ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኦ ጓል ባቢሎን፥ ውረዲ

ባቢሎን ካብ ዙፋና ክትወርድ፥ መጥሓን ባርያ ኣልዒላ ክትጥሕን፥ ኣብ ሓመድ ድማ ክትቕመጥ ይብልዋ። ኣቦና ንእስራኤል ንምቕፃዕ ተጠቒሙላ፥ ንሳ ግና ንሽማግለታት እኳ ምሕረት ኣይገበረትን፥ ‘ዝርእየኒ የለን’ ኢላ ድማ ንነፍሳ በለት። እቶም ንኸዋኽብቲ ዝጥምቱ ኸም ሓሰር ይነዱ፥ ዘናግፋ ድማ የለን።

ምዕራፍ 47።

“ውረዲ፥ ኣብ ሓመድ ተቐመጢ፥ ኦ ድንግል ጓል ባቢሎን፤ ዙፋን ኣብ ዘይብሉ ምድሪ ተቐመጢ፥ ኦ ጓል ከለዳውያን። ድሕሪ ሕዚ ርህርህትን ልምልምትን ኢሎም ኣይክፅውዑኺን እዮም።

“መጥሓን ወሲድኪ ሓርጭ ጥሓኒ፤ ጉልባብኪ ኣልግሲ፥ ክዳንኪ ቀንጢጢ፥ ኣእጋርኪ ቅለዒ፥ ሩባታት ተሳገሪ። ሕፍረትኪ ክቕላዕ እዩ፥ ነውርኺ ከዓ ክረአ እዩ። ፍትሒ ከምፅእ እየ፥ ንሓደ እኳ ኣይናሕስየሉን እየ።”

ተበጃዊና፦ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ስሙ እዩ፤ ቅዱስ እስራኤል፥ ኣቦና እዩ።

ስቕ ኢልኪ ተቐመጢ፥ ናብ ፀልማት ድማ እተዊ፥ ኦ ጓል ባቢሎናውያን፤ ድሕሪ ሕዚ ንግስቲ መንግስታት ተባሂልኪ ኣይክትፅውዒን ኢኺ እሞ። ኣብ ደቀይ ተቖጣዕኹ፤ ንርስተይ ኣርኪሰ ናብ ኢድኪ ድማ ኣሕሊፈ ሃብክዎም። ንስኺ ምሕረት ኣይገበርክሎምን፤ ኣብ ልዕሊ ሽማግለታት እኳ ኣዝዩ ኸቢድ ኣርዑት ኣንበርኪ። ንስኺ፥ “ንዘለኣለም ንግስቲ ክኸውን እየ” በልኪ፤ ስለዙይ ነዝ ነገራት እዚኣቶም ኣብ ልብኺ ኣየንበርክዮን፥ መወዳእታኡ ከመይ ከም ዝኸውን ድማ ኣይዘከርክን።

እምበኣር፥ ሕዚ እዙይ ስምዒ፥ ኦ ተድላ እተፍቅሪ፥ ብህድኣት እትቕመጢ፥ ብልባ፥ “ኣነ እየ፥ ብዘይ ካባይ ድማ ካልእ የለን፤ ከም መበለት ኮይነ ኸቶ ኣይክቕመጥን እየ፥ ምጥፋእ ደቀይ ድማ ኣይፈልጥን እየ” እትብል። እዘን ክልቲአን ነገራት እዚኣተን ግና ብሓንቲ ቕፅበት፥ ብሓንቲ መዓልቲ ክመፅኣኺ እየን፦ ምጥፋእ ደቅን መበለትነትን። ብዙሕ ጥንቈላኺን ዓብዪ ሓይሊ ድግምትኺን እንተሃለወ፥ ምሉእ ብምሉእ ክመፅኣኺ እየን።

ብእከይኪ ተኣመንኪ፤ “ዝርእየኒ የለን” በልኪ። ጥበብኪን ፍልጠትኪን ኣስሓታኺ፥ ስለዙይ፥ “ኣነ በይነይ እየ፥ ብዘይ ካባይ ድማ ካልእ የለን” ሓሰብኪ። ስለዙይ ከተርሕቕዮ ዘይትፈልጢ መዓት ናባኺ ክመፅእ እዩ፤ ክትከላኸልዮ ዘይትኽእሊ ሓደጋ ከዓ ናባኺ ክወድቕ እዩ፤ ዕንወት ድማ ብዘይ ትፈልጥዮ ብድንገት ናባኺ ክመፅእ እዩ።

እምበኣር፥ ብድግምትኺን ብብዙሕ ጥንቈላኺን፥ በቲ ኻብ ንእስነትኺ ጀሚርኪ ዝሰራሕክዮ ቀፅሊ። ምናልባሽ ትዕወቲ ትኾኒ፤ ምናልባሽ ራዕዲ ተምፅኢ ትኾኒ። ብብዝሒ ምኽርታትኪ ደኺምኪ ኢኺ። እቶም ሰማያት ዝዕቅኑ፥ ንኸዋኽብቲ ዝጥምቱ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዝመፅኣኪ ዝንብዩ፥ ይተስኡ እሞ የድሕኑኺ። እንሆ፥ ከም ሓሰር እዮም፤ ሓዊ የንድዶም። ካብ ሓይሊ ሃልሃልታ ንነፍሶም ከድሕኑ ኣይኽእሉን። እዚኣቶም ዝሰሓኑሉ ፍሕሚ ኣይኮኑን፥ ኣብ ጥቓኡ ዝቕመጡ ሓዊ ድማ ኣይኮኑን። ንኣኺ ከምዙይ እዮም እዚኣቶም፤ እቶም ካብ ንእስነትኺ ጀሚርኪ ዝሰራሕክሎምን ዝተነገድክሎምን። ነፍሲ ወከፍ ናብ መንገዱ ይኸይድ፤ ዘድሕነኪ ሓደ እኳ የለን።