ኣብ ወሓይዝ ባቢሎን ምብካይ
እቶም ኣብ ወሓይዝ ባቢሎን ዘለዉ ምሩኻት፥ እቶም ዝማረኽዎም ካብ ዓዶም ሕጉስ መዝሙር ስለ ዝደልዩ፥ መሰንቆታቶም ሰቐሉ። ንኢየሩሳሌም ፈፂሞም ከም ዘይርስዕዋ ይምሕሉ፥ እቲ መዝሙር ድማ ኣብ ልዕሊ ኤዶምን ባቢሎንን ብዘይልስልስ ጨካን መርገም ይውዳእ።
137 1ኣብ ወሓይዝ ባቢሎን፥ ንፅዮን ምስ ዘከርናያ፥ ኣብኣ ተቐሚጥና በኸና። 2ኣብ ኣእዋም ኲሓ፥ ኣብኣ መሰንቆታትና ሰቐልና። 3ኣብኣ እቶም ዝማረኹና መዝሙር ሓተቱና፤ እቶም ዘጨንቑና ከዓ ሓጐስ እናደለዩ፥ “ካብ መዝሙራት ፅዮን ሓደ ዘምሩልና!” በሉና።
4መዝሙር ኣቦና ኣብ ምድሪ ጓና ኸመይ ኢልና ኽንዝምሮ ንኽእል? 5ኦ ኢየሩሳሌም፥ እንተ ረሳዕኩኺ፥ የማነይቲ ኢደይ ጥበብ ትረስዕ። 6ንኣኺ እንተ ዘይዘከርኩ፥ ንኢየሩሳሌም ካብ ዝለዓለ ሓጐሰይ ንላዕሊ እንተ ዘየቐደምኩዋ፥ ልሳነይ ምስ ትንሓገይ ይልገብ።
7ኦ ኣቦ፥ በታ ኢየሩሳሌም ዝወደቐትላ መዓልቲ ንኤዶማውያን ዘክሮም፤ “ኣፍርስዋ! ኣፍርስዋ! ክሳዕ መሰረታት ኣፍርስዋ!” ከም ዝበሉ ዘክር። 8ኦ ጓል ባቢሎን፥ ክትጠፍኢ ዝተፈረደኪ፥ ከምቲ ንስኺ ንዓና ዝገበርክዮ ዝፈድየኪ ብፁእ እዩ! 9ንናእሽቱ ደቅኺ ሒዙ ኣብ ከውሒ ዝዘብጦም ብፁእ እዩ! a a v9 ኢየሱስ ነቲ ፍትሒ ዝሓትት ኣውያት ናብ መስቀል ወሰዶ፥ “ኦ ኣቦ፥ ይቕረ በለሎም” እናበለ ፀለየ፤ ንህዝቡ ድማ ንፀላእቶም ክፈትዉ መሃሮም። እቲ ቅኑዕ ቍጥዐ እቶም ምሩኻት ናብ ኣቦና ይቐርብ፤ ንሱ በይኑ ጥራሕ ድማ ክምልሶ ይኽእል።