ኣእውዩ፥ ኣቱም መራኽብ ተርሴስ
ወደብ ጢሮስ ጠፊኡ፥ ነጋዶኣ ከዓ ክእውዩ ተነግሮም፤ እቶም ንነገስታት ዘንገሱ፥ ነቲ ባሕሪ ድማ ዕዳጋ ዝገበሩ ነጋዶ ስቕ በሉ። ኣቦና ንዅሉ ኽቡር ትዕቢት ምእንቲ ኼዋርዶ መዲቡዎ እዩ። ደሓር ዝኣተዋ ዓስቢ ድማ ቅዱስ ይኸውን።
23 1እቲ ብዛዕባ ጢሮስ ዝተነበየ ትንቢት፦ ኣእውዩ፥ ኣቱም መራኽብ ተርሴስ፥ ወደብኩም ዓንዩ፥ ቤትን መዕረፍን ዘይብሉ ተሪፉ እዩ እሞ። ካብ ምድሪ ቆጵሮስ እቲ ወረ በፅሖም። 2ስቕ በሉ፥ ኣቱም ኣብ ገምገም ባሕሪ እትነብሩ፥ ኣቱም ነጋዶ ሲዶና፥ ልኡኻትኩም ባሕሪ ዝሳገሩ። 3ብልዕሊ እቲ ብዙሕ ማያት እኽሊ ሺሖር መፀ፥ ዓፂድ እቲ ሩባ፤ እዙይ ኣታዊኣ ነበረ፤ ናይ ኣህዛብ ዕዳጋ ድማ ኾነት። 4ሕፈሪ፥ ኦ ሲዶን፥ እቲ ባሕሪ ተዛሪቡ እዩ እሞ፥ እቲ ዕርዲ ባሕሪ ከምዙይ ኢሉ፦ “ኣይፀዓርኩን ኣይወለድኩን፥ ኣጕባዝ ኣየዕበኹን ኣዋልድውን ኣየዕበኹን።” 5እቲ ወረ ናብ ግብፂ ምስ በፅሐ፥ በቲ ብዛዕባ ጢሮስ ዝመፀ ወረ ክሽበሩ እዮም። 6ናብ ተርሴስ ተሳገሩ፤ ኣእውዩ፥ ኣቱም ኣብ ገምገም ባሕሪ እትነብሩ። 7እዛ እትሕጐስ ከተማኹም እዚኣ ድያ፥ እታ መበቆላ ኻብ ጥንቲ ዝኾነ፥ ኣእጋራ ናብ ርሑቕ ሃገር ክትሰፍር ዝወሰዳ? 8እዙይ ኣብ ጢሮስ ዝመደበ መን እዩ፥ እታ ኣኽሊላት እትህብ፥ ነጋዶ መሳፍንቲ ዝነበርዋ፥ ነጋዶ ኸዓ ክቡራት ምድሪ ዝነበርዋ? 9ኣቦ ሰራዊት ሰማይ መዲቡዎ እዩ፥ ነቲ ኵሉ ኽቡር ትዕቢት ከርክሶ፥ ንዅሎም ክቡራት ምድሪ ኸዋርዶም። 10ኦ ጓል ተርሴስ፥ ከም እቲ ሩባ ኣብ ልዕሊ ምድርኺ ፍሰሲ፤ ደጊም ወደብ የለን። 11ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርጊሑ እዩ፤ ንመንግስታት ኣናውፆም። ኣቦና ብዛዕባ ከነዓን ዕርድታታ ንኸጥፍእ ኣዚዙ እዩ።
12ከምዙይ በለ፥ “ኦ ዝተዓመፅኪ ድንግል ጓል ሲዶን፥ ደጊም ኣይትሕጐስን ኢኺ። ተስኢ፥ ናብ ቆጵሮስ ተሳገሪ፤ ኣብኡ እኳ ዕረፍቲ ኣይክትረኽብን ኢኺ።”
13ናብ ምድሪ ባቢሎናውያን ርኣዩ! እዙይ እቲ ደጊም ዘየለ ህዝቢ እዩ፤ ኣሶር ንኣራዊት በረኻ ኣሕሊፉ ሃቦ። መኽበቢታቶም ኣቘሙ፥ ነዳራሻ ቀንጢጦም ጋሃዳ ገበሩ፥ ዑና ድማ ገበርዎ። a a v13 እብራይስጥ፦ ከለዳውያን — እቶም ናይ ጥንታዊት ባቢሎን ገዛእቲ ህዝቢ። 14ኣእውዩ፥ ኣቱም መራኽብ ተርሴስ፥ ዕርድኹም ዓንዩ እዩ እሞ። 15በታ መዓልቲ እቲኣ ጢሮስ ከም ዘመን ህይወት ሓደ ንጉስ ሰብዓ ዓመት ክትርሳዕ እያ። ድሕሪ ሰብዓ ዓመት ድማ ናይ ጢሮስ መወዳእታ ኸም መዝሙር እታ ኣመንዝራ ክኸውን እዩ፦ 16“በገና ሓዚ፥ ኣብ ከተማ ዙሪ፥ ኦ ዝተረሳዕኪ ኣመንዝራ፤ ክትዝከሪ ምእንቲ ፅቡቕ ገይርኪ ፃወቲ፥ ብዙሕ መዝሙር ድማ ዘምሪ።” 17ድሕሪ ሰብዓ ዓመት ድማ ኣቦና ንጢሮስ ክበፅሓ እዩ፥ ንሳ ኸዓ ናብ ዓስባ ክትምለስ እያ፤ ምስ ኵለን መንግስታት ዓለም ኣብ ገፅ ምድሪ ኸተመንዝር እያ። 18መኽሰባን ዓስባን ግና ንኣቦና ዝተቐደሰ ክኸውን እዩ። ኣይክዕቀርን ኣይክኽዘንን እዩ፤ መኽሰባ ናብቶም ኣብ ቅድሚ ኣቦና ዝነብሩ ክኸይድ እዩ፥ ንብዙሕ ምግብን ንፅቡቕ ክዳንን።