ኣቦ የጠንቅቕ፦ ካብ ኢየሩሳሌም ህደሙ
ኤርሚያስ እቲ ኸበባ እናቐረበ ይርኢ፥ መራሕቲ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ዘይፈወስዎ ቍስሊ “ሰላም” እናበሉ ይሰምዕ። ኣቦና ሓደ መውፅኢ ይህብ፦ ኣብ መንገድታት ደው በሉ፥ ነታ ጥንታዊት መንገዲ ሕተቱ፥ ብእኣ ኸዓ ኺዱ። እቲ ህዝቢ “ኣይንኸይድን” ኢሉ ይምልስ። ንሱ ድማ ዝተነፅገ ብሩር ይብሎም።
6 1“ኣቱም ደቂ ብንያም፥ ካብ ማእኸል ኢየሩሳሌም ንድሕንነትኩም ህደሙ! ኣብ ቴቁሔ መለኸት ንፍሑ፥ ኣብ ልዕሊ ቤት ሃኬሬም ድማ ምልክት ኣልዕሉ፤ ክፉእ ካብ ሰሜን ይመፅእ ኣሎ እሞ፥ ዓብዪ ጥፍኣት እዩ። 2እታ ፅብቕትን ልዝብትን ጓል ፅዮን ከጥፍኣ እየ። 3ጓሶት ምስ መጓሰኦም ናብኣ ክመፁ እዮም፤ ኣብ ዙርያኣ ድማ ድንኳናቶም ክተኽሉ፥ ነፍሲ ወከፍ ድማ ንገዛእ ክፋሉ ክጓሲ እዩ።”
4ኣንፃራ ንውግእ ተዳለዉ! ንዑ፥ ፍርቂ መዓልቲ ንወቕዓ! ወይለና ግና፥ መዓልቲ ትዓርብ ኣላ እያ እሞ፥ ናይ ምሸት ፅላሎትውን እናነውሐ ይኸይድ ኣሎ። 5ንዑ፥ ብለይቲ ንወቕዓ፥ ዕርድታታውን ነፍርስ!
6ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣእዋማ ቍረፁ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ድልድል ሓመድ ግበሩ። እዛ ኸተማ እዚኣ ክትቅፃዕ ኣለዋ፤ ኣብ ውሽጣ ግፍዒ እምበር ካልእ የለን። 7“ከምቲ ዒላ ማያ ሓድሽ ጌሩ ዝሕዝ፥ ንሳ ድማ ክፍኣታ ሓድሽ ጌራ ትሕዝ። ዓመፅን ጥፍኣትን ኣብ ውሽጣ ይስማዕ፤ ሕማምን ቍስልን ድማ ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ ኣለዉ። 8ኦ ኢየሩሳሌም፥ ተገሰፂ፥ እንተ ዘይኮነ ብፅያፍ ካባኺ ገፀይ ክመልሶ፥ ዑናውን ክገብረኪ እየ፥ ሰብ ዘይነብረላ ምድሪ ድማ።”
9ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ከምቲ ተኽሊ ወይኒ ፈፂሙ ዝቕረም፥ ንተረፍ እስራኤል ከምኡ ክቕርምዎ እዮም። ኢድካ ናብ ጨናፍር መሊስካ ኣሕልፋ፥ ከም ኣስካል ወይኒ ዝእክብ ሰብ።
10“ንመን ተዛሪበ ከጠንቅቕ፥ ምእንቲ ኽሰምዑ? እዝኖም ተዓፅዩ እዩ እሞ ክሰምዑ ኣይኽእሉን። ቃል ኣቦና ንኣኣቶም መፃረሪ እዩ፤ ባህ ኣይብሎምን።
11ኣነ ግና ብቍጥዓ ኣቦና ምሉእ እየ፤ ሒዘ ኽዕግቶ ደኺመ። ኣብ ኣደባባይ ኣብ ዘለዉ ቆልዑን ኣብ እተኣከቡ ኣጕባዝን ኣፍስሶ፤ ሰብኣይን ሰበይትን ክልቲኦም፥ ኣረጊት ኮነ ኣዝዩ ዝሸመገለ ክተሓዙ እዮም።” 12ኣባይቶም ናብ ካልኦት ክመሓላለፍ እዩ፥ ግራውቶምን ኣንስቶምን ብሓደ፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ኢደይ ክዝርግሕ እየ እሞ፥ ይብል ኣቦና። 13ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ፥ ኵሎም ረብሓ ዓመፃ ይስስዑ፤ ካብ ነቢይ ክሳዕ ካህን፥ ኵሎም ተንኰል ይገብሩ። 14ንቍስሊ ህዝበይ ከምዘይከበደ ጌሮም ይፍውስዎ። ‘ሰላም፥ ሰላም’ ይብሉ፥ ሰላም ግና የለን። 15በቲ ፅዩፍ ግብሮም ሓፈሩዶ? ኣይፋሉን፥ ፈፂሞም ኣይሓፈሩን፤ ክሓፍሩ እኳ ኣይፈለጡን። ስለዙይ ምስቶም ዝወደቑ ክወድቁ እዮም፤ ኣብ ዝቐፅዓሉ ጊዜ ክፅደፉ እዮም፥ ይብል ኣቦና።
16ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብ ቀራናታት መንገዲ ደው ኢልኩም ርኣዩ፤ ነቲ ናይ ጥንቲ መንገድታት ሕተቱ፤ እቲ ሰናይ መንገዲ ኣበይ ከም ዘሎ፥ ብእኡ ኸዓ ኺዱ፥ ንነፍስኹም ድማ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ንሳቶም ግና ‘ብእኡ ኣይንኸይድን’ በሉ። 17ኣብ ልዕሌኹም ሓለውቲ ሸሚመ፥ ‘ድምፂ መለኸት ስምዑ!’ ኢለ፤ ንሳቶም ግና ‘ኣይንሰምዕን’ በሉ። 18“ስለዙይ ኣቱም ኣህዛብ ስምዑ፤ ኣቱም መሰኻኽር፥ እቲ ዝበፅሖም ነገር ኣስተውዕሉ። 19ኣቲ ምድሪ ስምዒ፤ ኣብዝ ህዝቢ እዙይ መዓት ከምፅእ እየ፥ ንሱ ኸዓ ፍረ ምኽሮም እዩ፤ ንቓለይ ኣይሰምዑን እዮም እሞ፥ ንሕገይ ድማ ነፂጎምዎ። 20ካብ ሳባ ዝመፅእ ዕጣን፥ ወይ ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመፅእ ጥዑም ቓንጫ እንታይ ይጠቕመኒ? ዚሓርር መስዋእትኹም ቅቡል ኣይኮነን፤ መስዋእትኹም ባህ ኣይብለንን።”
21ስለዙይ ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብ ቅድሚ እዝ ህዝቢ እዙይ መዓንቀፊ ከንብር እየ። ኣቦታትን ደቅን ብሓባር ብእኡ ክዕንቀፉ እዮም፤ ጐረባብትን ኣዕሩኽን ድማ ክጠፍኡ እዮም።
22ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ካብ ምድሪ ሰሜን ሰራዊት ይመፅእ ኣሎ፤ ዓብዪ ህዝቢ ኸዓ ካብ ወሰን ምድሪ ይለዓል ኣሎ። 23ቀስትን ኵናትን ሒዞም ኣለዉ፤ ጨካናት እዮም፥ ምሕረት ድማ የብሎምን። ድምፆም ከም ባሕሪ ይጓዝም፤ ብፈረስ እናተፀዓኑ፥ ኣቲ ጓል ፅዮን፥ ንውግእ ተሰሊፎም ኪወግኡኺ ኣለዉ።
24ወሬኦም ሰሚዕና ኣለና፥ ኣእዳውናውን ላሕ በሉ፤ ጭንቀት ሓዘና፥ ከምቲ ናይ እትሓርስ ሰበይቲ ቃንዛ ኸዓ ሓዘና። 25ናብ ግራት ኣይትውፁ፤ ብመንገዲ ድማ ኣይትኺዱ፤ ነቲ ፀላኢ ሰይፊ ኣለዎ እሞ፥ ፍርሓት ድማ ብዅሉ ወገን ኣሎ። 26ኣቲ ጓል ህዝበይ፥ ክዳን ሓዘን ተኸደኒ፥ ኣብ ሓሙዅሽቲ ድማ ተንከባለሊ፤ ብመሪር ዋይ ዋይታ ከምቲ ናይ ሓደ ወዲ ሓዘኒ፤ እቲ መጥፍኢ ብድንገት ናባና ክመፅእ እዩ እሞ።
27“ኣብ ማእኸል ህዝበይ ፈታኒ ማዕድን ገይረካ ኣለኹ፥ መንገዶም ምእንቲ ኽትዕዘብን ክትፍትንን። 28ኵሎም ተሪር ዓመፀኛታት እዮም፤ ሓሜት እናነዝሑ ይዞሩ ኣለዉ፤ ነሃስን ሓፂንን እዮም፤ ኵሎም ተበላሺዮም እዮም። 29እቲ ፍዂሎ ብሓይሊ ይነፍሕ፤ ነቲ ዓረር ብሓዊ ምእንቲ ኸንድዶ፤ ምፅራዩ ግና ከንቱ እዩ፤ እቶም ክፉኣት ኣይተወገዱን። 30ዝተነፅገ ብሩር ተባሂሎም ይፅውዑ ኣለዉ፥ ኣቦና ነፂጉዎም እዩ እሞ።”