ኣቦና ንልቢ ይምርምር
ኣባይቲ ኣብ ፅዕንቶ፦ ባእሲ ካብ ምዕዋት ምሕዳግ ይሓይሽ፥ ለባም ባርያ ነቲ ዜሕፍር ወዲ ይበልፆ፥ ደቂ ደቂ ኣኽሊል ሽማግለ እዮም። ተግሳፅ ኣብ ልቢ መስተውዓሊ ኻብ ሚእቲ መውቃዕቲ ኣብ ዓሻ ኣዝዩ ዓሚቑ ከም ዝኣቱ የስተብህል፥ ነቲ ዝፀንሕ ፈታዊ ድማ የኽብር።
17 1ካብ ባእሲ ዘለዎ፥ ድግስ ዝመልኦ ገዛ፥ ብሰላም ዝብላዕ ንቑፅ ቁራስ ይሓይሽ። 2ለባም ባርያ ነቲ ዜሕፍር ወዲ ክገዝኦ እዩ፤ ኣብ መንጎ እቶም ኣሕዋት ድማ ርስቲ ክማቐል እዩ። 3መቕለቢ ንብሩር፥ እቶን ከዓ ንወርቂ እዩ፤ ኣቦና ግና ንልቢ ይምርምር። 4ገባሪ እከይ ንኽፉእ ከናፍር ይሰምዕ፤ ሓሳዊ ድማ ንኣጥፋኢ ልሳን ይሰምዕ። 5እቲ ንድኻ ዘላግፀሉ፥ ንፈጣሪኡ የፀርፍ፤ እቲ ብመከራ ዝሕጐስ ድማ ብዘይ ቅፅዓት ኣይተርፍን እዩ። 6ደቂ ደቂ ናይ ሽማግለታት ኣኽሊሎም እዮም፤ ክብሪ ውሉድ ድማ ወለዶም እዮም። 7ንዓሻ ምልኩዕ ዘረባ ኣይግብኦን፤ ንመስፍን ድማ ሓሳዊ ከናፍር ኣዝዩ ኣይግብኦን። 8ጉቦ ነቲ ዝህቦ ሰብ ከም ሰሓሪ ዕንቊ ይመስል፤ ናብ ዝግበሶ ዅሉ ኸዓ ኽቐንዓሉ እዩ ኢሉ ይሓስብ። 9እቲ ንበደል ዝኽውል፥ ፍቕሪ ይደሊ፤ ደጋጊሙ ዜልዕሎ ግና፥ ንቀረባ ኣዕሩኽ የፈላሊ። 10ተግሳፅ ኣብ ልቢ መስተውዓሊ ሰብ፥ ካብ ሚእቲ መውቃዕቲ ኣብ ዓሻ ኣዝዩ ዓሚቑ ይኣቱ። 11ዓመፀኛ ሰብ ክፉእ ጥራሕ ይደሊ፥ ጨካን ልኡኽ ከዓ ናብኡ ክልኣኽ እዩ። 12ኰራኹራ ዝተመንዝዐት ድቢ ምርካብ፥ ካብ ኣብ ዕሽነቱ ዘሎ ዓሻ ይሓይሽ። 13ሓደ ሰብ ኣብ ክንዲ ፅቡቕ ክፉእ እንተ ፈደየ፥ ክፉእ ካብ ገዛኡ ከቶ ኣይፍለን። 14ባእሲ ምጅማር ግድብ ከም ምፍራስ እዩ እሞ፥ ክርክር ቅድሚ ምፍንጃሩ ሕደጎ። 15ነቲ ረሲእ ዘፅድቕ፥ ነቲ ፃድቕ ዝዅንን፥ ክልቲኦም ብማዕረ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ፅዩፋት እዮም። 16ዓሻ ልቢ ንምምሃር እናዘይብሉ፥ ጥበብ ንምግዛእ ኣብ ኢዱ ገንዘብ ስለ ምንታይ ይህልዎ? 17ፈታዊ ብዅሉ ጊዜ የፍቅር፤ ሓው ድማ ንጊዜ መከራ ይውለድ። 18ኣእምሮ ዝጐደሎ ሰብ ኢዱ ሂቡ ይውሕስ፤ ንብፃዩ ድማ ዋሕስ ይኸውን። 19እቲ በደል ዜፍቅር፥ ባእሲ የፍቅር፤ እቲ ደገኡ ልዒሉ ዝሰርሕ ድማ፥ ጥፍኣት ይደሊ። 20ጠዋይ ልቢ ፅቡቕ ኣይረክብን፤ ቀይናን ልሳን ዘለዎ ድማ፥ ኣብ መከራ ይወድቕ። 21ዓሻ ዝወለደ ሰብ፥ ንርእሱ ጓሂ የምፅእ፤ ኣቦ ረሲእ ዓሻ ድማ ሓጐስ የብሉን። 22ሕጉስ ልቢ ፅቡቕ መድሃኒት እዩ፤ ዝተሰብረ መንፈስ ግና ንዓፅሚ የድርቖ። 23ረሲእ ሰብ ጉቦ ብሕቡእ ይቕበል፥ መንገዲ ፍርዲ ንምቕናን። 24መስተውዓሊ ሰብ ጥበብ ኣብ ቅድሚኡ የንብር፥ ኣዒንቲ ዓሻ ግና ናብ ወሰናት ምድሪ ዀለል ይብላ። 25ዓሻ ወዲ ንኣቦኡ ጓሂ እዩ፤ ነታ ዝወለደቶ እኖ ድማ መረረ እዩ። 26ንፃድቕ ምቕፃዕ ፅቡቕ ኣይኮነን፥ ንመሳፍንቲውን ብቕንዕናኦም ምግራፍ ፅቡቕ ኣይኮነን። 27እቲ ቃላቱ ዝዓግት፥ ፍልጠት ኣለዎ፤ ህዱእ መንፈስ ዘለዎ ድማ፥ መስተውዓሊ ሰብ እዩ። 28ዓሻ እኳ ስቕ እንተ በለ፥ ከም ጥበበኛ ይቝፀር፤ ከናፍሩ ምስ ዓፀወ ድማ፥ መስተውዓሊ ይመስል።