ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦና ንሙሴ ይዛረቦ

እቶም ርኹሳት ናብ ወፃኢ ሰፈር ይስደዱ፥ ገበርቲ ክፉእ ነቲ በደል ምሉእ ወሲኾም ሓምሻይ ክኸፍሉ ኣለዎም፥ ቅንኣት ሰብኣይ ድማ ካብ ኢዱ ተወሲዱ፥ ብጥርጣረን ብብሕታዊ ሕነን ዘይኮነ፥ ብመሓላን ብመሪር ማይን ኣብ ቅድሚ ኣቦና ይውሰን።

ምዕራፍ 5።

ኣቦና ንሙሴ ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦

“ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ኣዝዞም፦ ነፍሲ ወከፍ ለምፂ ዘለዎን ነፍሲ ወከፍ ፈሳሲ ዘለዎን ነፍሲ ወከፍ ብምኽንያት ሬሳ ዝረኸሰ ካብ ሰፈር ኣውፅእዎም። ተባዕታይ ኾነ ኣንስተይቲ ኣውፅእዎም፤ ኣብ ማእኸሎም ዝነብር ኣነ እየ እሞ፥ ሰፈሮም ምእንቲ ከየርክሱ፥ ናብ ወፃኢ ሰፈር ስደድዎም።”

ደቂ እስራኤል ድማ ከምኡ ገበሩ፤ ናብ ወፃኢ ሰፈር ከዓ ኣውፅእዎም፤ ከምቲ ኣቦና ንሙሴ ዝበሎ፥ ደቂ እስራኤል ገበሩ።

ምንዛዝን ካሕሳን

ኣቦና ድማ ንሙሴ ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦

“ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ካብቲ ወዲ ሰብ ዝገብሮ ሓጢኣት ሓደ እንተ ገበረ፥ ንኣይ ብምብዳል ድማ፥ እቲ ሰብ እቱይ በዲሉ እዩ። በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ይናዘዝ፤ ነቲ በደል ድማ ምሉእ ይተክእ፤ ሓምሻይ ኢዱ ወሲኹ ከዓ ነቲ ዝበደሎ ይሃቦ። ነቲ ሰብ እቱይ እቲ ካሕሳ ዝቕበል ዘመድ እንተ ዘይብሉ ግና፥ እቲ ካሕሳ ናተይ እዩ፤ ነቲ ኻህን ድማ ይኹን፤ ምስኡ ኸዓ እቲ ምእንቲ እቲ በደለኛ ዝዕረቕ ድዑል ስርየት ይኹን። ካብ ኵሉ ቅዱሳት መባእ ደቂ እስራኤል፥ ናብ ኻህን ዝመፅእ ኵሉ መባእ፥ ናቱ እዩ። ቅዱሳት መባእ ነፍሲ ወከፍ ናቱ ይኹን፤ ዝኾነ ሰብ ነቲ ኻህን ዝህቦ ግና ናይቲ ኻህን እዩ።”

