እቲ ዮናስ ዝሃደሞ ፃውዒት
ሓደ ነቢይ ነቲ ንፀላእቲ እስራኤል ክሰብኽ ዝተፀውዐሉ ፃውዒት ኣቦ ይሃድም፤ ብዓብዪ ዓሳ ይውሓጥ፤ ብዘይ ፍቓዱ ኸዓ፥ ርህራሄ ኣቦና ኻብ ናቱ ኣዝዩ ገፊሕ ምዃኑ ይመሃር።
1 1ቃል ኣቦና ናብ ዮናስ ወዲ ኣሚታይ ከምዙይ ኢሉ መፀ፦
2“ተስእ፥ ናብታ ዓባይ ከተማ ነነዌ ኺድ፥ ኣብ ልዕሊኣ ድማ ኣእዊ፤ ክፍኣቶም ኣብ ቅድመይ ተልዒሉ እዩ እሞ።”
3ዮናስ ግና ካብ ቅድሚ ኣቦና ናብ ተርሴስ ክሃድም ተልዓለ። ናብ ኢዮጴ ወሪዱ ድማ ናብ ተርሴስ እትኸይድ መርከብ ረኸበ፤ ዋግኣ ከፊሉ ኸዓ ካብ ቅድሚ ኣቦና ምስኣቶም ናብ ተርሴስ ክኸይድ ናብታ መርከብ ደየበ።
4ሽዑ ኣቦና ናብ ባሕሪ ብርቱዕ ንፋስ ደርበየ፤ ብርቱዕ ማዕበል ድማ ተልዓለ፤ እታ መርከብ ከዓ ክትሰባበር ቀሪባ ነበረት። 5እቶም መርከበኛታት ፈርሑ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ናብ ኣምላኹ ኣእወየ፤ ነታ መርከብ ምእንቲ ኸቕልላ ኸዓ ፃዕነታ ናብ ባሕሪ ደርበዩ። ዮናስ ግና ናብ ውሽጢ እታ መርከብ ወሪዱ ነበረ፤ ኣብኡ ኸዓ ተጋዲሙ ደቂሱ ነበረ። 6እቲ ሓለቓ መርከብ ድማ መፂኡ፦ “ከመይ ኢልካ ትድቅስ ኣለኻ? ተስእ፥ ናብ ኣምላኽካ ፀውዕ! ምናልባሽ እቲ ኣምላኽ ይግደሰልና ይኸውን እሞ ኣይንጠፍእን” በሎ።
7እቶም ሰባት ድማ ንስንሳቶም “ንዑ፥ እዝ መከራ እዙይ ብሰሪ መን ከም ዝበፅሐና ምእንቲ ኽንፈልጥ፥ ዕፃ ነውድቕ” ተበሃሃሉ። ዕፃ ድማ ኣውደቑ፤ እታ ዕፃ ኸዓ ንዮናስ በፅሐት። 8ንእኡ ድማ “እዝ መከራ እዙይ ዘምፃእካልና ንስኻ፥ ስራሕኻ እንታይ ምዃኑ ንገረና? ካበይ ኢኻ እትመፅእ? ሃገርካ እንታይ እያ? ካብ ኣየናይ ህዝቢ ኢኻ?” በልዎ።
9ንሱ ኸዓ “ኣነ ዕብራዊ እየ፤ ነቲ ባሕርን ንቑፅ ምድርን ዝገበረ፥ ነቦና ናይ ሰማይ ኣቦ፥ እፈርሕ እየ” ኢሉ መለሰ።
10ሽዑ እቶም ሰባት የመና ፈርሑ እሞ “እንታይ ኢኻ ገይርካ?” በልዎ፤ ንሱ ነጊርዎም ነበረ እሞ፥ ካብ ቅድሚ ኣቦና ይሃድም ከም ዝነበረ ፈሊጦም ነበሩ።
11እቲ ባሕሪ እናበርትዐ ይኸይድ ስለ ዝነበረ ድማ “ባሕሪ ምእንቲ ኽህድኣልና እንታይ ንግበረካ?” በልዎ።
12ንሱ ኸዓ “ኣልዒልኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ፥ ባሕሪ ድማ ክህድኣልኩም እዩ፤ እዝ ብርቱዕ ማዕበል እዙይ ብሰረይ ከም ዝመፀኩም እፈልጥ ኣለኹ” በሎም።
13እቶም ሰባት ግና ናብ ምድሪ ክበፅሑ ብርቱዕ ቀዘፉ፤ ግና ኣይከኣሉን፤ እቲ ባሕሪ ኣብ ልዕሊኦም እናበርትዐ ይኸይድ ስለ ዝነበረ። 14ስለዙይ ናብ ኣቦና ኣእዊዮም፦ “ኦ እግዚኣብሄር፥ በይዛኻ፥ ብሰሪ ህይወት እዝ ሰብኣይ እዙይ ኣይተጥፍኣና፤ ንፁህ ደም ዘፍሰስና ጌርካ ኣይትቚፀረና፤ ንስኻ ከም ዝፈተኻ ገይርካ ኢኻ እሞ” በሉ። 15ሽዑ ንዮናስ ኣልዒሎም ናብ ባሕሪ ደርበይዎ፤ እቲ ዝበርትዐ ባሕሪ ኸዓ ሃደአ። 16ሽዑ እቶም ሰባት ንኣቦና የመና ፈርሕዎ፤ ንኣቦና መስዋእቲ ኣቕረቡ፤ መብፅዓታትውን ኣተዉ።
17ኣቦና ድማ ንዮናስ ዝውሕጦ ዓብዪ ዓሳ ኣዳለወ፤ ዮናስ ከዓ ኣብ ከብዲ እቲ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ፀንሐ።