ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ምናሴ ንይሁዳ ናብ ዓብዪ ክፍኣት መርሖም

ምናሴ ንቤት ኣቦና ብጣዖታት መልኦ፥ ንደቁ ድማ ብሓዊ ኣሕለፎም፥ ካብቶም ኣህዛብ ዝገደደ ገበረ። ኣሶር ድማ ብመቚለብ ሒዞም ናብ ባቢሎን ወሰድዎ — ኣብ ጭንቂ ኾይኑ ኸዓ ርእሱ ኣትሐተ፥ ተሰምዐ፥ ተመልሰ፥ ነቲ ዝሰርሖ ድማ ኣፍረሶ። ኣሞፅ ግና ርእሱ ኣይትሐተን።

ምዕራፍ 33።

ምናሴ ምስ ነገሰ ወዲ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመት ነገሰ። ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበረ፥ ከምቲ ኣቦና ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ፅዩፍ ነገራት። ነቲ ኣቦኡ ሕዝቅያስ ዘፍረሶ በረኽቲ ኸም ብሓድሽ ሰርሖ፤ ንበዓሊም መሰውኢ ሰርሐ፤ መምለኺ ዓፀድ ገበረ፤ ንዅሉ ሰራዊት ሰማይ ድማ ሰገደ፤ ኣምለኾምውን።

ኣብ ቤት ኣቦና፥ ኣቦና “ኣብ ኢየሩሳሌም ስመይ ንዘለኣለም ይነብር” ኢሉ ኣብ ዝበለ፥ መሰውኢታት ሰርሐ።

ኣብ ክልቲኡ ኣፀድ ቤት ኣቦና ንዅሉ ሰራዊት ሰማይ መሰውኢታት ሰርሐ። ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ንደቁ ብሓዊ ሰውአ፤ ጠንቈለ፤ ተማረተ፤ ስራይ ገበረ፤ ምስ ጠንቈልትን ፀዋዕቲ መናፍስትን ከዓ ተማኸረ። ኣብ ቅድሚ ኣቦና ብዙሕ ክፉእ ብምግባር ኣቘጥዖ።

ነቲ ዝሰርሖ ዝተፀርበ ምስሊ ኣብ ቤት ኣቦና ኣቐመጦ፤ ኣቦና ንዳዊትን ንወዱ ሰሎሞንን ከምዙይ ዝበሎ፦ “ኣብዛ ቤት እዚኣን ካብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ኣብ ዝሓረኽዋ ኢየሩሳሌምን ስመይ ንዘለኣለም ከንብር እየ። ነዝ ዝኣዘዝክዎም ኵሉ፥ ኵሉ እቲ ብሙሴ ዝተውሃበ ሕግን ፍርድታትን ስርዓትን፥ ተጠንቂቖም እንተ ሓልዮም ጥራሕ፥ ንእስራኤል ካብታ ነቦታትኩም ዝሃብክዎም ምድሪ ደጊመ ኣየርሕቖምን እየ።”

ምናሴ ግና ንይሁዳን ንነባሮ ኢየሩሳሌምን ኣስሓቶም፤ ካብቶም ኣቦና ኣብ ቅድሚ እስራኤል ዘጥፍኦም ኣህዛብ ዝገደደ ክፉእ ገበሩ።

ኣቦና ንምናሴን ንህዝቡን ተዛረቦም፤ ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን። ስለዙይ ኣቦና ንሓለቓ ሰራዊት ንጉስ ኣሶር ኣብ ልዕሊኦም ኣምፅኦም፤ ንሳቶም ድማ ንምናሴ ብመቚለብ ሒዞም ብሞቕሕ ነሃስ ኣሲሮም ናብ ባቢሎን ወሰድዎ። a a v11 ቀዳሞት ሰዓርቲ ንምሩኻት ብመቚለብ ወይ ብቐለበት፥ ብኣፍንጫ ወይ ብኸንፈር ኣሕሊፎም እዮም ዝመርሕዎም ነይሮም። ኣብ ጭንቂ ኾይኑ ድማ ንኣቦና ለመኖ፤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቦታቱ ኸዓ የመና ርእሱ ኣትሐተ። ናብኡ ድማ ፀለየ፤ ኣቦናውን ተለሚኑ ናይ ምሕረት ፅርሑ ሰምዐ፤ ናብ ኢየሩሳሌም ናብ መንግስቱ መለሶ። ሽዑ ምናሴ ኣቦና ኣምላኽ ምዃኑ ፈለጠ። b b v13 ምናሴ ካብ ኵሎም ነገስታት ይሁዳ እቲ ዝኸፍአ ነበረ፤ ይኹን እምበር ርእሱ ምስ ኣትሐተ፥ ኣቦና ሰምዖ፤ ናብ ዓዱ ድማ መለሶ፦ ዝኾነ ውሉድ፥ ካብ ተቐባልነት ኣቦ ንላዕሊ ሓጢኡ ኣይፈልጥን።

