ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦና ሰናይ እዩ

መዝሙር ኣሳፍ።

ኣሳፍ ነቶም ጥዑያት ዕቡያት ሃብታማት ብምቕናእ፥ እግሩ ኽትስሕት ቑሩብ ተሪፉ ነይሩ። ናብ መቕደስ ኣትዩ መወዳእታኦም ክሳዕ ዝርኢ ሓደ'ኳ ኣይተፈትሐን። ከም እንስሳ ከም ዝነበረ ይእመን፥ እቲ ዝደለዮ ኸዓ ኣቐዲሙ ከም ዝሓዞ ይርዲ፦ ኢድ ኣቦኡ ነታ ኢዱ ሒዛታ።

ምዕራፍ 73።

ብሓቂ ኣቦና ንእስራኤል፥ ነቶም ልቦም ንፁሃት ሰናይ እዩ።

ኣነ ግና፥ ኣእጋረይ ክዕንቀፋ ቑሩብ ተሪፍወን ነይሩ፤ ኣካይዳይ ከዓ ክሳተት ቀሪቡ ነይሩ። ራህዋ ሓጥኣን ምስ ረአኹ፥ ንዕቡያት ቐኒአ ነይረ እየ። ኣብ ሞቶም ስቓይ የብሎምን፤ ሰብነቶም ጥዑይን ስቡሕ እዩ። ከምቶም ካልኦት ሰባት ኣብ መከራ የለዉን፤ ከምቶም ዝተረፉ ሰባት ከዓ ኣይውቕዑን። ስለዙይ ትዕቢት ማዕተቦም እዩ፤ ዓመፅ ከም ክዳን ይኸድኖም። ካብ ስብሒ ዝተልዓለ ኣዒንቶም ወፂአን፤ ሓሳባት ልቦም ድማ ይውሕዝ። የላግፁ፥ ብእከይ ከዓ ይዛረቡ፤ ብትዕቢት ድማ ብምግፋዕ የፈራርሑ። ኣፎም ናብ ሰማያት የቕንዑ፥ ልሳኖም ከዓ ኣብ ምድሪ ይዘዋወር። ስለዙይ ህዝቡ ናብኣቶም ይምለሱ፥ ብዙሕ ማይ ከዓ ይሰትዩን። ከምዙይ ድማ ይብሉ፦ “እግዚኣብሄር ከመይ ኢሉ ይፈልጥ? ኣብ ልዑል ፍልጠት ኣሎዶ?” እንሆ፥ እዚኣቶም ሓጥኣን እዮም፤ ኵልሻዕ ብቕሳነት ይነብሩ፥ ሃብቶም ከዓ ይውስኽ።

ብሓቂ ልበይ ብኸንቱ ኣፅሪየ፥ ኣእዳወይ ከዓ ብገርህነት ሓፂበ። ምሉእ መዓልቲ ተወቒዐ፥ ኣብ ኵሉ ንግሆ ከዓ ተገሲፀ።

“ከምዙይ ክዛረብ እየ” ኢለ እንተ ዝብል ነይረ፥ ነቲ ትውልዲ ደቅኻ ምጠለምኩ ነይረ። ነዙይ ኵሉ ከስተውዕል ምስ ፈተንኩ፥ ኣብ ኣዒንተይ ኣድካሚ ስራሕ ኮነኒ፥ ናብ መቕደስ ኣቦና ክሳዕ ዝኣቱ፤ ሽዑ መወዳእታኦም ኣስተውዓልኩ። ብሓቂ ኣብ ለማፅ ቦታ ተቐምጦም፤ ናብ ጥፍኣት ድማ ተውድቖም። ብሓንቲ ቅፅበት ከመይ ኢሎም ተጠፍኡ፥ ብራዕዲ ድማ ፈፂሞም ተፀራሪጎም! ከም ሕልሚ፥ ሰብ ካብ ድቃሱ ምስ ተበራበረ፥ ኦ ጐይታ ኣቦ፥ ንስኻ ምስ ተንሳእካ፥ ከም ከንቱ ምስሊ ክትንዕቖም ኢኻ።

ልበይ ምስ መረረ፥ ኣብ ውሽጠይ ከዓ ምስ ተወጋእኩ፥ ዘየስተውዕልን ዘይፈልጥ ነበርኩ፤ ኣብ ቅድሜኻ ከም እንስሳ ነበርኩ። ኰይኑ ግና፥ ኵልሻዕ ምሳኻ እየ፤ ንስኻ ኸዓ የማነይቲ ኢደይ ትሕዝ። ብምኽርኻ ትመርሓኒ፥ ድሕሪኡ ድማ ናብ ክብሪ ክትወስደኒ ኢኻ። ኣብ ሰማይ ብዘይ ንስኻ መን ኣሎኒ? ኣብ ምድሪ ኸዓ ብዘይ ንስኻ ዝደልዮ የብለይን። ስጋይን ልበይን ይደክሙ ይኾኑ፥ ኣቦና ግና ሓይሊ ልበይን ንዘለኣለም ዕድለይን እዩ።

እቶም ካባኻ ዝረሓቑ ኪጠፍኡ እዮም፤ ነቶም ዝጠልሙኻ ዅሎም ተጥፍኦም። ኣነ ግና፥ ናብ ኣቦና ምቕራብ ሰናይ እዩ፤ ንጐይታ ኣቦ መዕቘቢየይ ጌረዮ ኣለኹ፥ ኵሉ ግብርኻ ምእንቲ ኽነግር።