ምስጋና ዳዊት ብምሉእ ልቢ
ናይ ዳዊት።
ዳዊት ነቦኡ፥ በታ ዝፀወዓላ መዓልቲ ስለ ዝመለሰሉን ትብዓት ስለ ዝሃቦን የመስግን። እቲ ኣብ ማእኸል ዘሎ ምልከታ ምርጫ እዩ፦ ልዑል እኳ እንተኾነ፥ ንትሑታት ይርኢ፥ ንዕቡይ ድማ ብርሑቕ የርሕቖ። ዝጀመሮ ኣብ ህይወት ይፍፅም።
ምዕራፍ 138።
138 1ብምሉእ ልበይ አመስግነካ ኣለኹ፤ ኣብ ቅድሚ ኣማልኽቲ ምስጋናኻ እዝምር። 2ናብ ቅዱስ ቤተ መቕደስካ እሰግድ፥ ስለ ምሕረትካን ሓቅነትካን ድማ ንስምካ አመስግን፤ ንቓልካ ኻብ ኵሉ ስምካ ልዕል ኣበልካዮ እሞ። 3በታ ዝፀዋዕኩላ መዓልቲ መለስካለይ፤ ኣብ ነፍሰይ ሓይሊ ብምሃብ ኣትባዕካኒ።
4ኵሎም ነገስታት ምድሪ ኬመስግኑኻ እዮም፥ ኦ ኣቦይ፥ ቃላት ኣፍካ ሰሚዖም እዮም እሞ። 5ብዛዕባ መንገድታት ኣቦና ኪዝምሩ እዮም፥ ክብሪ ኣቦና ዓብዪ እዩ እሞ። 6ኣቦና ልዑል እኳ እንተኾነ፥ ንትሑታት ይርኢ፤ ንዕቡይ ግና ብርሑቕ ይፈልጦ።
7ኣብ ማእኸል መከራ እኳ እንተኸድኩ፥ ህይወተይ ትሕልወለይ ኢኻ፤ ኣብ ልዕሊ ቝጥዓ ፀላእተይ ኢድካ ትዝርግሕ፥ የማነይቲ ኢድካ ኸዓ ተድሕነኒ። 8ኣቦና ምእንታይ ዕላምኡ ኪፍፅም እዩ፤ ምሕረትካ፥ ኦ ኣቦይ፥ ንዘለኣለም እዩ። ነቲ ግብሪ ኣእዳውካ ኣይትሕደጎ።