ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣስቴር ናብ ዙፋን ንጉስ ትቐርብ

ኣስቴር ልብሰ መንግስቲ ተኸዲና እንተይተዓደመት ኣብቲ ውሽጣዊ ኣፀድ ደው በለት፤ እታ ወርቃዊት በትሪ ተዘርግሐላ፥ ፈረቓ መንግስቲ ድማ ተቕረበላ። ንሳ ግና ድግስ ጥራሕ ለመነት፥ ሽዑ ኻልኣይ ድማ። ሃማን ተሓጒሱ ወፀ፥ ብመርዶክዮስ ተቘጢዑ፥ ዕንፀይቲ ኸዓ ሰርሐ።

ምዕራፍ 5።

ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ድማ፥ ኣስቴር ልብሰ መንግስቲ ተኸዲና፥ ኣብ መንፅር ኣዳራሽ ንጉስ፥ ኣብቲ ውሽጣዊ ኣፀድ ቤተ መንግስቲ ደው በለት። ንጉስ ከዓ ኣብ መንፅር ኣፍ ደገ ቤተ መንግስቲ፥ ኣብ ዙፋን መንግስቱ ኣብቲ ኣዳራሽ ተቐሚጡ ነበረ። ንጉስ ድማ ንንግስቲ ኣስቴር ኣብቲ ኣፀድ ደው ኢላ ምስ ረአያ፥ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ ረኸበት፤ ነታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት ወርቃዊት በትሪ መንግስቲ ድማ ዘርግሓላ። ኣስቴር ከዓ ቀሪባ ጫፋ ዳህሰሰት።

ንጉስ ከዓ “እንታይ ኴንኪ ኢኺ፥ ኦ ንግስቲ ኣስቴር? እንታይ ትልምኒ ኣለኺ? ክሳዕ ፈረቓ መንግስቲ ኽወሃበኪ እዩ” በላ።

ኣስቴር ድማ “ንጉስ ደስ እንተ ኢልዎ፥ ንሱን ሃማንን ናብቲ ዘዳለኽዎ ድግስ ሎሚ ይምፅኡ” በለት።

ንጉስ ከዓ “ከምቲ ኣስቴር ዝበለቶ ምእንቲ ኽግበር፥ ንሃማን ቀልጢፍኩም ኣምፅእዎ” በለ። ንጉስን ሃማንን ድማ ናብቲ ኣስቴር ዘዳለወቶ ድግስ መፁ።

ኣብ ጊዜ ወይኒ ድማ ንጉስ “ኦ ኣስቴር፥ እንታይ እዩ ልመናኺ? ክወሃበኪ እዩ። እንታይ ከ እዩ ድሌትኪ? ክሳዕ ፈረቓ መንግስቲ'ኳ ናትኪ እዩ” በላ።

ኣስቴር ከዓ ኸምዙይ ኢላ መለሰት፦ “ልመናይን ድሌተይን እዝ እዩ፦ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ሞገስ እንተ ረኺበ፥ ልመናይ ክህበንን ድሌተይ ክፍፅመለይን ድማ ንጉስ ደስ እንተ ኢልዎ፥ ንጉስን ሃማንን ናብቲ ዘዳልወሎም ድግስ ይምፅኡ። ፅባሕ ከዓ ከምቲ ንጉስ ዝበሎ ኽገብር እየ።”

ቝጥዓ ሃማን ናብ መርዶክዮስ ዞረ

ሃማን ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ብሓጎስን ባህታን ወፀ። ግና ንመርዶክዮስ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ኣብ ቅድሚኡ ዘይተሲእን ዘይተንቀጥቀጠን ምስ ረአዮ፥ ሃማን ብመርዶክዮስ ኣዝዩ ተቘጥዐ። ሃማን ግና ተዓጊሱ ናብ ገዛኡ ኸደ። ነዕርኽቱን ንሰበይቱ ዘረሽን ድማ ፀውዐ፤ ሃማን ድማ ብዛዕባ ግርማ ሃብቱ፥ ብዝሒ ደቁ፥ ንጉስ ከዓ ኻብ ሹመኛታትን ኣገልገልትን ንጉስ ንላዕሊ ኣኽቢሩ ኸም ዘልዓሎ ነገሮም።

ሃማን ድማ ወሲኹ “እዙይ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ንግስቲ ኣስቴር ናብቲ ዝገበረቶ ድግስ ምስ ንጉስ ንኣይ ጥራሕ እያ ዓዲማትኒ፤ ፅባሕ ከዓ መሊሰ ምስ ንጉስ ተዓዲመ ኣለኹ። ግና ነቲ ኣይሁዳዊ መርዶክዮስ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ተቐሚጡ ኣብ ዝርእየሉ ዅሉ ጊዜ፥ እዝ ዅሉ ዋላ ሓንቲ ኣይጠቅመንን እዩ።”

ሰበይቱ ዘረሽን ኵሎም ኣዕርኽቱን ድማ “ቁመቱ ሰብዓን ሓሙሽተን ጫማ ዝኸውን ባላ ይተኽሉ፤ ንግሆ ኸዓ ንመርዶክዮስ ኣብኡ ኽሰቕልዎ ንንጉስ ለምን፤ ሽዑ ምስ ንጉስ ተሓጒስካ ናብቲ ድግስ ኪድ” በልዎ። እዝ ነገር እዙይ ድማ ንሃማን ባህ ኣበሎ፤ ነታ ባላውን ኣስርሐ።