ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ዮናስ ኣብ መዓሙቝ

ዮናስ ካብ ውሽጢ እቲ ዓሳ፥ ሳዕሪ ባሕሪ ኣብ ርእሱ ተጠቒሉ፥ ደጌታት ምድሪ ድማ ብድሕሪኡ ተዓፅዩ ከሎ፥ ከም ዝጠሓለ ሰብ ፀለየ፤ ንኣቦና ድማ ህይወቱ ኻብ ጕድጓድ ስለ ዘደየበሉ ኣመስገኖ። ነቲ ዝተመባፅዖ ኽፍፅም መባፅዐ፤ እቲ ዓሳ ኸዓ ናብ ነቑፅ ምድሪ ተፍኦ።

ምዕራፍ 2።

ሽዑ ዮናስ ካብ ውሽጢ እቲ ዓሳ ናብ ኣቦና ኸምዙይ ኢሉ ፀለየ፦ ብፀበባይ ናብ ኣቦይ ፀዋዕኹ፥ ንሱ ኸዓ መለሰለይ፤ ካብ ከብዲ ሲኦል ኣእዌኹ፥ ንስኻ ድማ ድምፀይ ሰማዕኻ። ናብ ዓሚቝ፥ ናብ ማእኸል ባሕሪ ደርበኻኒ፥ ወሓይዝ ከዓ ኸበበኒ፤ ኵሉ ማዕበልካን ሞገድካን ኣብ ልዕለይ ሓለፈ። ሽዑ ድማ ኸምዙይ በልኩ፦ ‘ካብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ተሰጒገ እየ፤ ግናኸ ናብ ቅዱስ ቤተ መቕደስካ መሊሰ ኽጥምት እየ።’ እቲ ማይ ክሳዕ ነፍሰይ ከበበኒ፤ እቲ መዓሙቝ ከበበኒ፤ ሳዕሪ ባሕሪ ኣብ ርእሰይ ተጠቕለለ። ናብ ሱር እምባታት ወረድኩ፤ እታ ምድሪ ድማ ደጌታታ ብድሕረይ ንዘለኣለም ዓፀወት። ግናኸ ንስኻ ህይወተይ ካብ ጕድጓድ ኣደይብካያ፥ ኦ ኣቦይ። ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ክትደክም እንተላ፥ ንኣቦይ ዘከርኩ፥ ፀሎተይ ድማ ናባኻ፥ ናብ ቅዱስ ቤተ መቕደስካ ደየበ። እቶም ናብ ከንቱ ጣዖታት ዝፅግዑ፥ ካብቲ ናታቶም ክኸውን ዝኽእል ፍቕሪ ርሒቖም ይኸዱ። ኣነ ግና ብድምፂ ምስጋና ናባኻ ክስውእ እየ፤ ነቲ ዝተመባፃዕክዎ ዅሉ መብፅዓ ድማ ክፍፅም እየ። ምድሓን ናይ ኣቦና እዩ!

ሽዑ ኣቦና ነቲ ዓሳ ተዛረቦ፥ ንሱ ኸዓ ንዮናስ ናብ ነቑፅ ምድሪ ተፍኦ።