ምሕረት ንያእቆብ
ኣቦና ዕረፍቲ ምስ ሃቦም፥ እስራኤል ኣብ ልዕሊ እቲ ዝወደቐ ገፋዒ መፅረፊ የልዕል፦ ምድሪ ህድእ ኢላ፥ እቶም ጽሕድታት እኳ ዓረፉ። እቲ ልዕሊ ኮዀብቲ ክድይብ እየ ዝበለ፥ ኣብ ማእኸል ሓሰኻ በጥ ኢሉ፥ መቓብር ተነፈጎ። ሽዑ ፍልስጥኤም ከይትሕጐስ ተመዓደት።
14 1ኣቦና ንያእቆብ ክርህርሀሉ እዩ፤ መሊሱ ንእስራኤል ክሓርዮም፥ ኣብ ገዛእ ምድሮም ከዓ ከቐምጦም እዩ። እቲ ጓና ድማ ክሕወሶም፥ ምስ ቤት ያእቆብ ከዓ ክለግብ እዩ። 2ኣህዛብ ክወስድዎም፥ ናብ ቦታኦም ከዓ ከምፅእዎም እዮም፤ ቤት እስራኤል ድማ ኣብ ምድሪ ኣቦና ንዓኣቶም ከም ኣገልገልትን ግዝእትን ገይሮም ክወርስዎም እዮም። ነቶም ዝማረኽዎም ክማርኽዎም፥ ኣብ ልዕሊ ገፋዕቶም ከዓ ክገዝኡ እዮም።
3ኣቦና ካብ ስቓይኩምን ካብ ሽበራኹምን ካብቲ እተገደድኩምዎ ኸቢድ ባርነትን ዕረፍቲ ዝህበኩም መዓልቲ፥ 4ነዝ መፅረፊ እዙይ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ባቢሎን ክተልዕልዎ ኢኹም፦ እቲ ገፋዒ ኸመይ ኢሉ ተቛረፀ! ቍጥዓኡ ኸዓ ኸመይ ኢሉ ተቛረፀ! 5ኣቦና ንበትሪ እቶም ረሲኣን፥ ንበትሪ መንግስቲ እቶም ገዛእቲ ሰበረ፤ 6እቲ ንኣህዛብ ብኵራ ብዘየቋርፅ ዝወቕዐ፥ ንኣህዛብ ብቝጥዓ ብዘየቋርፅ ምስጓጕ ዝገዝእ፥ 7ኵላ ምድሪ ዓሪፋ ህድእ ኢላ ኣላ፤ ሰባት ድማ ብዝማረ ዓው ኢሎም ዘመሩ። 8እቶም ጽሕድታት እኳ ብኣኻ ይሕጎሱ፥ ኣእዋም ሊባኖስ ድማ፦ “ካብ ዝወደቕካ ኣትሒዝካ፥ ናባና ዝድይብ ቈራፂ ኦም የለን” ይብሉ ኣለዉ። 9እቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሲኦል፥ ክትመፅእ እንተለኻ ኽቕበለካ ተበራበረ፤ ንመናፍስቲ፥ ነቶም መራሕቲ ምድሪ ዝነበሩ ዅሎም፥ ክቕበሉኻ የበራብሮም፤ ንዅሎም እቶም ነገስታት ኣህዛብ ዝነበሩ ኸዓ፥ ካብ ዙፋናቶም የተስኦም። 10ኵሎም መሊሶም ከምዙይ ክብሉኻ እዮም፦ “ንስኻውን ከማና ደኺምካ ኢኻ! ንስኻውን ከማና ኴንካ ኢኻ! 11ግርማኻ ምስ ሙዚቃ በገናታትካ ናብ ሲኦል ወረደ፤ ኣብ ትሕቴኻ ሓሰኻ ኸም ዓራት ተነፅፈልካ፥ ሓሰኻ ድማ መኸደኒኻ እዩ።” 12ካብ ሰማይ ኸመይ ኢልካ ወደቕካ፥ ኣታ ኮኸብ ጽባሕ፥ ወዲ ወጋሕታ! ኣታ ነህዛብ ዘውደቕካ፥ ናብ ምድሪ ኸመይ ኢልካ ተቘረፅካ! a a v12 እቲ ዝወደቐ ኮኸብ ጽባሕ፥ ንኣቦና ፈሊጥዎ ነፀጎ፤ ከምቲ ኣቦና ዝፈጠሮ ፍጡር ኮይኑ ነቲ ናቱ ቦታ ኣብ ክንዲ ዝቕበል፥ ቦታ ኣቦና ክወስድ ፈተነ። 13ንስኻ ብልብኻ ከምዙይ በልካ፦ “ናብ ሰማይ ክድይብ እየ፤ ዙፋነይ ልዕሊ ኮዀብቲ እግዚኣብሄር ከልዕል እየ፤ ኣብ እምባ ጉባኤ፥ ኣብ ወሰናት ሰሜን ክቕመጥ እየ። 14ልዕሊ በሪኽ ደመናታት ክድይብ እየ፤ ንርእሰይ ከምቲ ልዑል ክገብር እየ።” 15ንስኻ ግና ናብ ሲኦል፥ ናብ ወሰናት ጕድጓድ ወረድካ። 