ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣብያ ነገሰ

ኣብያ ኣብ ማዕዶ እቲ ለሰ ጉዳዩ ዓው ኢሉ ተዛረበ፦ ይሁዳ ገና ካህናት ኣሮን፥ መዓልታዊ መስዋእትን ቐንዲልን ኣለዎ፥ እስራኤል ግና ምራኹትን ባዕሎም ዝገበርዎም ካህናትን ኣለዎ። ካብ ቅድሚትን ድሕሪትን እኳ እንተ ተኸበ፥ ይሁዳ ናብ ኣቦና ኣእወዩ፥ ስለ ዝተኣመንዎ ኸዓ ሰዓሩ።

ምዕራፍ 13።

ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ንጉስ ኢዮርብዓም፥ ኣብያ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ሰለስተ ዓመት ነገሰ፤ ስም ኣዲኡ ኸዓ ሚክያስ ጓል ኡርኤል ጊብዓዊት ነበረ። ኣብ መንጎ ኣብያን ኢዮርብዓምን ድማ ውግእ ኮነ። ኣብያ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ጀጋኑ፥ ኣብ ውግእ ሓያላት ዝኾኑ ሰራዊት ሒዙ ናብ ውግእ ኣተወ፤ ኢዮርብዓም ድማ ሸሞንተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሓያላት ጀጋኑ ሒዙ ኣብ ቅድሚኡ ተሰለፈ።

ኣብያ ኣብ ጎቦ ዘማራይም፥ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ደው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦ “ኦ ኢዮርብዓምን ኵሎም እስራኤልን፥ ስምዑኒ! ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ንዳዊትን ንደቁን መንግስቲ እስራኤል ንዘለኣለም ብኺዳን ጨው ከም ዝሃቦምዶ ኣይትፈልጡን? a a v5 ኪዳን ጨው ከቢድን ነባርን ስምምዕ ነበረ፤ ጨው ንመግቢ የዐቅብ ነበረ፥ ነባርን ዘይፍረስን ቃል ኪዳን ድማ የመልክት ነበረ። ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ግና፥ ጊልያ ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ክነሱ፥ ተሲኡ ኣብ ልዕሊ ጐይታኡ ዓመፀ። ከንቱ ሰባት ናብኡ ተኣኪቦም፥ ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ተፃረርዎ፤ ንሱ ኸዓ መንእሰይን ፈራሕን፥ ክቃወሞም ዘይኽእል ነበረ።

ሕዚ ኸዓ፥ ብዙሕ ህዝብን ኢዮርብዓም ኣማልኽትኹም ክኾኑ ዝገበረ ምራኹት ወርቅን ስለ ዘለኩም፥ ነታ ኣብ ኢድ ደቂ ዳዊት ዘላ መንግስቲ ኣቦና ክትቃወሙ ትሓስቡ ኣለኹም። ንካህናት ኣቦና፥ ደቂ ኣሮንን ሌዋውያንን ሰጒጒኩምዶ ኣይኮንኩምን? ከምቶም ኣህዛብውን ናትኩም ካህናት ጌርኩም ኣይኮንኩምን? ሓደ ዝራብዕን ሸውዓተ ማጓሉን ሒዙ ዝመፅእ ኵሉ፥ ነቲ ኣማልኽቲ ዘይኮነ ነገር ካህን ክኸውን ይኽእል።

ኣቦና ግና ናትና እዩ፥ ንሕናውን ኣይሓደግናዮን። እቶም ዘገልግልዎ ካህናት ደቂ ኣሮን እዮም፤ ሌዋውያን ድማ ኣብ ስራሖም ኣለዉ። ንግሆ ንግሆን ምሸት ምሸትን ንኣቦና ዚሓርር መስዋእትን ምዑዝ ዕጣንን የዐጥኑ፤ ኣብቲ ፅሩይ ወርቂ ጠረጴዛ ድማ መስርዕ ሕብስቲ የንብሩ፤ ነቲ ነፍሲ ወከፍ ምሸት ዝበርህ ወርቂ ቐዋሚ ቐንዲል ከዓ የዳልዉ። ንሕና ሓለዋ ኣቦና ንሕሉ ኣለና፥ ንስኻትኩም ግና ሓዲግኩምዎ። እንሆ፥ ኣቦና ኣብ ርእስና ኾይኑ ምሳና ኣሎ፤ ካህናቱ ድማ ኣብ ልዕሌኹም ዓው ኢሎም ዝነፍሕዎ መለኸት ኣለዎም። ኦ ደቂ እስራኤል፥ ምስ ኣቦና፥ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ኣይትዋግኡ፤ ኣይክትዕወቱን ኢኹም እሞ።”

ኢዮርብዓም ድማ ካብ ድሕሪኦም ምእንቲ ኽመፅእ፥ ኣብ ዙርያ ሕቡእ ደጀን ሰዲዱ ነበረ፤ ሰራዊቱ ኣብ ቅድሚ ይሁዳ፥ እቲ ሕቡእ ደጀን ከዓ ኣብ ድሕሪኦም ነበረ። ይሁዳ ግልፅ ምስ በሉ፥ ብቕድሚኦምን ብድሕሪኦምን ንውግእ ከም ዝተሰለፉ ረአዩ እሞ ናብ ኣቦና ኣእወዩ፤ እቶም ካህናት ድማ መለኸት ነፍሑ። ሰብ ይሁዳ ድማ ዓለሉ፤ ንሳቶም ክዓልሉ እንተለዉ ኸዓ፥ ኣቦና ንኢዮርብዓምን ንኵሎም እስራኤልን ኣብ ቅድሚ ኣብያን ይሁዳን ወቕዖም። ደቂ እስራኤል ድማ ካብ ቅድሚ ይሁዳ ሃደሙ፤ ኣቦናውን ናብ ኢድ ይሁዳ ኣሕሊፉ ሃቦም። ኣብያን ሰራዊቱን ድማ ብርቱዕ ውቕዓት ወቕዕዎም፤ ካብ እስራኤል ድማ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰባት ወዲቖም ሞቱ። ሽዑ እስራኤል ተዋረዱ፥ ይሁዳ ኸዓ ኣብ ኣቦና፥ ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝተወከሉ ሰዓሩ። ኣብያ ድማ ንኢዮርብዓም ሰዓቦ፤ ካብኡ ኸዓ ከተማታት፥ ቤቴልን ቍሸታታን፥ የሻናን ቍሸታታን፥ ኤፍሮንን ቍሸታታን ማረኸ።

ኢዮርብዓም ድማ ብዘመን ኣብያ ሓይሉ መሊሱ ኣይረኸበን፤ ኣቦናውን ወቕዖ እሞ ሞተ። ኣብያ ግና ሓየለ። ዓሰርተ ኣርባዕተ ኣንስቲ ኣእተወ፤ ዕስራን ክልተን ኣወዳትን ዓሰርተ ሽዱሽተን ኣዋልድን ድማ ወለደ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኣብያ ነገርን መንገድታቱን ዘረባታቱን ኣብ ትንታነ ነቢይ ዒዶ ተፅሒፉ ኣሎ።