ኣቦና ንሙሴ ተዛረቦ
መብፅዓ ናዝራዊ ይግለፅ — ወይኒ የለን፥ መላፀ የለን፥ ሬሳ የለን — ንዝኾነ እስራኤላዊ፥ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ፥ ፍሉይ ክኸውን መንገዲ ኾይኑ። እቶም ካህናት ክብልዎ ዘለዎም ቃላት ድማ ይዓፅዎ፦ ኣቦኻ ይባርኸካ ይሓልወካ።
6 1ኣቦና ድማ ንሙሴ ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦
2“ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ፥ ርእሱ ንኣቦ ምእንቲ ኽፍሊ ፍሉይ መብፅዓ፥ መብፅዓ ናዝራዊ እንተ ተመባፅዐ፥ 3ወይንን ዘስክር መስተን ኣይስተ፤ ካብ ክልቲኡ ዝወፀ ፀብሒ ኣይስተ፤ ዝኾነ ፈሳሲ ወይኒ ኣይስተ፤ ፍረ ወይኒ ጥሉል ኮነ ንቑፅ ኣይብላዕ። 4ብዅሉ ዘመን ፍልልይ፥ ካብ ኦም ወይኒ ዝርከብ ዝኾነ ነገር፥ ካብ ዘርኡ ኽሳዕ ቅራፉ ኣይብላዕ።
5“ብዘመን መብፅዓ ፍልልይ፥ ኣብ ልዕሊ ርእሱ መላፀ ኣይሕለፍ። እቲ ዘመን ክሳዕ ዝመልአ ድማ ንኣቦ ቅዱስ ኮይኑ ይፀንሕ፤ ፀጕሪ ርእሱ ኸዓ ይንዋሕ።
6“ብዅሉ ዘመን ፍልልይ ንኣቦ፥ ናብ ሬሳ ምዉት ኣይቕረብ። 7ምስ ሞቱ፥ ብዛዕባ ኣቦኡ ኮነ ኣዲኡ፥ ሓዉ ኮነ ሓፍቱ፥ ርእሱ ኣየርክስ፤ ናይ ውፍየቱ ንኣቦና ዝኾነ ኣኽሊል ኣብ ልዕሊ ርእሱ እዩ እሞ። 8ብዅሉ ዘመን ፍልልይ ንኣቦ ቅዱስ እዩ።
9“ሓደ ሰብ ብጥቓኡ ኣዚዩ ብድንገት እንተ ሞተ እሞ ነቲ ዝተወፈየ ርእሱ እንተ ኣርከሶ፥ ብመዓልቲ ምንፅሃ ርእሱ ይላፀ፤ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ይላፀ። 10ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ክልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ጫቚታት ርግቢ ናብቲ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ናብ ካህን የምፅእ። 11እቲ ኻህን ድማ ነታ ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት ይስውኣ፥ ነታ ኻልአይቲ ኸዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ ይስውኣ፤ ብዛዕባ እቲ ምዉት ሓጢኣት ስለ ዝገበረ ድማ ስርየት ይገብረሉ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ርእሱ መሊሱ ይቕድስ። 12ነቲ ዘመን ፍልልይ ንኣቦ መሊሱ ይቕድስ፤ ዓመት ዝገበረ ተባዕታይ ጡበት በጊዕ ከዓ ንመስዋእቲ በደል የምፅእ፤ እቲ ፍልልይ ስለ ዝረኸሰ፥ እቲ ዝሓለፈ መዓልቲታት ኣይቚፀርን።
13“ሕጊ ናዝራዊ ኸዓ እዙይ እዩ፦ መዓልቲታት ፍልልይ ምስ ተፈፀመ፥ ናብ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ይመፅእ። 14ንኣቦ ድማ መባኡ የምፅእ፦ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ጐደሎ ዘይብሉ ዓመት ዝገበረ ተባዕታይ ጡበት በጊዕ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ጐደሎ ዘይብላ ዓመት ዝገበረት ሓንቲ በጊዕ፥ ንመስዋእቲ ሰላም ዝኸውን ጐደሎ ዘይብሉ ሓደ ማጕላ፥ 15ምስ ሓደ መሶብ ዘይበዅዐ ቕጫ—ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ቕጫታት፥ ዘይቲ ዝተለኽየ ዘይበዅዐ ረቀቕቲ ቕጫታት—ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን። 16እቲ ኻህን ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦ የቕርቦ፤ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእን ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን ይስውእ። 17ነቲ ማጕላ ኸዓ ምስቲ መሶብ ዘይበዅዐ ቕጫ ንኣቦ ናይ ሰላም መስዋእቲ ጌሩ ይስውእ፤ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ድማ የቕርብ። 18እቲ ናዝራዊ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ኮይኑ፥ ነቲ ዝተወፈየ ርእሱ ይላፀ፤ ነቲ ፀጕሪ ውፍየቱ ወሲዱ ኸዓ ኣብ ትሕቲ እቲ መስዋእቲ ሰላም ዘሎ ሓዊ የንብሮ። 19እቲ ኻህን ድማ ነቲ ዝበሰለ ማእገር እቲ ማጕላ፥ ካብቲ መሶብ ሓደ ዘይበዅዐ ቕጫን ሓደ ረቂቕ ቕጫን ወሲዱ፥ ነቲ ናዝራዊ ፀጕሪ ውፍየቱ ድሕሪ ምልፃዩ ኣብ ኣእዳዉ የንብሮ። 20እቲ ኻህን ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦና እናወዝወዘ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ጌሩ ይወዝውዞ፤ ምስቲ ዝውዝወዝ ሓኸለን ዝወሃብ እግርን፥ ንካህን ቅዱስ ብፅሒት እዩ። ድሕሪዙይ እቲ ናዝራዊ ወይኒ ክሰቲ ይኽእል።
21“ሕጊ እቲ ብዛዕባ ፍልልይ ንኣቦና መባእ ክህብ ዝተመባፅዐ ናዝራዊ እዙይ እዩ፤ እዙይ ብዘይካ እቲ ዓቕሙ ዝፈቕደሉ ኻልእ እዩ። ከምቲ ዝኣተዎ መብፅዓ፥ ከም ሕጊ ፍልልይ ይገብር።”
ኣቦና ኸም ብሓድሽ ተዛረበ
22ኣቦና ድማ ንሙሴ ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦
23“ንኣሮንን ንደቁን ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ጌርኩም ባርኽዎም። ከምዙይ ድማ በልዎም፦ 24‘ኣቦኻ ይባርኽካ ይሓልወካን፤ a a v24 እቲ ኻህን ስም ኣቦና ኣብ ልዕሊ ህዝቡ የንብር። እቲ ናይ ሃዋርያት ሰለስተ ዝኣፁ ምርቓ ድማ ነዚ ኣገባብ እዚ ይመስል—ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር፥ ሕብረት መንፈስ ቅዱስ (2 ቆሮንቶስ 13፥14)። 25ኣቦኻ ገፁ ኣባኻ የብርህ፥ ይምሓረካን፤ 26ኣቦኻ ገፁ የቕንዓልካ፥ ሰላምውን ይሃብካ።’
27“ከምዙይ ጌሮም ድማ ስመይ ኣብ ደቂ እስራኤል የንብሩ፤ ኣነውን ክባርኾም እየ።”