ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ፀጋ ብልግሲ ይፈስስ

እቲ ቅድሚ ዓመት ዝተጀመረ ልግሲ ገና ኣይተወድአን። ጳውሎስ ክእዝዞ ኣይደልን። ነቶም ድኻታትን ግፉዓትን መቄዶንያውያን፥ ብፀጋ ኣቦና ልዕሊ ዓቕሞም ዝሃቡ የመልክት፥ ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስትያን ማዕርነት ጥራሕ ይልምን፥ ሓደ እኳ ብዛዕባ እቲ ገንዘብ ከይጠራጠር ድማ ንቲቶ ምስ መሰኻኽር ይሰዶ።

ምዕራፍ 8።

ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን መቄዶንያ ዝተውሃበ ፀጋ ኣቦና ክትፈልጡ ንደሊ ኣለና። ብብዙሕ መከራ ተፈቲኖም እንተለዉ፥ እቲ ዝፈስስ ሓጐሶምን እቲ ዓሚቝ ድኽነቶምን፥ ናብ ሃብታም ልግሲ ገንፈለ። ከም ዓቕሞም፥ ልዕሊ ዓቕሞም ከዓ፥ ብምሉእ ፍቓዶም ከም ዝሃቡ እምስክር ኣለኹ። ነቶም ቅዱሳን ናይ ምግልጋል ፀጋን ሕብረትን ክንህቦም፥ ብብርቱዕ ለመኑና። ከምቲ እንፅበዮ ዝነበርና ኣይኮነን፤ ብፍቓድ ኣቦና፥ ቅድም ንርእሶም ንጐይታ፥ ድሕሪኡ ድማ ንኣና ወፈዩ። ስለዙይ ንቲቶ፥ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝጀመሮ፥ ነዝ ግብሪ ፀጋ እዙይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኽፍፅሞ ለመንናዮ። ግናኸ ከምቲ ብዅሉ፥ ብእምነትን ብዘረባን ብፍልጠትን ብዅሉ ትግሃትን በታ ንኣኻትኩም ዘላትና ፍቕርን እትበልፁ፥ በዝ ልግሲ እዙይውን ክትበልፁ ተጠንቀቑ። እዙይ ትእዛዝ ኣይኮነን፤ ብትግሃት ካልኦት ኣቢለ፥ ናይ ፍቕርኹም ሓቀኛነት እፍትን ኣለኹ። ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንሱ ሃብታም እንተ ነበረ እኳ፥ ብድኽነቱ ንስኻትኩም ሃብታማት ክትኮኑ፥ ምእንታኻትኩም ድኻ ኾነ። ኣብዙይ ዝፈርዶ እዙይ እዩ፦ ቅድሚ ዓመት ነዙይ ምግባር ጥራሕ ዘይኮነ ክትደልይዎውን ዝጀመርኩም ንኣኻትኩም ይጠቕመኩም እዩ። ሕዚ ድማ ነቲ ምግባር ፈፅምዎ፤ ከምቲ ንምግባር ዝሃለወኩም ድልየት፥ ካብ ዘለኩም ፈፂምኩም ክትውድእዎ። እቲ ድልየት እንተ ሃልዩ፥ ከምቲ ሓደ ሰብ ዘለዎ እምበር፥ ከምቲ ዘይብሉ ዘይኮነ፥ ቅቡል እዩ። ንስኻትኩም እናተፀገምኩም ንኻልኦት ክቐልለሎም ኢለ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ፤ ማዕርነት ምእንቲ ኽህሉ ደኣ እዩ። ሕዚ እቲ ተረፍኩም ነቲ ድሌቶም ይምልኣሎም፤ ምእንቲ እቲ ተረፎም ድማ ነቲ ድሌትኩም ክምልኣልኩም፥ ማዕርነትውን ክህሉ። ከምቲ ዝተፅሓፈ፦ “እቲ ብዙሕ ዝኣከበ ሕልፊ ኣይረኸበን፤ እቲ ውሑድ ዝኣከበ ድማ ኣይሰኣነን።”

ቲቶ ብትግሃት ሓልዮት ተለኣኸ

ነቲ ኣነ ንኣኻትኩም ዘለኒ ዝኣመሰለ ትግሃት፥ ኣብ ልቢ ቲቶ ዘንበረ ኣቦና ይመስገን። ንሱ ነቲ ዝለመናዮ ተቐቢሉ ጥራሕ ዘይኮነ፥ ባዕሉ ኣዝዩ ተጊሁ፥ ብፍቓዱ ናባኻትኩም ይኸይድ ኣሎ። ምስኡ ድማ ነቲ ብዅለን ኣብያተ ክርስትያን፥ በቲ ኣብ ወንጌል ዝገበሮ ግብሪ ዝተመስገነ ሓው ንሰደልኩም ኣለና። እዙይ ጥራሕ ዘይኮነ፥ ነዝ እንፍፅሞ ልግሲ ምሳና ክጐዓዝ፥ ኣብያተ ክርስትያን ሸየማኦ እየን፤ እዙይ ድማ ንኽብሪ ጐይታ ባዕሉ፥ ከምኡ ድማ ንትግሃትና እዩ። ነዝ እንሕዞ ዘለና ዓብዪ ልግሲ ብዛዕባ ዝኾነ ሰብ ከይነቕፈና፥ ከምዙይ ንገብር ኣለና፤ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ጥራሕ ዘይኮነ፥ ኣብ ቅድሚ ሰብውን ነቲ ሰናይ ንሓስብ ኣለና እሞ። ነቲ ብዙሕ ጊዜ ተፈቲኑ ኣብ ብዙሕ ነገር ተጊሁ ዝተረኽበ ሓውና፥ ሕዚ ኸዓ ብዛዕባኻትኩም ዓብዪ እምነት ስለ ዘለዎ ኣዝዩ ዝገደደ ተጊሁ፥ ምሳቶም ንሰዶ ኣለና። ብዛዕባ ቲቶ፥ ንሱ መሻርኽተይን ንኣኻትኩም ድማ መሳርሕተይን እዩ፤ ብዛዕባ ኣሕዋትና ኸዓ፥ ልኡኻት ኣብያተ ክርስትያንን ክብሪ ክርስቶስን እዮም። እምበኣር ኣብ ቅድሚ ኣብያተ ክርስትያን፥ መረዳእታ ፍቕርኹም፥ ከምኡ ድማ ብዛዕባኻትኩም እንምክሓሉ ምኽንያት ኣርእይዎም።