ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ብርሃን ኣቦ ብኣና የብርህ

ጳውሎስ ብተንኰልን ብሕቡእ ሕልናን ተኸሲሱ፥ ንሓቂ ብግልፂ ጥራሕ ከም ዝዛረብ መለሰ። እቲ ሓይሊ ናቱ ከም ዘይኮነ ብግልፂ ይርአ፦ ይጭነቕ፥ ዝገብሮ ይጠፍኦ፥ ይድፋእ፥ ግና ከቶ ኣይጠፍእን። መዝገብ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ፥ ድኽመት እቲ ኣቕሓ ኸዓ እቲ ቁምነገር እዩ፥ እቲ ኽብሪ ናይ ኣቦና ምእንቲ ኽኸውን።

ምዕራፍ 4።

ስለዙይ፥ በቲ ዝተገብረልና ምሕረት እዝ ኣገልግሎት እዙይ ስለ ዝረኸብና፥ ኣይንሽበርን ኢና። ነቲ ሕቡእ ነውሪ ደኣ ራሕሪሕናዮ ኢና እምበር፤ ብተንኰል ኣይንመላለስን፤ ንቓል ኣቦናውን ኣይንጠዋውዮን፤ ንሓቂ ብግልፂ ብምግላፅ ደኣ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ንርእስና ናብ ሕሊና ኵሉ ሰብ ነቕርብ። እቲ ናትና ወንጌል እንተ ተሸፈነ እኳ፥ ነቶም ዝጠፍኡ እዩ ተሸፊኑ ዘሎ። ኣምላኽ እዝ ዓለም እዙይ ነኣእምሮ እቶም ዘይኣመኑ ኣዕዊሩ እዩ፤ ብርሃን ወንጌል፥ ክብሪ እቲ ምስሊ ኣቦና ዝኾነ ክርስቶስ፥ ምእንቲ ከይርእዩ። a a v4 ኣብዙይ “ኣምላኽ እዝ ዓለም እዙይ” ዝበሃል፥ እቲ ንሰብ ዘዕውር ፀላኢ እዩ እምበር፥ ኣቦና ኣይኮነን፤ እቲ ብንእሽተይ ፊደል ዝተፅሓፈ ቃል፥ ነቲ ንውሉዱ እተዳለወ ብርሃን ዝሰርቕ ሓሳዊ የመልክት። ንርእስና ኣይኮናን እንሰብኽ፥ ንኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ኢሉ ደኣ እምበር፤ ንሕናውን ምእንቲ ኢየሱስ ኣገልገልትኹም ኢና።

እቲ “ብርሃን ካብ ፀልማት ይብራህ” ዝበለ ኣቦና፥ ኣብ ልብና ኣብርሀ፤ ፍልጠት ክብሪ ኣቦና ኣብ ገፅ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾነ ብርሃን ድማ ሃበና።

ነዝ መዝገብ እዙይ ግና ኣብ ኣቕሓ መሬት ሒዝና ኣለና፤ እዝ ዝበልፅ ሓይሊ እዙይ ናይ ኣቦና ደኣ እምበር፥ ካባና ከም ዘይኮነ ምእንቲ ኽግለፅ። ብኵሉ ንጭነቕ ኣለና፥ ግና ኣይንጭፍለቕን፤ ዝንገብሮ ይጠፍኣና፥ ግና ተስፋ ኣይንቖርፅን፤ ንስደድ ኣለና፥ ግና ኣይንሕደግን፤ ንድፋእ ኣለና፥ ግና ኣይንጠፍእን። ህይወት ኢየሱስ ኣብ ስጋና ምእንቲ ኽግለፅ፥ ንሞት ኢየሱስ ኵልሻዕ ኣብ ስጋና ተሰኪምናዮ ኣለና። ንሕና እቶም ህያዋን፥ ህይወት ኢየሱስ ኣብ መዋቲ ስጋና ምእንቲ ኽግለፅ፥ ምእንቲ ኢየሱስ ኢልና ኵልሻዕ ናብ ሞት ኢና ኣሕሊፍና እንውሃብ። እምበኣር፥ ሞት ኣባና ይሰርሕ ኣሎ፤ ህይወት ግና ኣባኻትኩም።

ከምቲ “ኣመንኩ፥ ስለዙይ ተዛረብኩ” ኢሉ ዝተፅሓፈ፥ ብተመሳሳሊ መንፈስ እምነት፥ ንሕናውን ስለ እንኣምን ንዛረብ ኢና፤ እቲ ንጐይታ ኢየሱስ ዘተስኦ፥ ንኣናውን ምስ ኢየሱስ ከም ዘተስኣና፥ ምሳኻትኩም ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዘቕውመና ንፈልጥ ኢና። እዝ ዅሉ ምእንታኹም እዩ፤ እቲ ፀጋ ኣብ ብዙሓት እናበዝሐ፥ ንኽብሪ ኣቦና ምስጋና ምእንቲ ኸብዝሕ።

ስለዙይ ኣይንሕለልን ኢና። እቲ ናይ ወፃኢ ሰብ እናበለየ እኳ እንተ ኸደ፥ እቲ ውሽጣዊ ሰብ ግና መዓልቲ መዓልቲ ይሕደስ ኣሎ። እዝ ፈኲስን ግዝያውን መከራ እዙይ፥ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝኾነ ዘለኣለማዊ ኽብደት ክብሪ የፍርየልና ኣሎ፤ ስለዙይ ኣብቲ ዝረአ ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ዘይረአ ደኣ ኣፅኒዕና ንጥምት ኣለና፤ እቲ ዝረአ ሓላፊ እዩ እሞ፥ እቲ ዘይረአ ግና ዘለኣለማዊ እዩ።