ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኢዮስያስ ብመንገዲ ኣቦ ይመላለስ

ኢዮስያስ ገና ቆልዓ እንተሎ ንኣቦና ኺደሊ ጀመረ፥ ነቲ በረኽቲ ኸዓ ኣንፀሆ። ነቲ ቤተ መቕደስ ኣብ ዝዕረየሉ ጊዜ መፅሓፍ ሕጊ ተረኽበ፤ ክዳኑ ቐደደ፥ ናብ ሑልዳ ኸዓ ለኣኸ፤ ንሳ ድማ፥ ልቡ ልዙብ ስለ ዝነበረ፥ እቲ መዓት ርጉፅ እኳ እንተኾነ ኣብ ዘመኑ ከም ዘይኸውን ነገረት።

ምዕራፍ 34።

ኢዮስያስ ኪነግስ ከሎ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ሰላሳን ሓደን ዓመት ነገሰ። ኣብ ቅድሚ ኣቦና ቅኑዕ ገበረ፤ ብመንገዲ ዳዊት ኣቦኡ ድማ ኸደ፤ ንየማን ወይ ንፀጋም ኣየግለሰን።

ኣብ መበል ሸሞንተ ዓመት ንግስናኡ፥ ገና ቆልዓ እንተሎ፥ ንኣቦና ኣምላኽ ዳዊት ኣቦኡ ኺደሊ ጀመረ። ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ከዓ ንይሁዳን ኢየሩሳሌምን ካብ በረኽትን ካብ መምለኺ ዓፀዳትን ካብ ዝተቐረፀ ምስልታትን ካብ ብፍሲ ዝተሰርሑ ምስልታትን ኬንፅህ ጀመረ። ኣብ ቅድሚኡ ድማ ንመሰውኢታት በዓሊም ኣፍረሱ፤ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝነበረ መሰውኢታት ዕጣን ድማ ቘረፀ፤ ነቲ መምለኺ ዓፀዳትን ዝተቐረፀ ምስልታትን ብፍሲ ዝተሰርሑ ምስልታትን ሰባቢሩ፥ ጥሒኑ ኣድቂቑ፥ ኣብ ልዕሊ መቓብር እቶም ዝሰውኡሎም ነስኖሶ። ነዕፅምቲ እቶም ካህናት ኣብ ልዕሊ መሰውኢታቶም ኣቃፀሎ፤ ከምዙይ ጌሩ ድማ ንይሁዳን ኢየሩሳሌምን ኣንፀሆ። ኣብ ከተማታት ምናሴን ኤፍሬምን ስምኦንን፥ ክሳዕ ንፍታሌም፥ ኣብቲ ኣብ ዙርያኦም ዝነበረ ዑናታቶም። a a v6 እተን ኢዮስያስ ዝበፅሐን ሰሜናይ ከተማታት፥ ቅድሚ ብዙሕ ዓሰርተታት ዓመታት ብወራርን ምርኮን ኣሶር ብዝበዝሐ ክፋለን ዑና ኾይነን ተሪፈን ነበራ። ነቲ መሰውኢታት ኣፍረሶ፤ ነቲ መምለኺ ዓፀዳትን ዝተቐረፀ ምስልታትን ጥሒኑ ኣድቀቖ፤ ኣብ ኵላ እስራኤል ዝነበረ ዅሉ መሰውኢታት ዕጣን ድማ ቘረፀ። ሽዑ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።

ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ንግስናኡ፥ ነታ ሃገርን ነቲ ቤትን ኣንፂሁ፥ ነቤት ኣቦና ምእንቲ ኺዕርይዎ፥ ንሻፋን ወዲ ኣፃልያን ንመዓሴያ ሹም እታ ኸተማን ንኢዮኣ ወዲ ዮኣካዝ ፀሓፊ ታሪኽን ለኣኸ። ናብ ሂልቅያስ ሊቀ ካህናት መፂኦም ድማ ነቲ ናብ ቤት ኣቦና ዝኣተወ ገንዘብ ኣረከብዎ፤ እዝ ገንዘብ እዙይ ከዓ እቶም ደጌታት ዝሕልዉ ዝነበሩ ሌዋውያን፥ ካብ ምናሴን ኤፍሬምን ካብ ኵሉ ተረፍ እስራኤልን፥ ካብ ኵሉ ይሁዳን ብንያምን፥ ካብ ነበርቲ ኢየሩሳሌምን ዝኣከብዎ እዩ። ነቶም ኣብ ቤት ኣቦና ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ድማ ሃብዎ፤ እቶም ኣብ ቤት ኣቦና ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ከዓ ነታ ቤት ኬዕርዩዋን ኬጠናኽሩዋን ኣውዓልዎ። ፅሩብ እምኒ ኺዕድጉ፥ ነተን ነገስታት ይሁዳ ዝዓነዋ ኣባይቲ ዝኸውን ገመላትን ኣእዋምን ድማ ኺዕድጉ፥ ንፀረብትን ንነደቖን ገንዘብ ከፈልዎም። እቶም ሰባት ድማ ብተኣማንነት ሰርሑ። ኣብ ልዕሊኦም ነቲ ስራሕ ዝመርሑ ኸዓ፥ ያሃትን ኣብድዩን፥ ካብ ደቂ ሜራሪ ዝኾኑ ሌዋውያን፥ ዘካርያስን መሹላምን ከዓ ካብ ቀዓታውያን ነበሩ፤ እቶም ሌዋውያን ድማ፥ ኵሎም ብመሳርሒ ዜማ ዝኽእሉ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ፀዓንቲ ነበሩ፤ ንዅሎም እቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓይነት ስራሕ ዝሰርሑ ዓየይቲ ይመርሑ ነበሩ። ገለ ሌዋውያን ድማ ፀሓፍትን ሹመኛታትን ሓለውቲ ደጌታትን ነበሩ።

ሂልቅያስ ነቲ መፅሓፍ ሕጊ ረኸቦ

ነቲ ናብ ቤት ኣቦና ዝኣተወ ገንዘብ ከውፅእዎ እንተለዉ፥ ሂልቅያስ ካህን ነቲ ብሙሴ ዝተውሃበ መፅሓፍ ሕጊ ኣቦና ረኸቦ። ሂልቅያስ ድማ ንሻፋን ፀሓፊ “ኣብ ቤት ኣቦና መፅሓፍ ሕጊ ረኺበ ኣለኹ” በሎ፤ ነቲ መፅሓፍ ከዓ ንሻፋን ሃቦ።

ሻፋን ድማ ነቲ መፅሓፍ ናብ ንጉስ ኣምፂኡ ከምዙይ ኢሉ ነገሮ፦ “ሓሻኽርካ ነቲ ኣብ ኢዶም ዝተመደበ ዅሉ ይገብርዎ ኣለዉ። ነቲ ኣብ ቤት ኣቦና ዝተረኽበ ገንዘብ ኣውፂኦም፥ ነቶም ሓለፍትን ነቶም ሰራሕተኛታትን ከዓ ኣረከብዎ።” ሻፋን ፀሓፊ ድማ ንንጉስ “ሂልቅያስ ካህን መፅሓፍ ሃበኒ” ኢሉ ነገሮ፤ ሻፋን ከዓ ነቲ መፅሓፍ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣንበቦ።

እቲ ንጉስ ድማ ቃላት እቲ ሕጊ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቀደደ። እቲ ንጉስ ድማ ንሂልቅያስን ንኣሒቃም ወዲ ሻፋንን ንዓብዶን ወዲ ሚካን ንሻፋን ፀሓፊን ንዓሳያስ ባርያ ንጉስን ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ኪዱ፥ ብዛዕባ ቃላት እዝ ዝተረኽበ መፅሓፍ ንኣይን ነቶም ኣብ እስራኤልን ይሁዳን ዝተረፉን ንኣቦና ጠይቑ። ኣቦታትና ንቓል ኣቦና ኣይሓለውዎን፥ ከምቲ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ተፅሒፉ ዘሎ ዅሉ ኣይገበሩን እዮም እሞ፥ እቲ ኣባና ዝፈሰሰ ቍጥዓኡ ዓብዪ እዩ።”

