ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ሕጉስ ወሃቢ

ጳውሎስ ኣካይያ ድልውቲ ምዃና ኣቐዲሙ ናብ መቄዶንያ ተመኪሑ እዩ፥ ስለዙይ ነሕዋት ቀቅድሚኡ ይሰድድ። እቲ ውህብቶ ብግዲ ተፀቢፁ ዘይኮነስ ብፍቓድ ክወሃብ ይደሊ፥ ኣቦና ሕጉስ ወሃቢ የፍቅር እዩ እሞ፥ እቲ ገንዘብ ከዓ ኣብ ማእኸል እቶም ቆሮንቶሳውያን ፈፂሞም ዘይረኽብዎም ሰባት ምስጋና ስለ ዝኸውን።

ምዕራፍ 9።

ብዛዕባ እቲ ንቅዱሳን ዝግበር ኣገልግሎት ክፅሕፈልኩም ኣየድልየንን። ትህንጥዩ ምህላውኩም እፈልጥ እየ እሞ፥ ናብ መቄዶንያውያን ብዛዕባኻትኩም እምካሕ ኣለኹ፤ ኣካይያ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ድልውቲ ምዃናን፥ ቅንኣትኩም ድማ ንብዙሓት ካብኣቶም ኣለዓዒሉ ምህላውን እነግር። ስለዙይ፥ ከምቲ ዝበልክዎ ድሉዋት ክትኮኑ፥ እቲ ብዛዕባኻትኩም ዘለና ትምክሕቲ በዝ ነገር እዙይ ከንቱ ከይኸውን፥ ነሕዋት እልእኽ ኣለኹ። እንተ ዘይኮነ፥ መቄዶንያውያን ምሳይ መፂኦም ዘይተዳለኹም እንተ ረኺቦምኹም፥ በዝ ርግፀኛነት እዙይ ንሕና ክንሓፍር ኢና፤ ንስኻትኩምስ ይትረፍ። ስለዙይ፥ ነሕዋት ቀቅድመይ ናባኻትኩም ክኸዱ፥ ነቲ ዘተስፈኹምዎ ልግሲ ዝመልኦ ውህብቶ ኣቐዲሞም ከዳልውዎን ክምሕፀኖም ኣድላዪ ከም ዝኾነ ሓሰብኩ፤ ከምዙይ ድማ፥ ብግዲ ዝተውሃበ ዘይኮነስ፥ ከም ፍቓደኛ ውህብቶ ድሉው ክኸውን እዩ።

እዙይ ዘክሩ፦ እቲ ሒደት ዝዘርእ፥ ሒደት ድማ ክዓፅድ እዩ፤ እቲ ብልግሲ ዝዘርእ ከዓ፥ ብልግሲ ድማ ክዓፅድ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ብልቡ ዝመደቦ ይሃብ እምበር፥ ብሕዘን ወይ ብግዲ ኣይኹን፤ ኣቦና ሕጉስ ወሃቢ የፍቅር እዩ እሞ። ኣቦና፥ ብዅሉ ነገር ኵልሻዕ ዘድልየኩም ኵሉ እናሃለወኩም፥ ኣብ ኵሉ ሰናይ ግብሪ ምእንቲ ኽትበዝሑ፥ ኵሉ ፀጋ ናባኻትኩም ከብዝሕ ይኽእል እዩ። ከምቲ ዝተፅሓፈ፦ “ፋሕ ኣቢሉ ንድኻታት ሃበ፤ ፅድቁ ንዘለኣለም ይነብር።”

እቲ ንዘራኢ ዘርኢ፥ ንምብላዕ ድማ እንጀራ ዝህብ፥ ዘርእኹም ክህበኩምን ከብዝሓልኩምን እዩ፤ ፍረ ፅድቅኹም ድማ ከዕብየልኩም እዩ። ንኵሉ ልግሲ ብዅሉ ነገር ክትህብትሙ ኢኹም፤ እዙይ ድማ ብኣና ኣቢሉ ንኣቦና ምስጋና የምፅእ። እዝ እትገብርዎ ኣገልግሎት እዙይ፥ ናይ ቅዱሳን ድሌት ዘማልእ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ናብ ኣቦና ብዙሕ ናይ ምስጋና ተግባራት ድማ የብዝሕ እዩ። በዝ ኣገልግሎት እዙይ ተፈቲንኩም ስለ ዝተረኸብኩም፥ ወንጌል ክርስቶስ ብምእማንኩም ዘለኩም ተኣዛዝነት፥ ከምኡውን ምሳታቶምን ምስ ኵሉ ሰብን ብልግሲ ብምክፋልኩም ምኽንያት፥ ካልኦት ንኣቦና ከመስግኑ እዮም። ኣብ ፀሎቶም ምእንታኻትኩም፥ ስለ እቲ ኣቦና ዝሃበኩም ዝበልፅ ፀጋ፥ ብናፍቖት ክናፍቑኹም እዮም። ስለ እቲ ክግለፅ ዘይኽእል ውህብቶ፥ ንኣቦና ምስጋና ይኹን!