ድሕሪዙይ ነቲ ኣብ ወፃኢ ዘሎ መካበብያ ኸተማ ዳዊት ከም ብሓድሽ ሰርሖ፤ ካብ ምዕራብ ግዮን ኣብ ለሰ ክሳዕ መእተዊ ደገ ዓሳ፥ ኣብ ዙርያ ዖፌል፥ የመና ልዕል ኣበሎ። ኣብ ኵለን ዝተዓረዳ ከተማታት ይሁዳ ድማ ሓለቓ ሰራዊት ኣቐመጠ። ነቶም ጓኖት ኣማልኽትን ነቲ ጣዖትን ካብ ቤት ኣቦና ኣርሓቐ፤ ምስቶም ኣብ እምባ መቕደስን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝሰርሖም ኵሎም መሰውኢታት ከዓ፥ ካብታ ኸተማ ናብ ወፃኢ ደርበዮም። ነቲ መሰውኢ ኣቦና ድማ ሰርሖ፤ ኣብ ልዕሊኡ መስዋእቲ ሰላምን መስዋእቲ ምስጋናን ሰውአ፤ ንይሁዳ ኸዓ ንኣቦና ኣምላኽ እስራኤል ከገልግሉ ኣዘዞም። እቲ ህዝቢ ግና ገና ኣብ በረኽቲ ይስውእ ነበረ፤ ግን ንኣቦና ኣምላኾም ጥራሕ።

እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሴ ነገርን፥ ናብ ኣቦና ዝፀለዮ ፀሎትን፥ እቶም ረኣይቲ ብስም ኣቦና ኣምላኽ እስራኤል ዝተዛረብዎ ቃልን፥ ኣብ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ተፅሒፉ ኣሎ። ፀሎትን፥ ኣቦና ብኸመይ ከም ዝተለመነሉን፥ ኵሉ ሓጢኣቱን ጥልመቱን፥ ርእሱ ቕድሚ ምትሓቱ በረኽቲ ዝሰርሓለን መምለኺ ዓፀድ ዝተኸለለን ዝተፀርበ ምስልን ዘቘመለን ቦታታት፥ ኵሉ ኣብ ታሪኽ ረኣይቲ ተፅሒፉ ኣሎ። ምናሴ ድማ ዓረፈ፤ ኣብ ቤቱ ኸዓ ተቐበረ። ኣብ ክንድኡ ድማ ወዱ ኣሞን ነገሰ።

ኣሞን ርእሱ ኸትሕት ኣበየ

ኣሞን ምስ ነገሰ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ክልተ ዓመት ነገሰ። ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበረ። ኣሞን ድማ ነቶም ምናሴ ዝሰርሖም ኵሎም ዝተፀርበ ምስልታት ሰውአሎም፤ ሰገደሎምውን። ከም ኣቦኡ ምናሴ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ርእሱ ኣየትሐተን፤ ኣሞን ደኣ ገበኑ ኣብዝሐ እምበር። ባሮት ኣሞን ተመሓሒሎም ኣብ ቤቱ ቐተልዎ። ህዝቢ እታ ምድሪ ድማ ነቶም ኣብ ልዕሊ ንጉስ ኣሞን ዝተመሓሓሉ ዅሎም ቐተልዎም፤ ኣብ ክንድኡ ድማ ወዱ ኢዮስያስ ኣንገስዎ።