ሂልቅያስን እቶም ናይ ንጉስ ሰባትን ድማ ናብ ሑልዳ እታ ነብዪት ከዱ፤ ንሳ ሰበይቲ ሻሉም ወዲ ቶቃት ወዲ ሃስራ ሓላዊ ኽዳውንቲ እያ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ካልኣይ ክፋል ኸተማ ትነብር ነበረት። ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ድማ ተዛረብዋ።

ንሳ ድማ ከምዙይ በለቶም፦ “ኣቦና ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነቲ ናባይ ዝለኣኸኩም ሰብኣይ ከምዙይ በልዎ፦ ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ኣብዝ ቦታ እዙይን ኣብ ነበርቱን መዓት ከምፅእ እየ፤ ነቲ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ይሁዳ ዝተነበበ መፅሓፍ ተፅሒፉ ዘሎ ዅሉ መርገም የምፅእ። ንኣይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝዓጠኑ፥ በቲ ዅሉ ዝገበርዎ ድማ ስለ ዘቘጥዑኒ፥ ቍጥዓይ ኣብዝ ቦታ እዙይ ክፈስስ እዩ፤ ኣይጠፍእን ከዓ እዩ። ነቲ ናባይ ኪትጥይቑ ዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ግና ከምዙይ በልዎ፦ ኣቦና ኣምላኽ እስራኤል ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕካዮ ቃላት ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነቲ ኣብዝ ቦታ እዙይን ኣብ ነበርቱን ዝተዛረቦ ቃላት ምስ ሰማዕኻ፥ ልብኻ ልዙብ ስለ ዝነበረ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ርእስኻ ስለ ዘትሓትካ፥ ኣብ ቅድመይ ርእስኻ ኣትሒትካ ክዳውንትኻ ስለ ዝቐደድካ ኣብ ቅድመይ ድማ ስለ ዝበኸኻ፥ ኣነ ባዕለይ ሰሚዐካ ኣለኹ፥ ይብል ኣቦና። እንሆ፥ ናብ ኣቦታትካ ኽእክበካ እየ፤ ናብ መቓብርካ ድማ ብሰላም ክትኣቱ ኢኻ። ዓይንኻ ኸዓ ነቲ ኣብዝ ቦታ እዙይን ኣብ ነበርቱን ዘምፅኦ መዓት ፈፂማ ኣይክትርእዮን እያ።” ንሳቶም ድማ ነዝ መልሲ እዙይ ናብ ንጉስ ኣምፅኡ።

ሽዑ እቲ ንጉስ ንዅሎም ዓበይቲ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ፀውዖም። እቲ ንጉስ ድማ ምስ ኵሎም ሰብ ይሁዳን ነበርቲ ኢየሩሳሌምን ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ኵሉ ህዝብን፥ ካብ ዓብዪ ክሳዕ ንእሽቶ፥ ናብ ቤት ኣቦና ደየበ። ነቲ ኣብ ቤት ኣቦና ዝተረኽበ ዅሉ ቃላት መፅሓፍ ኪዳን ድማ ኣብ ቅድሚኦም ኣንበቦ። እቲ ንጉስ ኣብ ቦታኡ ደው ኢሉ፥ ንኣቦና ኺስዕብ፥ ትእዛዛቱን ምስክራቱን ሕጋጋቱን ብምሉእ ልቡን ብምሉእ ነፍሱን ኺሕሉ፥ ነቲ ኣብዝ መፅሓፍ ተፅሒፉ ዘሎ ቃላት ኪዳን ኪፍፅም፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኪዳን ኣተወ። ኣብ ኢየሩሳሌምን ብንያምን ንዝተረኽበ ዅሉ ድማ ነዝ ኪዳን እዙይ ከም ዝቕበሎ ገበረ፤ ነበርቲ ኢየሩሳሌም ከዓ ከም ኪዳን ኣቦና ኣምላኽ ኣቦታቶም ገበሩ። ኢዮስያስ ድማ ካብ ኵሉ ምድሪ ደቂ እስራኤል ንዅሉ ርኹስ ነገር ኣወገደ፤ ንዅሎም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ድማ ንኣቦና ኣምላኾም ከም ዘገልግሉ ገበረ። ብዘመኑ ዅሉ ኸዓ ንኣቦና ካብ ምስዓብ ኣየግለሱን።