ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ካልኣይ ዕድል

ቃል ኣቦና ኻልኣይ ጊዜ መፀ፥ ዮናስ ድማ ከደ፤ ናይ ሓደ መዓልቲ መገዲ ናብ ነነዌ ኣትዩ ኸዓ፥ ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ ኸም እትግልበጥ ኣወጀ። ብምሉኣ እታ ኸተማ ኣመነት፥ እቲ ንጉስ ካብ ዙፋኑ ተሲኡ ወጮን ሓሙዅሽትን ተኸድነ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኸም ዝተመለሱ ምስ ረአየ ኣየጥፍኦምን።

ምዕራፍ 3።

ሽዑ ቃል ኣቦና ካልኣይ ጊዜ ናብ ዮናስ መፀ፦

“ተስእ! ናብታ ዓባይ ከተማ ነነዌ ኺድ፤ ኣነ ዝህበካ መልእኽቲ ኸዓ ኣብኣ ኣውጅ።”

ዮናስ ድማ ከምቲ ኣቦና ዝበሎ፥ ተሲኡ ናብ ነነዌ ከደ። ነነዌ ድማ የመና ዓባይ ከተማ ነበረት፤ ንምሕላፋ ድማ ሰለስተ መዓልቲ የድሊ ነበረ። ዮናስ ድማ ናይ ሓደ መዓልቲ መገዲ ናብታ ከተማ ኣትዩ፥ “ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ ነነዌ ክትግልበጥ እያ!” ኢሉ ኣእወየ። a a v4 “ክትግልበጥ” ዝብል ቃል ብፍላጥ ክልተ ትርጉም ዘለዎ እዩ፦ ክጠፍእ ወይ ክቕየር ማለት ክኸውን ይኽእል፤ ነዝ ድማ እቲ ዝተረፈ ክፋል እዚ ምዕራፍ ዝፍፅሞ ስላቕ እዩ።

ሰብ ነነዌ ድማ ብእግዚኣብሄር ኣመኑ። ፆም ኣወጁ፤ ካብ ዓበይቶም ክሳዕ ኣናእሽቶም ድማ ወጮ ተኸደኑ።

እዝ ወረ እዙይ ናብ ንጉስ ነነዌ ምስ በፅሐ፥ ካብ ዙፋኑ ተሲኡ፥ ክዳኑ ኣውፂኡ፥ ወጮ ተኸዲኑ፥ ኣብ ሓሙዅሽቲ ተቐመጠ። ብትእዛዝ ንጉስን ክቡራትን ድማ ኣብ ነነዌ ኸምዙይ ኢሉ ኣወጀ፦ “ዝኾነ ሰብ ኮነ እንስሳ፥ ከፍቲ ኾነ ኣባጊዕ፥ ገለ እኳ ኣይጥዐሙ፤ ኣይውፈሩ ወይ ማይ ኣይስተ።” ሰብን እንስሳን ወጮ ይከደኑ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ብምሉእ ሓይሉ ናብ እግዚኣብሄር የእዊ። ነፍሲ ወከፍ ከዓ ካብ ክፉእ መገዱን ካብቲ ኣብ ኣእዳዉ ዘሎ ዓመፅን ይመለስ። መን ይፈልጥ? ምእንቲ ኸይንጠፍእ፥ እግዚኣብሄር ተመሊሱ ይናሳሕ፥ ካብ ነዳዲ ቝጥዓኡውን ይምለስ ይኸውን።

እግዚኣብሄር ግብርታቶም፥ ካብ ክፉእ መገዶም ከም ዝተመለሱ ምስ ረአየ፥ ካብቲ ኣብ ልዕሊኦም ከውርድ ዝበሎ መዓት ተናስሐ፤ ኣይገበሮንውን።