ኣብርሃም ኣብ ጌራራ
ኣብርሃም ድማ ደጊሙ ንሳራ 'ሓፍተይ እያ' በለ፥ ኣቢሜሌክ ከዓ ወሰዳ። ኣቦና ድማ ነቲ ንጉስ ቅድሚ ምትንካፉ ብሕልሚ ኣጠንቀቖ፥ ኣቢሜሌክ ከዓ ንፅህናኡ ተማጐተ። ኣብርሃም ድማ፥ ኣብዙይ ንኣቦና ዝፈርሕ ሰብ የለን ኢሉ ጥራሕ ከም ዝሓሰበ ተኣመነ።
20 1ኣብርሃም ድማ ካብኡ ናብ ነጌብ ተጕዓዘ፤ ኣብ መንጎ ቃዴስን ሹርን ተቐመጠ፤ ኣብ ጌራራ ኸዓ ስደተኛ ኾይኑ ነበረ። 2ኣብርሃም ድማ ብዛዕባ ሳራ ሰበይቱ፥ “ሓፍተይ እያ” በለ። ስለዙይ ኣቢሜሌክ ንጉስ ጌራራ ለኣኸ፥ ንሳራ ኸዓ ወሰዳ።
3ኣቦና ግና በታ ለይቲ እቲኣ ናብ ኣቢሜሌክ ብሕልሚ መፂኡ፦ “ብሰንኪ እታ ዝወሰድካያ ሰበይቲ ምዉት ኢኻ፤ ንሳ ሰብኣይ ዘለዋ ሰበይቲ እያሞ” በሎ።
4ኣቢሜሌክ ግና ኣይቀረባን ነበረ። ንሱ ድማ፦ “ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ንፁህ ህዝቢ እኳዶ ተጥፍእ ኢኻ? 5ንሱ ባዕሉዶ ‘ሓፍተይ እያ’ ኢሉ ኣይነገረንን? ንሳውን ባዕላ ‘ሓወይ እዩ’ በለት። ኣነ እዙይ ብቕኑዕ ልብን ብንፁህ ኣእዳውን እየ ዝገበርኩ።”
6ኣቦና ድማ ብሕልሚ፦ “እወ፥ ነዙይ ብንፅህና ልቢ ኸም ዝገበርካዮ ኣነ እፈልጥ እየ፤ ንኣይ ከይተብድል ከዓ ኣነ ኸልኪለካ፤ ስለዙይ እየ ኽትንክአ ዘይሓደግኩኻ። 7ሕዚ ኸዓ ሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ምለሳ፤ ንሱ ነብዪ እዩ እሞ፥ ምእንታኻ ኽፅሊ እዩ፥ ንስኻውን ብህይወት ክትነብር ኢኻ። እንተ ዘይመለስካያ ግና፥ ንስኻን ኵሎም ናትካ ዝኾኑን ርግፅ ከም እትሞቱ ፍለጥ።”
8ኣቢሜሌክ ድማ ንፅባሒቱ ኣንጊሁ ተሲኡ፥ ንዅሎም ኣገልገልቱ ፀዊዑ፥ እቲ ዝኾነ ዅሉ ነገር ነገሮም፤ እቶም ሰባት ከዓ እምብዛ ፈርሑ። 9ኣቢሜሌክ ድማ ንኣብርሃም ፀዊዑ፦ “እንታይ ኢኻ ዝገበርካና? ናብ ልዕለይን ልዕሊ መንግስተይን ዓብዪ ሓጢኣት ከተምፅእ፥ እንታይከ በዲለካ? ፈፂሙ ዘይግበር ነገር ኢኻ ዝገበርካኒ” በሎ። 10ኣቢሜሌክ ድማ ንኣብርሃም፦ “እንታይ ሓሲብካ ኢኻ ኸምዙይ ዝበለ ነገር ዝገበርካ?” በሎ።
11ኣብርሃም ከዓ፥ “ብርግፅ ኣብዝ ቦታዙይ ፍርሓት ኣቦና የለን እሞ፥ ብሰንኪ ሰበይተይ ክቐትሉኒ እዮም ኢለ ሓሲበ ነይረ።” 12ብዘይካዙይ፥ ንሳ ብሓቂ ሓፍተይ እያ፤ ጓል ኣቦይ እያ፥ ጓል እኖይ ግና ኣይኮነትን፤ ሰበይተይ ከዓ ኾነት።
13ኣቦና ኻብ ቤት ኣቦይ ዀለል ከብለኒ እንተሎ ድማ፥ “እዝ ሰናይ እዙይ ግበረለይ፤ ናብ ዝኸድናዮ ዘበለ ኵሉ ‘ሓወይ እዩ’ ኢልኪ ብዛዕባይ ተዛረቢ” በልክዋ።
14ኣቢሜሌክ ድማ ኣባጊዕን ኣላሕምን ኣገልገልትን ኣግራድን ወሲዱ ንኣብርሃም ሃቦ፤ ሳራ ሰበይቱ ኸዓ መለሰሉ። 15ኣቢሜሌክ ድማ፥ “እኒሃ ምድረይ ኣብ ቅድሜኻ ኣላ፤ ኣብ ዝደለኻዮ ተቐመጥ” በሎ። 16ንሳራ ኸዓ፥ “እንሆ፥ ንሓውኪ ሽሕ ብሩር እህቦ ኣለኹ። እዙይ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ምሳኺ ዘለዉ ዅሎም እቲ ዝተገበረኪ በደል ንምኽዳን እዩ፤ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኸዓ ፈፂምኪ ሓራ ወፂእኪ ኢኺ” በላ።
17ኣብርሃም ድማ ናብ ኣቦና ፀለየ፤ ንሱ ድማ ንኣቢሜሌክን ንሰበይቱን ንኣግራዱን ፈወሶም እሞ፥ መሊሰን ውሉድ ወለዳ፤ 18ኣቦና ብሰንኪ ሳራ ሰበይቲ ኣብርሃም፥ ኣብ ቤት ኣቢሜሌክ ዝነበረ ኵሉ ማህፀን ፈፂሙ ዓፅዩ ነበረሞ።