16እቶም ዝርእዩኻ ናባኻ ኣንቃዕሪሮም እናጠመቱ ተገሪሞም ከምዙይ ይብሉ፦ “ነታ ምድሪ ዘንቀጥቀጣ፥ ንመንግስታት ዘናወፀ፥ 17ንዓለም ከም በረኻ ዝገበራ፥ ከተማታታ ዘፍረሰ፥ ነቶም ምሩኻቱ ናብ ገዝኦም ክምለሱ ዘይሓደገ ሰብኣይ እዙይ ድዩ?” 18ኵሎም ነገስታት ኣህዛብ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ መቓብሩ፥ ብኽብሪ ይድቅሱ ኣለዉ፤ 19ንስኻ ግና ካብ መቓብርካ ርሒቕካ፥ ከም ፅዩፍ ጨንፈር ተደርቢኻ ኢኻ፤ በቶም ቅቱላት፥ በቶም ናብ እምኒ ጕድጓድ ዝወርዱ ብሰይፊ ዝተወግኡ ተኸዲንካ፥ ከም ዝተረግፀ በድን ኴንካ። 20ንስኻ ኣብ ቀብሪ ምሳታቶም ኣይክትሕወስን ኢኻ፥ ንምድርኻ ስለ ዘጥፋእካያ፥ ንህዝብኻ ስለ ዝቐተልካዮ። ዘርኢ እቶም ዓመፀኛታት ድሕሪ ደጊም ከይስመ! 21ንደቁ ምሕራድ ኣዳልዉ፥ ስለ በደል ኣቦታቶም፥ ተሲኦም ንምድሪ ኸይወርስዋ፥ ንብዘላ ዓለም ከዓ ብኸተማታት ከይመልእዋ።
22“ኣነ ኣብ ልዕሊኦም ክትስእ እየ፥ ይብል ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፤ ካብ ባቢሎን ስምን ተረፍን፥ ውሉድን ዘርእን ክቘርፅ፥ ይብል ኣቦና። 23ንእኣ መንበሪ ቅንፍዝን ቀላያት ማይን ክገብራ እየ፤ ብመኾስተር ጥፍኣት ድማ ክፀርጋ እየ፥ ይብል ኣቦ ሰራዊት ሰማይ።”
እቲ ኣቦ ዝመደቦ
24ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ከምዙይ ኢሉ መሓለ፦ “ብርግፅ ከምቲ ዝሓሰብክዎ ክኸውን እዩ፤ ከምቲ ዝመደብክዎ ድማ ክቐውም እዩ። 25ነቲ ኣሶራዊ ኣብ ምድረይ ክሰብሮ እየ፤ ኣብ ኣኽራነይ ድማ ብእግረይ ክረግፆ እየ፤ ኣርዑቱ ካብኣቶም ክለዓል፥ ሸኽሙውን ካብ መንኩቦም ክውገድ እዩ። 26እዝ ኣብ ልዕሊ ኵላ ምድሪ ዝተመደበ ሓሳብ እዩ፤ እዚኣ ድማ ኣብ ልዕሊ ኵሎም ኣህዛብ ዝተዘርግሐት ኢድ እያ። 27ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ወሲኑ ኣሎ እሞ፥ መን ከፍርሶ ይኽእል? ኢዱ ተዘርጊሓ ኣላ፥ መን ድማ ክመልሳ ይኽእል?”
ንጉስ ኣካዝ ምስ ሞተ
28ንጉስ ኣካዝ ብዝሞተላ ዓመት፥ እዚ ትንቢት እዚ መፀ፦ 29ኣቱም ኵሎም ፍልስጥኤማውያን፥ እቲ ዝወቕዓኩም በትሪ ስለ ዝተሰብረ ኣይትተሓጎሱ፤ ካብ ሱር እቲ ተመን መንደላይ ተመን ክወፅእ እዩ እሞ፥ ፍሪኣ ድማ ዝበርር ዝነዲ ተመን ክኸውን እዩ። 30እቶም ኣዝዮም ድኻታት ብህድኣት ክጓሱ፥ እቶም ፅጉማትውን ተኣማሚኖም ክድቅሱ እዮም፤ ንሱርኩም ግና ብጥሜት ክቐትሎ እየ፥ ንሱ ድማ ንተረፍኩም ከጥፍኦ እዩ። 31ኣታ ደገ፥ ኣእዊ፤ ኣቲ ኸተማ፥ ኣእውዪ፤ ኣቱም ኵሎም ፍልስጥኤማውያን፥ ብፍርሓት ልብኹም ይመክኽ! ካብ ሰሜን ትኪ ይመፅእ ኣሎ እሞ፥ ኣብ ሰለፉ ድሕር ዝብል ሓደ እኳ የለን። 32ንልኡኻት እቲ ህዝቢ እንታይ መልሲ ክወሃቦም እዩ? “ኣቦና ንፅዮን መስሪትዋ እዩ፤ እቶም ዝተፀገሙ ህዝቡ ድማ ኣብኣ ይዕቈቡ።”