና። “ነቲ ዝናፍቖ ናብ ድሕነት ከእትዎ እየ።”
6ቃላት ኣቦና ንፁህ ቃላት እዮም፥ ኣብ እቶን መሬት ዝተፀረየ፥ ሸውዓተ ሻዕ ዝነፅሀ ብሩር እዩ። 7ንስኻ ኦ ኣቦና፥ ንፅጉማት ብደሓን ክትሕልዎም ኢኻ፤ ካብዝ ወለዶ እዙይ ንዘለኣለም ክትሕልወና ኢኻ። 8ሓጥእ፥ ኣብ ማእኸል ደቂ ሰብ ሕስረት ልዕል ምስ በለ፥ ብዅሉ ወገን ይዘውር።