ኣሳ ንኣቦ ደልዩ ዕረፍቲ ረኸበ
ኣሳ ነቲ ናይ ጓኖት መሰውኢታትን በረኽትን ኣወገደ፤ እታ ምድሪ ድማ ንህንፃ ዝኸውን ዓሰርተ ዓመት ዕረፍቲ ረኸበት። ሚልዮን ዝኾነ ሰራዊት ኵሳውያን ምስ ደየበ፥ ፀሎቱ፥ ነቲ ሓይሊ ዘይብሉ ኻብ ሓያል ክትረድእ ዝኽእል ኣቦኡ ጥራሕ ምዃኑ እዩ ነይሩ — እቶም ኵሳውያን ከዓ ተሰባበሩ።
14 1ኣብያ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ዳዊት ድማ ቀበርዎ። ወዱ ኣሳ ኸዓ ነገሰ፤ እታ ምድሪ ድማ ዓሰርተ ዓመት ሰላም ረኸበት። 2ኣሳ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ፅቡቕን ቅኑዕን ነገር ገበረ። 3ነቲ ናይ ጓኖት መሰውኢታትን በረኽትን ኣወገደ፤ ሓወልትታት ሰበረ፤ ናይ ኣምልኾ ዓፀዳት ኣስታሮት ድማ ቈረፀ። 4ንይሁዳ ኸዓ ንኣቦና፥ ነቲ ኣምላኽ ኣቦታቶም፥ ክደልዩን ሕግን ትእዛዝን ክሕልዉን ኣዘዞም። 5ካብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ድማ ነቲ በረኽትን መዓጠኒ መሰውኢታትን ኣወገደ፤ እታ መንግስቲ ኸዓ ኣብ ትሕቲኡ ሰላም ረኸበት። 6እታ ምድሪ ሰላም ስለ ዝረኸበት፥ ኣብ ይሁዳ ዝተዓረዳ ኸተማታት ሰርሐ። ኣቦና ዕረፍቲ ስለ ዝሃቦ ኸዓ፥ በቲ ዓመታት እቱይ ውግእ ኣይገበረን። 7ንይሁዳ ድማ “ነዘን ከተማታት እዚኣተን ንስራሕ፤ ብመካበብያን ብግንብታትን ብመዓፁን ብመሸጐርን ከዓ ንኸበን። ንኣቦና ደሊናዮ ኢና እሞ፥ እታ ምድሪ ገና ናትና እያ፤ ደሊናዮ፥ ንሱ ኸዓ ኣብ ዙርያና ዅሉ ዕረፍቲ ሃበና” በሎም። ሰሪሖም ድማ ሰለጦም።
8ኣሳ ኸዓ ዓብዪ ዋልታን ኲናትን ዝሓዙ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ካብ ይሁዳ፥ ዋልታን ቀስትን ዝሓዙ ኽልተ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ካብ ብንያም ዘለዉ ሰራዊት ነበሮ፤ ኵሎም ሓያላት ጀጋኑ ነበሩ።
9ዛራ እቲ ኵሳዊ ኸዓ ሚልዮን ሰራዊትን ሰለስተ ሚእቲ ሰረገላታትን ሒዙ ናብኣቶም ወፀ፤ ክሳዕ ማሪሳ ድማ ገስገሰ። 10ኣሳ ድማ ናብኡ ወፀ፤ ኣብ ለሰ ፄፋታ ኣብ ማሪሳ ኸዓ ንውግእ ተሰለፉ። 11ሽዑ ኣሳ ናብ ኣቦና ኣምላኹ ኸምዙይ ኢሉ ኣእወየ፦ “ኦ ኣቦ፥ ነቲ ሓይሊ ዘይብሉ ኻብ ሓያል ክትረድእ ዝኽእል ንስኻ ጥራሕ ኢኻ። ኣብ ልዕሌኻ ተኣማሚንና ኢና እሞ፥ ኦ ኣምላኽና፥ ርድኣና፤ ብስምካ ድማ ነዝ ብዙሕ ሰራዊት እዙይ ንገጥም ኣለና። ንስኻ ኣምላኽና ኢኻ፤ ሰብ ኣይስዓርካ።”
12ኣቦና ድማ ነቶም ኵሳውያን ኣብ ቅድሚ ኣሳን ኣብ ቅድሚ ይሁዳን ወቕዖም፤ እቶም ኵሳውያን ከዓ ሃደሙ። 13ኣሳን ህዝቡን ድማ ክሳዕ ጌራራ ሰዓብዎም፤ እቶም ኵሳውያን ከዓ ኣብ ቅድሚ ኣቦናን ሰራዊቱን ስለ ዝተሰባበሩ፥ ሓደ እኳ ኽሳዕ ዘይተርፍ ወደቑ። ሰብ ይሁዳ ድማ ብዙሕ ምርኮ ዘመቱ። 14ኣብ ልዕሊአን ካብ ኣቦና ፍርሓት ስለ ዝወደቐ፥ ነተን ኣብ ዙርያ ጌራራ ዝነበራ ዅለን ከተማታት ወቕዕወን። ብዙሕ ምርኮ ኣብኣተን ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ንዅለን ከተማታት ዘመትወን። 15ነቲ ናይ ጓሶት ድንኳናትውን ወቕዑ፤ ብዙሕ ኣባጊዕን ኣግማልን ማሪኾም ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።