ሕዚ መዓልቲ ምድሓን እያ
ጳውሎስ መረጋገፂኡ የቕርብ፤ ንሳቶም ከዓ መውቃዕቲ፥ ማእሰርቲ፥ ዘይ ድቃስ ለይትን ክፉእ ወረን እዮም። ድሕሪኡ ነቲ ክትዕ ሓዲጉ ብቐሊሉ ይምሕፀን፦ ልቡ ርሒቡ ተኸፊቱ ኣሎ፥ ናታቶም ግና ተዓፅዩ ኣሎ። ካብ ጣዖታት ክወፁን ከም ኣወዳትን ኣዋልድን ኣቦና ኾይኖም ክነብሩን ይልምኖም።
6 1ምስኡ እንሰርሕ ኴንና፥ ፀጋ ኣቦና ብኸንቱ ከይትቕበሉ ንምሕፅነኩም ኣለና።
2ንሱ ከምዙይ ይብል እዩ እሞ፦ “ብግቡእ ግዜ ሰማዕኩኻ፥ ብመዓልቲ ምድሓን ረዳእኩኻ።” እንሆ፥ ሕዚ ግቡእ ግዜ እዩ፤ እንሆ፥ ሕዚ መዓልቲ ምድሓን እዩ።
3ኣገልግሎትና ከይንቀፍ ኢልና፥ ንዝኾነ ሰብ ዕንቅፋት ኣይንገብረሉን ኢና። 4ብኣንፃሩ ደኣ፥ ብብዙሕ ትዕግስቲ፥ ብመከራ፥ ብስቓይ፥ ብጭንቂ፥ ከም ኣገልገልቲ ኣቦና ኴንና፥ ንባዕልና ብዅሉ ነርኢ ኢና፤ 5ብመውቃዕቲ፥ ብማእሰርቲ፥ ብህውከት፥ ብፃዕሪ፥ ብዘይ ድቃስ ለይቲ፥ ብጥሜት፤ 6ብንፅህና፥ ብፍልጠት፥ ብዓቕሊ፥ ብሕያዋይነት፥ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ብናይ ሓቂ ፍቕሪ፥ 7ብቓል ሓቂ፥ ብሓይሊ ኣቦና፥ ነቲ የማንን ነቲ ፀጋምን ብኣፅዋር ፅድቂ፥ 8ብኽብርን ብውርደትን፥ ብክፉእ ወረን ብፅቡቕ ወረን፤ ከም መስለይቲ ንቝፀር፥ ሓቀኛታት ክነስና፤ 9ከም ዘይንፍለጥ ኴንና፥ ፍሉጣት ክነስና፤ ከም ንመውት ኴንና፥ እንሆ ድማ ህያዋን ኢና፤ ከም እንቕፃዕ ኴንና፥ ዘይንቕተል ክነስና፤ 10ከም እንሓዝን ኴንና፥ ኵልሻዕ ሕጉሳት ክነስና፤ ከም ድኻታት ኴንና፥ ንብዙሓት ነህብትም ክነስና፤ ዋላ ሓደ ዘይብልና ክነስና፥ ኵሉ ዘለና ኢና።
11ኦ ቆሮንቶሳውያን፥ ብግልፂ ተዛረብናኩም፤ ልብና ድማ ንኣኻትኩም ርሒቡ ተኸፊቱ ኣሎ። 12ብኣና ኣይተፀበብኩምን፤ ኣብ ልብኹም ደኣ ተፀቢብኩም እምበር። 13ኣብ ክንድኡ፥ ከም ንውሉደይ እዛረብ ኣለኹ፥ ንስኻትኩምውን ልብኹም ኣርሕቡ።
ናብ ስድራ ቤት ኣቦ ተመለሱ
14ምስ ዘይኣምኑ ብሓደ ኣይትፀመዱ። ፅድቅን ዓመፅንከ እንታይ ይማቐሉ? ወይ ብርሃን ምስ ፀልማት እንታይ ሕብረት ኣለዎ? 15ኣብ መንጎ ክርስቶስን ድያብሎስንከ እንታይ ስምምዕ ኣሎ? ኣማኒ ምስ ዘይኣማኒከ እንታይ ይማቐል?
16ቤተ መቕደስ ኣቦናከ ምስ ጣዖታት እንታይ ሕብረት ኣለዎ? ንሕና ቤተ መቕደስ እቲ ህያው ኣቦ ኢና እሞ፥ ከምዙይ ኢሉ፦ “ኣብ ማእኸሎም ክነብርን ክመላለስን እየ፤ ኣቦኦም ክኸውን እየ፥ ንሳቶም ከዓ ውሉደይ ክኾኑ እዮም።” 17ስለዙይ፦ “ካብ ማእኸሎም ውፁ፥ ተፈለዩ ኸዓ፥ ይብል ኣቦና፥ ርኹስ ነገርውን ኣይትንከዩ፤ ሽዑ ኽቕበለኩም እየ፥ 18ኣነ ኸዓ ኣቦ ክኾነኩም እየ፥ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኮኑኒ ኢኹም፥ ይብል እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣቦና።” a a v18 እታ ኣቦና ቐደም ነቲ ንጉሳዊ ወዲ ዳዊት ዝኣተዋ ተስፋ፥ ኣብዙይ ንነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ይኸፍታ ኣሎ፤ ነቶም ናብኡ ዝመፁ ዅሎም ኣቦ ይኾኖም፥ ንሕናውን ኣወዳቱን ኣዋልዱን ንኸውን።