እንጀራ ኣብ ልዕሊ ማያት
ነንጀራኻ ኣብ ልዕሊ ማያት ደርቢ፥ ግደኻ ድማ ናብ ብዙሕ መቒል፥ እንታይ ጥፍኣት ከም ዝመፅእ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ። እቲ ንፋስ ዝዕዘብ ከቶ ኣይዘርእን እዩ። ንጊሓት ዝራእ፥ ምሸት ድማ ዝራእ፤ ነቲ ብርሃን ተሓጐሰሉ፤ ነቲ ዝመፅእ መዓልቲታት ፀልማት ድማ ዘክር፤ እግዚኣብሄር ንንእስነት ናብ ፍርዲ ኸም ዘምፅኦ ፍለጥ።
11 1ነንጀራኻ ኣብ ልዕሊ ማያት ደርብያ፥ ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲ ኽትረኽባ ኢኻ እሞ። 2ንሸውዓተ ግደ ሃብ፥ ወይ ንሸሞንተ'ውን፥ እንታይ ጥፍኣት ኣብ ምድሪ ኸም ዝመፅእ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ። 3እቲ ደመና እንተ መሊኡ፥ ኣብ ምድሪ ዝናም የፍስስ፤ ኦም ከዓ ናብ ደቡብ ወይ ናብ ሰሜን እንተ ወደቐት፥ ኣብቲ ዝወደቐትሉ ቦታ፥ ኣብኡ ትተርፍ። 4እቲ ንፋስ ዝዕዘብ ከቶ ኣይዘርእን እዩ፤ እቲ ደመና ዘስተብህል ከዓ ከቶ ኣይዓፅድን እዩ።
5ከምቲ መንገዲ ንፋስ ዘይትፈልጥ፥ ወይ ኣብ ማህፀን ዝጠነሰት ሰበይቲ ኣዕፅምቲ ኸመይ ኢሎም ከም ዝፍጠሩ ዘይትፈልጥ፥ ከምኡ ድማ ተግባር እቲ ዅሉ ዝገብር እግዚኣብሄር ክትፈልጥ ኣይትኽእልን።
6ዘርእኻ ንጊሓት ዝራእ፥ ምሸት ድማ ኢድካ ኣየተዕርፍ፤ ኣየናይ ከም ዝሰልጥ፥ እዙይ ወይ እቲ፥ ወይ ክልቲኡ ማዕረ ፅቡቕ ከም ዝኸውን ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ።
ብርሃን ጥዑም እዩ
7ብርሃን ጥዑም እዩ፥ ነዒንቲ ፀሓይ ምርኣይ ድማ ባህ ዘብል እዩ።
8ሰብ ብዙሕ ዓመታት እንተ ነበረ፥ ብዅሉ ይተሓጐስ፤ ግና ነቲ መዓልቲታት ፀልማት ይዘክር፥ ብዙሕ ክኸውን እዩ እሞ። ዝመፅእ ኵሉ ጊዜያዊ እዩ።
9ኣታ መንእሰይ፥ ብንእስነትካ ተሓጐስ፥ ልብኻ ድማ ብመዓልቲታት ንእስነትካ ደስታ ይሃብካ። ብመንገድታት ልብኻን ብራእይ ኣዒንትኻ ኪድ፤ ግና ስለ እዝ ዅሉ እዙይ እግዚኣብሄር ናብ ፍርዲ ኸም ዘምፅኣካ ፍለጥ።
10ስለዙይ ጭንቀት ካብ ልብኻ ኣርሕቕ፥ ስቓይ ድማ ካብ ስጋኻ ኣርሕቕ፤ ንእስነትን ጎሕ ህይወትን ጊዜያዊ እዩ እሞ።