ኣዛርያስ ካብ ኣቦ ቃል የምፅእ
ኣዛርያስ ነቲ ውዕል ኣምፅአ፦ ምስኡ እንተለኹም ኣቦና ምሳኻትኩም እዩ፤ እንተ ደለኹምዎ ኽትረኽብዎ ኢኹም። ኣሳ ድማ ተባዕ ኮነ፥ ነቶም ጣዖታት ኣወገደ፥ ነቲ መሰውኢ ኣሐደሶ፥ እቶም ህዝቢ ኸዓ ብምሉእ ልቦም ኪዳን ኣተዉ — ብዙርያኦም ድማ ዕረፍቲ ተዋህቦም።
15 1መንፈስ ኣቦና ናብ ልዕሊ ኣዛርያስ ወዲ ዖዴድ ወረደ። 2ንኣሳ ክራኸቦ ወፀ፤ ከምዙይ ድማ በሎ፦ “ኦ ኣሳን ኵሉ ይሁዳን ብንያምን፥ ስምዑኒ፤ ምስኡ እንተለኹም ኣቦና ምሳኻትኩም እዩ፤ እንተ ደለኹም ኽትረኽብዎ ኢኹም፤ እንተ ሓዲግኩምዎ ድማ ክሓድገኩም እዩ። 3እስራኤል ንነዊሕ ዘመን ብዘይ ኣቦና፥ ብዘይ ዝምህር ካህን፥ ብዘይ ሕጊ ነበረ። 4ኣብ ፀበባኦም ግና ናብ ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል ተመሊሶም ደለይዎ፤ ረኸብዎ ድማ። 5በቲ ዘመን እቲ ዝወፅእ ወይ ዝኣቱ ሓደ እኳ ብሰላም ኣይነበረን፤ ኣብ ኵሎም እቶም ኣብተን ሃገራት ዝነብሩ ዓብዪ ሽበራ ወሪዱ ነበረ እሞ። 6ህዝቢ ንህዝቢ፥ ከተማ ድማ ንከተማ ጨፍለቐ፤ ኣቦና ብዅሉ ዓይነት ፀበባ ኣሸበሮም እሞ። 7ንስኻትኩም ግና ትባዕ በሉ፤ ኣይትድከሙ፤ ስራሕኹም ዓስቢ ኽረክብ እዩ እሞ።”
8ኣሳ ድማ እዝ ቃላት እዙይ፥ እቲ ትንቢት ዖዴድ ነብዪ ምስ ሰምዐ፥ ተጠናኸረ፤ ነቶም ዘፀይፍ ጣዖታት ካብ ኵሉ ምድሪ ይሁዳን ብንያምን፥ ካብተን ኣብ ከረን ኤፍሬም ዝሓዘን ከተማታትን ኣርሓቐ። ነቲ መሰውኢ ኣቦና ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደሱ ኣሐደሶ። 9ንዅሉ ይሁዳን ብንያምን፥ ምስኣቶም ዝነብሩ ካብ ኤፍሬምን ምናሴን ስምኦንን ዝኾኑን ኣከቦም፤ ካብ እስራኤል ብዙሓት፥ ኣቦና ምስኡ ምዃኑ ምስ ረአዩ፥ ናብኡ ተሳጊሮም እዮም እሞ። 10ኣሳ ኣብ ዝነገሰሉ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ድማ፥ ኣብ ሳልሳይ ወርሒ ናብ ኢየሩሳሌም ተኣከቡ። 11በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ካብቲ ዝዘመትዎ ንኣቦና ሸውዓተ ሚእቲ ብዕራይን ሸውዓተ ሽሕ በጊዕን ሰውኡ። 12ነቦና፥ ኣምላኽ ኣቦታቶም፥ ብምሉእ ልቦምን ብምሉእ ነፍሶምን ክደልይዎ ድማ ኪዳን ኣተዉ። 13ነቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ዘይደልዮ ኵሉ፥ ንእሽተይ ኮነ ዓብዪ፥ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ፥ ይቕተል ነበረ። 14ነቦና ብዓብዪ ድምፂ፥ ብእልልታ፥ ብመለኸትን ብቐርንን መሓሉ። 15ኵሉ ይሁዳ በቲ ማሕላ ተሓጐሱ፤ ብምሉእ ልቦም መሓሉ፥ ብምሉእ ድሌቶም ደለይዎ፥ ረኸብዎ ድማ እሞ። ኣቦና ኸዓ ብዙርያኦም ዕረፍቲ ሃቦም።
16ንጉስ ኣሳ ድማ ንእኖኡ መዓካ፥ ነቲ ዘፀይፍ ምስሊ ኣስታሮት ስለ ዝገበረት፥ ካብ ንግስትነታ ሰዓራ፤ ነቲ ምስሊ ድማ ቈሪፁ ደቒቑ ኣብ ሩባ ቄድሮን ኣንደዶ። 17እቲ በረኽቲ ኻብ እስራኤል እኳ እንተ ዘይተኣለየ፥ ልቢ ኣሳ ግና ምሉእ ዕድሚኡ ፍፁም ኮይኑ ፀንሐ። a a v17 እቲ በረኽቲ፥ መስዋእቲ ዝስውኡሉ፥ መብዛሕትኡ ጊዜ ንጣዖታት ዝሰግዱሉ፥ ኣብ ርእሲ ኰረብታ ዝነበረ ቦታታት ኣምልኾ እዩ ነይሩ። 18ነቲ ኣቦኡ ዝቐደሶን ንሱ ባዕሉ ዝቐደሶን ነገራት፥ ብሩርን ወርቅን ኣቑሑን ናብ ቤት ኣቦና ኣእተዎ። 19ክሳዕ ኣሳ ዝነገሰሉ መበል ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ድማ ውግእ ኣይነበረን።