ኣሳ ኣብ ክንዲ ኣቦ ንሶርያ ሓረየ
ባኦስ ኣብ ዝወረሮ ጊዜ፥ ኣሳ ንኣቦኡ ኣብ ክንዲ ምሕታት፥ ብብሩር ቤተ መቕደስ ሓገዝ ሶርያ ዓደገ። ኣናኒ ድማ፥ ኣዒንቲ ኣቦና ነቶም ልቦም ምሉእ ብምሉእ ናብኡ ዝወፈዩ ሰባት ንምድላይ ኣብ ኵላ ምድሪ ከም ዝዝዋወራ ነገሮ። ኣሳ ነቲ ረኣዪ ናብ ቤት መቑሕ ኣእተዎ፤ ደሓር ከዓ ነቲ ዝሓመመ ኣእጋሩ፥ ንኣቦኡ ዘይኮነስ ንሐካይም ደለየ።
16 1ኣብ መበል ሰላሳን ሹድሽተን ዓመቱ ንኣሳ፥ ባኦስ ንጉስ እስራኤል ናብ ይሁዳ ወረረ፤ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ ሓደ እኳ ከይኣቱን ካብኡ ኸይወፅእን ኢሉ ድማ ንራማ ዓረዳ። 2ኣሳ ድማ ካብ መዛግብ ቤት ኣቦናን ካብ ቤተ መንግስትን ብሩርን ወርቅን ኣውፂኡ፥ ናብ ወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ፥ እቲ ኣብ ደማስቆ ዝነብር፥ ሰዲዱ ከምዙይ ኢሉ ለኣኾ፦ 3“ኪዳን ኣብ መንጎና ይኹን፥ ከምቲ ኣቦይን ኣቦኻን ዝኣተውዎ። እንሆ፥ ብሩርን ወርቅን ልኢኸልካ ኣለኹ፤ ኪድ እሞ ነቲ ምስ ባኦስ ንጉስ እስራኤል ዘለካ ኪዳን ኣፍርሶ፥ ካባይ ምእንቲ ኽግለስ።”
4ወልደ ኣዴር ድማ ምስ ንጉስ ኣሳ ተሰማምዐ፤ ሓለቓ ሰራዊቱ ኸዓ ናብ ከተማታት እስራኤል ሰደደ፤ ንዒዮንን ንዳንን ኣቤልማይምን ኵለን ከተማታት መዛግብ ንፍታሌምን ድማ ሰዓረን። 5ባኦስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ንራማ ምዕራድ ሓዲጉ ስራሑ ኣቋረፀ። 6ንጉስ ኣሳ ድማ ንኵሉ ይሁዳ ኣከበ፤ ነቲ ባኦስ ራማ ዝዓረደሉ ኣእማንን ኣእዋምን ድማ ኣልዒሎም ወሰዱ፤ ብኣኣቶም ከዓ ንጊብዓን ንምፅጳን ዓረደን።
7ሽዑ ኣናኒ እቲ ረኣዪ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ መፂኡ ከምዙይ በሎ፦ “ኣብ ኣቦኻ ዘይኮነስ ኣብ ንጉስ ሶርያ ስለ ዝተወከልካ፥ ሰራዊት ንጉስ ሶርያ ካብ ኢድካ ኣምለጠ። 8ኩሳውያንን ሊብያውያንን፥ ቍፅሪ ዘይብሉ ሰረገላን ፈረሰኛን ዘለዎም፥ ዓብዪ ሰራዊት ኣይነበሩንዶ? ኣብ ኣቦኻ ስለ ዝተወከልካ ግና ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሃቦም። 9ኣዒንቲ ኣቦና ነቶም ልቦም ምስኡ ፍፁም ዝኾነ ምእንቲ ኸበርትዖም ኣብ ኵላ ምድሪ ይዝዋወራ እየን። ብእዙይ ዓሺኻ፤ ካብ ሕዚ ንደሓር ውግእ ኪህልወካ እዩ።”
10ኣሳ ድማ በዙይ ነገር በቲ ረኣዪ ኰረየ፤ ብዛዕባ እዙይ ተቘጢዕዎ ነበረ እሞ ኣብ ቤት መቑሕ ኣሰሮ። በቲ ጊዜ እቲ ኸዓ ንገለ ካብቲ ህዝቢ ብጭካነ ገፍዐ።
11ናይ ኣሳ ነገር፥ ካብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ፥ ኣብ መፅሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተፅሒፉ ኣሎ። 12ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመት ምንጋሱ፥ ኣእጋር ኣሳ ሓመመ፤ እቲ ሕማም ድማ የመና ኸቢድ ነበረ። ኣብ ሕማሙ እኳ ንኣቦና ኣይደለየን፤ ንሐካይም ደኣ እምበር። 13ኣሳ ድማ ኣብ መበል ኣርብዓን ሓደን ዓመት ምንጋሱ ሞተ፤ ምስ ኣቦታቱ ኸዓ ደቀሰ። 14ኣብቲ ባዕሉ ኣብ ከተማ ዳዊት ዝዀዓቶ መቓብሩ ቀበርዎ፤ ብቐመማትን ብኽኢላታት ሸቱ ዝተዳለወ ዝተፈላለየ ዝተሓወሶ ምዑዝ ሽቱን ዝመልአ ዓራት ኣደቀስዎ፤ ዓብዪ ሓዊ ድማ ኣንደዱሉ። a a v14 እቲ ዓብዪ ሓዊ ንኽብሪ እቲ ንጉስ ኢሉ ቀመማት እዩ ዘንደደ፤ እስራኤል ዘይለመድዎ ምንዳድ ሬሳ ኣይነበረን።