ከሳሲ ደው ይበል
ንመራሕ ዜማ። ናይ ዳዊት መዝሙር።
ዝኽሰስ ዘሎ ሰብ ብነዊሕን ጨካንን መርገም ይምልስ ነቲ ንፍቕሩ ብፅልኢ ዝፈደዮ — ሹመቱ ኻልእ ይውሰዳ፥ ደቁ ደኽታማት ይኹኑ። ሽዑ ይሓድጎ፦ ኣነ ድኻን ፅጉምን እየ፤ ንሳቶም ይርገሙ፥ ኣቦይ ግና ይባርኽ።
109 1ኦ ኣቦ ውዳሴይ፥ ስቕ ኣይትበል፤ 2ኣፍ ረሲእን ኣፍ ጥልመትን ኣባይ ተኸፊቱ እዩ እሞ፤ ብልሳን ሓሶት ይዛረቡኒ ኣለዉ። 3ብቃላት ፅልኢ ከበቡኒ፤ ብኸንቱ ከዓ ይዋግኡኒ። 4ኣብ ክንዲ ፍቕረይ ይኸሱኒ፤ ኣነ ግና ፀሎት እገብር ኣለኹ። 5ኣብ ክንዲ ፅቡቕ ክፉእ፥ ኣብ ክንዲ ፍቕረይ ድማ ፅልኢ ፈደዩኒ።
6ኣብ ልዕሊኡ ረሲእ ሰብኣይ ሹመሉ፤ ከሳሲ ኸዓ ብየማኑ ደው ይበል። 7ምስ ዝፍረድ፥ በዳሊ ኾይኑ ይውፃእ፤ ፀሎቱ ኸዓ ሓጢኣት ይኹን። 8መዓልቲታት ዕድሚኡ ውሑዳት ይኹና፤ ሹመቱ ኸዓ ካልእ ይውሰዳ። a a v8 ጴጥሮስ፥ እቶም ሃዋርያት ኣብ ክንዲ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ንማትያስ ምስ ሓረዩ፥ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዛዕባኡ ተዛረበ — ግብሪ ሃዋርያት 1፥20። 9ደቁ ደኽታማት ይኹኑ፤ ሰበይቱ ኸዓ መበለት ትኹን። 10ደቁ ዀለል ኢሎም ይለምኑ፤ ካብ ዝዓነወ ኣባይቶም ከዓ ይስጐጉ። 11መለቅሒ ዘለዎ ዅሉ ይውሰዶ፤ ጓኖት ከዓ ፍረ ጻማኡ ይበዝብዙ። 12ምሕረት ዝዝርግሓሉ ኣይሃሉ፤ ንደኽታማት ደቁ ዝራህርሃሎም ከዓ ኣይሃሉ። 13ዘርኡ ይጥፋእ፤ ኣብ ዝስዕብ ትውልዲ ኸዓ ስሞም ይደምሰስ። 14በደል ኣቦታቱ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ይዘከር፤ ሓጢኣት እኖኡ ኸዓ ኣይደምሰስ። 15ሓጢኣቶም ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኵልሻዕ ይኹን፤ መዘከርታኦም ከዓ ካብ ምድሪ ምእንቲ ኸጥፍእ።
16ምሕረት ክገብር ኣይዘከረን እሞ፥ ነቶም ድኻታትን ፅጉማትን ልቦም ዝተሰብረን ሰጐጎም፤ ክቐትሎም ከዓ ደለየ። 17ንሱ መርገም ኣፍቀሮ፤ ናብኡ ይተመለስ። በረኸት ኣይፈተወን፤ ካብኡ ድማ ይርሓቕ። 18ከም ክዳኑ ጌሩ መርገም ተኸድነ፤ ከም ማይ ናብ ኣካላቱ፥ ከም ዘይቲ ኸዓ ናብ ኣዕፅምቱ ይእቶ። 19ከምቲ ዝከናነቦ ኽዳን፥ ከምቲ ኵልሻዕ ዝዕጠቆ ቅናት ይኹኖ። 20ንከሰስተይ ዓስቦም እዙይ ይኹን፤ ካብ ኣቦና፥ ነቶም ኣብ ነፍሰይ ክፉእ ዝዛረቡ።
21ንስኻ ግና፥ ኦ ጐይታ ኣቦ፥ ምእንቲ ስምካ ኢልካ ፅቡቕ ግበረለይ፤ ምሕረትካ ፅቡቕ እዩ እሞ፥ ኣናግፈኒ። 22ኣነ ድኻን ፅጉምን እየ እሞ፥ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተወጊኡ ኣሎ። 23ከም ፅላሎት ሓለፍኩ፤ ብምሸት፥ ከም ኣንበጣ ተነገፍኩ። 24ኣብራኸይ ካብ ፆም ዝተልዓለ ደኸሙ፤ ስጋይ ከዓ ዓበረን መንመነን። 25ንከሰስተይ መላገፂ ኾይነ፤ ምስ ረኣዩኒ ኸዓ ርእሶም ነቕነቑ።
26ረድኣኒ፥ ኦ ኣቦይ፤ ከም ምሕረትካ ኣድሕነኒ። 27እዙይ ኢድካ ምዃኑ ይፍለጡ፤ ንስኻ፥ ኦ ኣቦይ፥ ከም ዝገበርካዮ። 28ንሳቶም ይርገሙ፥ ንስኻ ግና ክትባርኽ ኢኻ። ምስ ተንስኡ ክሓፍሩ እዮም፥ ባርያኻ ግና ክሕጐስ እዩ። 29ከሰስተይ ውርደት ይከደኑ፤ ከም ካባ ጌሮም ከዓ ሕፍረቶም ይከናነቡ።
30ብኣፈይ ንኣቦና ብዙሕ ከመስግኖ እየ፤ ኣብ ማእኸል ብዙሓት ድማ ክውድሶ እየ። 31ንሱ ብየማን እቲ ፅጉም ደው ይብል እዩ እሞ፥ ካብቶም ንነፍሱ ዝዅንኑ ምእንቲ ኸድሕኖ።