ናይ ቅንኣት ፈተና

ኣቦና ድማ ንሙሴ ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦

“ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ሰበይቲ ዝኾነ ሰብኣይ እንተ ኣንፈተት እሞ ኣብ ልዕሊኡ እንተ ኣመንዘረት፥ ካልእ ሰብኣይ ምስኣ እንተ ደቀሰ፥ ካብ ሰብኣያ ተሓቢኡ፥ ረኺሳ ኽነሳ እንተ ዘይተፈለጠ—ዝምስክረላ ሰብ እንተ ዘይብላ፥ ገይራ እውን እንተ ዘይተታሕዘት፥ መንፈስ ቅንኣት ናብቲ ሰብኣይ እንተ መፀ እሞ፥ ብሰበይቱ እታ ዝረኸሰት እንተ ቐንአ፤ ወይ መንፈስ ቅንኣት ናብኡ እንተ መፀ እሞ፥ ንሳ ዘይረኸሰት ክነሳ እንተ ቐንአ፥ እቲ ሰብኣይ ንሰበይቱ ናብ ኻህን የምፅኣ፤ ምስኣ ድማ መስዋእቲ፥ ዓስራይ ኣፍ ናይ ኢፍ ዝኸውን ሕሩጭ ስገም የምፅእ። ቍርባን ቅንኣት እዩ፥ ሓጢኣት ዘዘኻኽር መዘከሪ ቍርባን እኽሊ እዩ እሞ፥ ዘይቲ ኣይፍሰሰሉ፤ ዕጣንውን ኣይግበረሉ። እቲ ኻህን ድማ ኣቕሪቡ ኣብ ቅድሚ ኣቦና የቑማ። እቲ ኻህን ድማ ኣብ ኣቕሓ መሬት ቅዱስ ማይ ይውሰድ፤ ካብ ምድሪ እቲ ማሕደር ድማ ሓመድ ወሲዱ፥ ናብቲ ማይ ይግበሮ። a a v17 እዝ ናይ መሪር ማይ ስርዓት እዙይ፥ ሰማያዊ ፈተና እዩ ነይሩ፦ እታ ሰበይቲ በዳሊት እንተ ኾይና፥ ኣካላዊ ጕድኣት ምረኸበት፤ ንፅህቲ እንተ ኾይና ግና፥ ጕድኣት ኣይምረኸባን። እቲ ኻህን ድማ ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ ኣቦና የቑማ፤ ፀጕሪ ርእሳ ይፍታሕ፤ ኣብ ኢዳ ድማ መዘከሪ ቍርባን እኽሊ—ቍርባን ቅንኣት—የንብረላ፤ እቲ ኻህን ከዓ ነቲ መሪር፥ መርገም ዘምፅእ ማይ ሒዙ ይፀንሕ። እቲ ኻህን ድማ የምሕላ፤ ከምዙይ ኢሉውን ይበላ፦ ‘ዝኾነ ሰብኣይ ምሳኺ እንተ ዘይደቀሰ፥ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሰብኣይኪ እንተ ዘይኣንፈትክን ርኽስቲ እንተ ዘይኮንክን፥ ካብዝ መርገም ዘምፅእ መሪር ማይ ሓራ ኩኒ። ኣብ ትሕቲ ሰብኣይኪ እንተለኺ እንተ ኣንፈትኪ፥ ረኺስክን ካብ ሰብኣይኪ ወፃኢ ድማ ካልእ ሰብኣይ ምሳኺ ደቂሱ እንተ ኾይኑ፥’ ሽዑ እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ በዝ መርገም እዙይ የምሕላ፤ ከምዙይ ኢሉውን፦ ኣቦ ንሰለፍኪ ከምኪኑ ንኸብድኺ ከዓ ከሕብጦ እንተሎ፥ ኣብ ማእኸል ህዝብኺ መርገምን ውርደትን ይግበርኪ። እዚ መርገም ዘምፅእ ማይ ናብ ከብድኺ ኣትዩ፥ ንኸብድኺ የሕብጦ፥ ንሰለፍኪ ከዓ የምክኖ። ሽዑ እታ ሰበይቲ ‘ኣሜን፥ ኣሜን’ ትበል።

“ሽዑ እቲ ኻህን ነዝ መርገም እዙይ ኣብ መፅሓፍ ይፅሕፎ፤ ናብቲ መሪር ማይ ከዓ ይሓፅቦ። ነታ ሰበይቲ ነቲ መሪር፥ መርገም ዘምፅእ ማይ የስትያ፤ እቲ መርገም ዘምፅእ ማይ ድማ ናብኣ ኣትዩ መሪር ፃዕሪ ይገብረላ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ናይ ቅንኣት ቍርባን እኽሊ ኻብ ኢዳ ወሲዱ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ይወዝውዞ፤ ናብ መሰውኢ ድማ የቕርቦ። እቲ ኻህን ከዓ ካብቲ ቍርባን እኽሊ፥ ንመዘከርታ ዝኸውን ምሉእ ሕፍኒ ወሲዱ፥ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ፤ ድሕሪዙይ ነታ ሰበይቲ ነቲ ማይ የስትያ። ነቲ ማይ ምስ ሰተየቶ፥ ንሳ ረኺሳ ንሰብኣያ እንተ ጠሊማቶ ኾይና፥ እቲ መርገም ዘምፅእ ማይ ናብኣ ኣትዩ መሪር ፃዕሪ ይገብረላ፦ ከብዳ ይሕበጥ፥ ሰለፋ ይነቅፅ፥ ኣብ ማእኸል ህዝባ ድማ መርገም ትኸውን። እታ ሰበይቲ ግና ዘይረኸሰትን ንፅህትን እንተ ኾይና፥ ሓራ ትኸውን፤ ዘርኢ ከዓ ክትፀንስ እያ።

“ናይ ቅንኣት ሕጊ እዙይ እዩ፦ ሰበይቲ ኣብ ትሕቲ ሰብኣያ እንተላ እንተ ኣንፈተት እሞ እንተ ረኸሰት፥ ወይ መንፈስ ቅንኣት ንሰብኣይ እንተ ሓዞ እሞ ብሰበይቱ እንተ ቐንአ፥ ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ ኣቦና የቑማ፤ እቲ ኻህን ድማ ነዝ ኵሉ ሕጊ እዙይ ኣብ ልዕሊኣ ይፈፅም። እቲ ሰብኣይ ካብ በደል ሓራ ይኸውን፤ እታ ሰበይቲ ግና ንሓጢኣታ ባዕላ ትሽከሞ።”