ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ናይ ዘለኣለም ማሕደርና ምስ ኣቦ

ጳውሎስ ነብሱ ስለምንታይ ኣሕሊፉ ኸም ዝህብ የብርህ። እታ ድንኳን ክትፈርስ እያ፥ ካብ ኣቦና ዝኾነ ቤት ድማ ይፅበ ኣሎ። ፍቕሪ ክርስቶስ ተገድዶ፥ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ድማ ይፅበዮ። ኣቦና ንዓለም ምስ ርእሱ ዓሪቑ፥ ጳውሎስ ከዓ ነቲ ልማኖ ኸም ልኡኽ ተሰኪምዎ።

ምዕራፍ 5።

እዛ እንነብረላ ምድራዊት ድንኳን እንተ ፈረሰት፥ ካብ ኣቦና ዝኾነ ህንፃ፥ ብኢድ ዘይተሰርሐ ኣብ ሰማያት ናይ ዘለኣለም ዝነብር ቤት ከም ዘለና፥ ንፈልጥ ኢና። ኣብዛ ድንኳን እዚኣ እናሃለና፥ ብሰማያዊ ማሕደርና ክንክደን እናናፈቕና ንግዕር ኣለና፤ ብርግፅ ምስ ለበስናዮ፥ ጥራሕ ዝባንና ኣይክንርከብን ኢና። ኣብዛ ድንኳን እዚኣ እናሃለና፥ ተፀቒጥና ንግዕር ኣለና፤ ክንቅላዕ ዘይኮነስ፥ ህይወት ነቲ መዋቲ ምእንቲ ኽትውሕጦ፥ ልዒልና ክንክደን ደኣ ንደሊ። እቲ ነዚ ነገር እዙይ ዘዳለወና ኸዓ፥ መንፈስ ቅዱስ መተኣማመኒ ገይሩ ዝሃበና ኣቦና እዩ።

ስለዙይ ኣብ ስጋ ክሳዕ እንነብር፥ ካብ ጐይታ ርሑቓት ከም ዝኾንና እናፈለጥና፥ ኵልሻዕ ትብዓት ኣለና። ብእምነት ደኣ ንኸይድ እምበር፥ ብትርኢት ኣይኮነን። ስለዙይ ትብዓት ኣለና፤ ካብ ስጋ ወፂእና፥ ምስ ጐይታ ኣብ ቤት ክንነብር ንመርፅ። ስለዙይ ኣብ ቤት ኮነ ርሑቓት፥ ባህ ከነብሎ ዕላማና ንገብር። ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ክንቀርብ ኣለና እሞ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ስጋ ኾይኑ በቲ ዝገበሮ፥ ፅቡቕ ኮነ ክፉእ፥ ዝግብኦ ኽቕበል እዩ።

ተዓሪቕና ልኡኻት ኮይና ተላኢኽና

ስለዙይ ፍርሓት ጐይታ ፈሊጥና፥ ንሰብ ነረድኦ ኣለና፤ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ግሁዳት ኢና፤ ኣብ ሕሊናኹም ድማ ግሁዳት ከም ዝኾንና፥ ተስፋ እገብር ኣለኹ። መሊስና ንርእስና ኣባኻትኩም ኣየመጕስን ኢና፤ ነቶም ብልቦም ዘይኮነስ ብትርኢት ዝምክሑ፥ መልሲ ምእንቲ ኽትረኽቡ፥ ብኣና ክትሕበኑ ምኽንያት ንህበኩም ደኣ ኢና እምበር። ልብና ጠፊኡ እንተ ኾይኑ፥ ንኣቦና እዩ፤ ኣብ ልብና እንተለና ኸዓ፥ ንኣኻትኩም እዩ። ፍቕሪ ክርስቶስ ተገድደና እያ፤ ሓደ ስለ ዅሉ ሞተ፥ ስለዙይ ኵሎም ሞቱ ኢልና ተረዲእና ኣለና እሞ። ስለ ዅሉ ዝሞተ ኸዓ፥ እቶም ህያዋን ደጊም ንርእሶም ዘይኮነስ፥ ነቲ ስለኦም ዝሞተን ዝተንስአን ደኣ ምእንቲ ኽነብሩ እዩ።

ስለዙይ ካብ ሕዚ ጀሚርና፥ ንሓደ እኳ ብኣረኣእያ ሰብ ኣይንፈልጥን ኢና። ንክርስቶስ እኳ ኸምኡ ጌርና ፈሊጥናዮ ኔርና፥ ሕዚ ግና ደጊም ከምኡ ኣይኮነን። ስለዙይ ሓደ ሰብ ኣብ ክርስቶስ እንተ ሃልዩ፥ ሓዱሽ ፍጥረት እዩ! እቲ ኣረጊት ሓሊፉ እዩ፤ እንሆ፥ እቲ ሓዱሽ መፂኡ! እዝ ኵሉ ኻብ ኣቦና እዩ፤ ንሱ ብክርስቶስ ገይሩ ምስ ርእሱ ኣተዓረቐና፥ ኣገልግሎት ዕርቂ ኸዓ ሃበና፦ a a v18 ዕርቂ ኣብ ልቢ ኣቦና ባዕሉ እዩ ዝጅምር፤ ናብ ገዛና ክመልሰና ኢዱ ዝዝርግሕ ንሱ እዩ፤ ኢየሱስ ድማ እቲ ዝገብረሉ መንገዲ እዩ። ንሱ ኸዓ፥ ኣቦና ኣብ ክርስቶስ ኮይኑ ንዓለም ምስ ርእሱ የተዓርቖ ነበረ፤ ሓጢኣቶም ኣብ ልዕሊኦም እንተይቘፀረ፥ ቃል ዕርቂ ድማ ኣረኪቡና።

ስለዙይ ንሕና ልኡኻት ክርስቶስ ኢና፤ ኣቦና ብኣና ኣቢሉ ከም ዝልምን ኮይኑ፥ ስለ ክርስቶስ ንልምን ኣለና፦ ምስ ኣቦና ተዓረቑ። ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ፥ ንሕና ብእኡ ፅድቂ ኣቦና ምእንቲ ኽንኸውን፥ ምእንታና ሓጢኣት ገበሮ።