ብምምፃእ ቲቶ ዝረኸብናዮ ምፅንናዕ
ቲቶ ብስራት ሒዙ ናብ መቄዶንያ በፅሐ፥ ፍርሓት ጳውሎስ ከዓ ተሰበረ። እታ እተጉሂ መልእኽቱ ኣጉሂያቶም ነበረት፥ ብምስዳዳ ድማ ቁሩብ ተናሲሑ ነይሩ፥ እቲ ሓዘን ግና ለወጦም። እቲ ኣቦና ዝደልዮ ሓዘን፥ ሓደ እኳ ዘይንሳሖ ንስሃ የፍሪ እዩ። ዳግማይ ከም ዝኣምኖም ድማ ብግልፂ ይነግሮም።
7 1እምበኣር፥ ኦ ፍቁራት፥ እዚ ተስፋ እዙይ ስለ ዘለና፥ ካብ ኵሉ ርኽሰት ስጋን መንፈስን ንርእስና ነንፅህ፥ ብፍርሓት ኣቦና ድማ ቅድስና ንፈፅም።
2ኣብ ልብኹም ስፍራ ሃቡና። ንሓደ እኳ ኣይበደልናን፤ ንሓደ እኳ ኣየበላሸናን፤ ንሓደ እኳ ኣይበዝበዝናን። 3ነዙይ ዝብለኩም ክዅንነኩም ኢለ ኣይኮነን። ቅድም ከም ዝበልክዎ፥ ብሓንሳእ ክንመውት ከምኡውን ክንነብር ኣብ ልብና ኢኹም ዘለኹም። 4ብኣኻትኩም ብዙሕ ትብዓት ኣለኒ፥ ብኣኻትኩም ብዙሕ ምካሕ ኣለኒ። ብምፅንናዕ መሊአ ኣለኹ፥ ብዅሉ መከራና ድማ ሓጐሰይ ይውሕዝ ኣሎ።
5ናብ መቄዶንያ ምስ በፃሕና እኳ ስጋና ዕረፍቲ ኣይረኸበን፤ በብወገኑ ተጨኒቕና ኔርና፥ ኣብ ወፃኢ ባእሲ፥ ኣብ ውሽጢ ኸዓ ፍርሓት ነበረ። 6ግና እቲ ንጉሁያት ዘፀናንዕ ኣቦና፥ ብምምፃእ ቲቶ ኣፀናንዓና። 7ብምምፃኡ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ በቲ ብሰንክኹም ዝረኸቦ ምፅንናዕ ድማ እዩ፤ ንሱ ናፍቖትኩምን ሓዘንኩምን ምእንታይ ዝኾነ ቅንኣትኩምን ነገረና እሞ፥ ኣዝየ ተሓጐስኩ።
8መልእኽተይ ኣጉሃየትኩም እኳ እንተኾነት፥ ሕዚ ኣይተነሳሕኩን። እታ መልእኽቲ እቲኣ ንቑሩብ ጊዜ እኳ እንተኾነ ኸም ዘጉሃየትኩም ስለ ዝርኢ፥ ቅድም ተናሲሐ ነይረ። 9ሕዚ ግና እሕጐስ ኣለኹ፤ ስለ ዝሓዘንኩም ዘይኮነስ፥ ሓዘንኩም ናብ ንስሃ ስለ ዘምፅአ እዩ። ከምቲ ኣቦና ዝደልዮ ሓዚንኩም ኢኹም እሞ፥ ብኣና ዝኾነ ክሳራ ኣይበፅሐኩምን። 10ከምቲ ፍቓድ ኣቦና ዝኾነ ሓዘን፥ ዘይንሳሕ ናብ ምድሓን ዘብፅሕ ንስሃ የፍሪ እዩ እሞ፤ ዓለማዊ ሓዘን ግና ሞት የፍሪ። 11እንሆ፥ እዚ ኸምቲ ፍቓድ ኣቦና ዝኾነ ሓዘን ኣባኻትኩም እንታይ ከም ዘፍረየ ርኣዩ፦ ትግሃት፥ ርእስኹም ንምንፃህ ህንጡይነት፥ ቍጥዓ፥ ፍርሓት፥ ናፍቖት፥ ቅንኣት፥ ንፍትሒ ድልውነት! ብዅሉ ኣብዚ ነገር እዙይ ንፁሃት ምዃንኩም ኣመስኪርኩም ኢኹም። 12ናባኻትኩም ፅሒፈ እኳ እንተኾንኩ፥ ምእንቲ እቲ በዳሊ ወይ ምእንቲ እቲ ዝተበደለ ኢለ ኣይኮነን፤ ምእንታና ዘለኩም ቅንዕና ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኣባኻትኩም ምእንቲ ኽግለፅ ደኣ እዩ። 13ስለዙይ ተፀናኒዕና ኢና። ካብ ምፅንናዕና ሓሊፉ ኸዓ፥ መንፈሱ ብዅልኻትኩም ስለ ዝዓረፈ፥ በቲ ሓጐስ ቲቶ ኣዝና ተሓጐስና። 14ብዛዕባኻትኩም ኣብ ቅድሚኡ ዝተመካሕክዎ ኵሉ ኣየሕፈረንን። ከምቲ ንኣኻትኩም ዝበልናኩም ኵሉ ሓቂ ዝነበረ፥ ከምኡውን እቲ ኣብ ቅድሚ ቲቶ ዝተመካሕናዮ ሓቂ ኮነ። 15ኵልኻትኩም ከመይ ጌርኩም ከም ዝተኣዘዝኩም፥ ብፍርሓትን ብራዕድን ከመይ ጌርኩም ከም ዝተቐበልኩምዎ እናዘከረ፥ ፍቕሩ ኣባኻትኩም ኣዝዩ ይዓቢ ኣሎ። 16ብዅሉ ብኣኻትኩም ፍፁም ትብዓት ስለ ዘለኒ እሕጐስ ኣለኹ።